بيان الذكرى الـ (53) لاعلان  الكفاح  المسلح الارتري ( Tigrenya )
نشر من قبل omaal في 01:13 مساء - 09 11 1435 هـ (03 09 2014 م)

ብአጋጣሚ  ( መበል 53 ) መዓልቲ ምእዋጅ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

 


تفاصيل الخبر

ER NAT COUCELL EX OFFICE.jpg

ብአጋጣሚ  ( መበል 53 ) መዓልቲ ምእዋጅ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

መግለጺ ኤሃባደለ ፡

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ካላኣይ ኲናት ዓለም ከምተን ኩለን  ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጣልያን ዝነበራ ሃገራት ነጻነታ ክትጓናጸፍ ኣይከኣለትን።  ብሰንኪ ኣድልዎ ዓበይቲ ሃገራትን ሸርሕን ውዲትን መግዛእቲ ኢትዮጵያን እንደገና ኣብ መግዛእቲ ክትቁረን እዩ ዝተገብረ።  በዚ ዘይተጻዕደ ህዝቢ ኤርትራ ሰላማዊ ቃልሲ ኩሕኖ ምስ ኮነ ብመሪሕነት ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓወተ ብሓደ መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ተኣወጀ።

ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣብ መንጎ መግዛእትን ሓርነትን ዝፈሊ መሰጋገሪ መድረኽ ኮይኑ ህይወት ብዙሓት ንጹሓት ዜጋታት ዝሓተተን ኣብዚ ሓጺር መግለጺ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ጅግንነትን ዝተራእየሉ መድረኽ እዩ ኔሩ። ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመት መሪር ብተታዊ ቃልሲ ድማ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ተሳዒሩ ሕጋውነት ፍትሓዊ ቃልስና ድማ ብረፈረንደም ተደምዲሙ። ልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንድሕሪት ብዘይምለስ መልክዑ ተረጋጊጹ ኣሎ።

እቲ ኩሉ ዝተኸፍለ መስዋእትን ጅግንነትን ከምኡውን ኣብ ረፈረንደም ዝተራእየ ጭውነትን ህዝብና ንሃገራዊ ነጻነት ዝነበሮ ነቕ ዘይብል እምነት ብዘየወላውል መንገዲ ድሕሪ ምግላጹ ግን ብሰንኪ በሓቲ ኣረኣእያ ስርዓት ህግደፍ ፡ ፖለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ምዕባሌታት ህዝቢ ኤርትራ ንድሕሪት እምበር ንቕድሚት ክኸይድ ኣይከኣለን። ብሰንኪ እቲ ገባቲ ዝኾነ ፖለቲካን ሸርሒ ዝወለዶን ዝኸበዶን ኣካይዳ ህግደፍ ሃገርና ኤርትራ ንሓደ ሰብ ወይ ንሓደ ጉጅለ ንከተገልግል ጥራሕ ከምዝተፈጥረት ኮይና ዜጋታትና ኣብ ገዛእ ሃገሮም ከም ካላኣይ ዜጋ ተቖጺሮም ክኸዱ ተገዲዶም ኣለዉ። እዚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ መሪር መነባብሮ ዘሰንበሮም ዜጋታትና ድማ ኣብ ወርሒ ብገምጋም ክሳብ ኣርባዕተ ሽሕ ዝኣኽሉ ንስደት የምርሑ ኣለዉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንተቐጺሉ ሃገርና ኤርትራ እንታይ ሒዛ ከምትቕጽል ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ሽግር ግን ሰብ ዝፈጠሮ ሽግር ስለ ዝኾነ ሰብ ተቓሊሱ ከጥፍኦ ዝኽእል ሽግር እዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ንኽንስደድን መዋእልና ብቃልሲ ክንበልን ዝተረገምና ኣይኮናን። ጸገማትና ብቓልሲ ቐሪፍና ኣብ ሰላምን ራህዋን ክንነብር ኣንኽእል ኩሉ ነዚ ዘድሊ ዓቕምታት እንውንን ፍጡራት እና። እቲ ዘድሊ ዝወደቕናሉ ምዕራፋት ገምጊምና ንብሩህ መጻኢ ዕድል ምብጋስ ጥራሕ እዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንበሓቲ ኣረኣእያን ኣካይዳን ወጊድ ኢሉ ኩሉ ደላይ ለውጢ ዝተኣኻኸበሉ ጽላል ብምፍጣር ጸረ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ክቃለስ ካብ ዝጅምር ድሮ ልዕሊ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኣቚጺሩ ኣሎ። ብዙሕ ዝተርፎ እኳ እንተሎ ንኹሎም ውድባት ብምጥርናፍን ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ኣብ መድረኽ ክተኣናገዱን ዝሓሹ ኣረኣእያታት ንቕድሚት ፈርዮም ንኽወጽኡን ካብ ዘግበረ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ መጀመርታ እዩ። እዚ ብሓገዝ ናይ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ክምዕብልን ክሰፍሕን ዝግባእ ምኻኑ እናኣመንና ንኹሎም ደለይቲ ለውጢ ክሳተፍዎ ንዕድም።

በዚ ኣጋጣሚ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ህዝቢ ኤርትራ እንቛዕ ኣብጸሓካ እናበልና ነቲ ብኸቢድ መስዋእቲ ዘረጋገጹ ሃገራዊ ነጻነት ሕጂውን እንተኾነ ኣብ መስርሕ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ተሳቲፉ ፍትሓውን ኣሳታፍን ደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ምምስራት እጃሙ ከበርክት ንጽውዕ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ንቃለስ

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤሃባደለ

1 መስከረም 2014