ደምዳሚ መግለጺ ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼ&#470
نشر من قبل omaal في 06:37 صباحا - 10 10 1434 هـ (16 08 2013 م)

ደምዳሚ መግለጺ ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/

 


تفاصيل الخبر

DEMOCRATI FRON FOR ERITREAN UNITY.jpg

ደምዳሚ መግለጺ

ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/

ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/ ካብ 12-14 ነሓሰ 2013 ኣብ ዘሎ ግዝያት ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ።ማእከላይ መሪሕነት ኣብዚ ኣኼብኡ'ዚ ንህልዊ ዓለማውን ከባብያውን ሃገራውን ውድባውን ኩነታት ብዕምቆት ገምጊሙ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉን።

ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ደግሓኤ ኣብ’ዚ ኣኼብኡ’ዚ ንህልዊ ሃገራዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ፡ ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ’ቲ ብውሽጥን ብደገን ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ፖለሲታቱን ዝፈሸለ  ቁጠባዊ ወፍሩን ቁጠባ ኤርትራ መሬት ዘቢጡ ክሳብ  መሰረታዊ ንወዲ-ሰብ ንኽነብር ዘድልይዎ ሃለኽቲ ከም እኽልን ማይን መብራህትን መድሃኒትን ብቐሊሉ ክትረክብን ከም ኣመራጺታት ክትሽምት እውን ኣብ ዘይትኽእለሉን፡ከም ነዳዲን ናይ ህንጻ መሳርሕታትን እውን ጨሪሶም ኣብ ዝሳኣንሉን ቁርብ ቁራቦ እንተተረኽበ እውን ብኽቡር ዋጋ ክትሽምት ኣብ እትግደደሉ ተበጺሑ ኣሎ። ምስ’ቲ ሎሚ ዘመን ዝረኤ ዘሎ ዋሕዲ ዝናብን ድርቅን ተደማሚሩ እዚ ዓመት’ዚ ከጋጥም ዝኽእል ናይ ጥሜትን ዓጸቦን ሓደጋ ከቢድ ክኽውን ከም ዝኽእል ብምግማት ህዝብና መጻኢ ዕድሉ ጸልሚቱ ብጭንቀት ተዋሒጡ መዋጽኦ ስኢኑ ከስተንትን ይርከብ። ብሰንኪ’ዚ እናኣንቖልቖለ ንውድቀት ተሳጢሑ ዘሎ ወድዕነት ሃገርና እዚኻኣ ናብ ስደት ገጽካ ምምዕዳውን ምውሓዝን ሓደ መልክዕ ናይ ምብትታን ሓደገኛ ተርእዮ’ዚ መጻኢ ወለዶ ናይ ምጽናት ኣንፈት እዩ ዝኽውን ዘሎ።  ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ካኣ መዓልቲ መዓልቲ ብኹሉ ማእዝናት ሃገርና ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት ዝርከብዎም ሽማግለታት ወለዲ፡ ቆልዑ ዝሓዛ ኣንስቲ፡ ካብ ስድርኦም ተነጺሎም ንበይኖም ዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ህጻናት ፡ ብብዝሒ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይውሕዙ ምህላዎም ተገንዚቡ።

እዚ ናይ ስደት ፍልሰት’ዚ  ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝገደደን ሓውሲ ወግዓዊ መልክዑ ሒዙ ተዋዲዱን ስፊሑን ዘሎ ናይ ነጋዶ ሰብ ኔትዎርክ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ሰበ ስልጣናት ህግደፍ ዝርከብዎ ተኣሳሲሩ ዝብገስ ኮይኑ ኣብ ጎራባብቲ ሃገራት ተዘርጊሑ ስደተኛታት ንከብድቲ ሓደጋታት ይቃልዑ ምህላዎም ርእዩ። እዚ ነቲ ብጉቦን ስርቅን ኮንትሮባንዳን ጠስጢሱ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብድሕሪ ተርኽቦ 21 ጥሪ ናይ ሰራዊት ምንቕስቓስ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዝተፈጥረ ዘይምትእምማን ጥርዙ ሓሊፉ ክሳብ ኣብ ኣገደስቲ ተሃወስቲ ኢሉ ዝርእዮም ቦታታት ከም ቤተ-መንግስትን ዜናን ኣገደስቲ ናይ ስለያን ጸጥታን ላዕለዎት ትካላትን ዝርከብዎም ካብ ወጻኢ ጎራባብቲ ሃገራት ዘተኣኻኸቦም ተቓወምቲ ሓይልታት ናይ ስርዓት ህግደፍ ናይ ቀረባ እሙናት ኮይኖም ክሳብ ኣብዚ ተሃዋሲ ቦታታት’ዚ ንሓለዋ ዝዋፈርሉ ናይ ቕብጸት ህሞት ምብጽሑ ናይ ኣደባባይ ሚስጥር እዩ ኮይኑ ዘሎ።

ማእከላይ መሪሕነት ኣብዚ ኣኼብኡ’ዚ ህልዊ ከባብያዊ ኩነታትና ኣመልኪቱ ኣብ ዝረኣየሉ ስርዓት ህግደፍ ብውሽጡ ቦኽቢኹ ንውድቀት ተሳጢሒሉ ኣብ ዘሎ ወቕቲ ንናይ ወጻኢ ሓይልታት እናተዓስበ ትርፊ ንምምእራር ካብቲ ተዓሲቡ ዝኽፈሎ ንናይ ዝተፋላለዩ ሃገራት ተቓወምትን ግብረ ሽበራውያን ሓይልታትን ብርክት ዝበለ ገንዘብን ዕጥቅን- መሳርሕታትን መዊሉን ኣዕጢቑን ንርግኣትን ሰላምን ጎራባብቲ ሃገራት ንምዝራግ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ቦታታት፡ ብፍላይን ብጽዑቕን ከኣ ናብ ኢትዮጵያ ዘቕነዐ ናይ ምሕማስ ግብረ-ሽበራዊ ስራሓት የካይድ ምህላዉ ተገንዚቡ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ከኣ ንወዲቑ ዘሎ ቁጠብኡ ንምሕዋይን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምምእራርን ናይ ጎራባብቲ ሃገራት ተቓወምቲ ሓልይታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጆሆ ሒዙ ዘፋራርሕሉን ሓውሲ ቅሉዕ ናይ ኮንትሮባንዳን ናይ ስለያ ስራሕን ብጻዕቂ ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን እንዳኣካየደ ግብኣተ-መሬቱ ከናውሕ ላዕልን ታሕትን እናተጻፈዐ ናይ ጎራባብቲ ህዝብታትን መንግስታትን ሃብቲ ይብዝብዝ ምህላው ተገንዘበ።

ጀጋኑ ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!  

ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ ኣብ’ዚ ኣኼብኡ’ዚ ንህልዊ ኩነታት ደምበ-ተቓውሞ ብሓፈሻ ኤዲኪን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ከኣ ብፍላይ ብዕምቆት ገምጊሙ። ደምበ ተቓውሞ ብዝተወደበን ዘይተወደበን መልክዓት ግንባራቱን ውድባቱን ስቪካዊ ማሕበረ ሰባትን ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ ብመንጽር ዝሓለፈ መድረኻት ክረአ እንከሎ ጸረ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፍታትን ብዝተፋላለየ ፎርማትን እናተወደበ ብስፍሓት ዝዋፈረሎም ዘሎ ተቓውሞታት ዋላኳ ከም ሓደ ሕብረተ-ሰብኣዊ ቀጸላ ገና ቑኑዕን ስነ-ፍልጠታውን ናይ ውደባ ጥበብ ሒዙ ብሓደ ማሕበር ተጠርኒፉ ብሓደ ኣንፈት ክምክት ኣይኽኣል ደኣእምበር ዘርእዮ ዘሎ ንጥፈታት ዝምጎስን ዝተባባዕን ተግባር ምዃኑ ተገንዚቡ።

ማእከላይ መሪሕነት ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ኣብ ሕቶ ብሄራውን ሕብረ ብሄራውን መልክዕ ውዳቤታት ዝረአ ዘሎ ምዝባዓት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ንወድዓዊ ተደላይነት ሕቶ ብሄራዊ መልክዕ ውደባ ዘናኣእስን ዘህስስን ሓደገኛ ወስታታት ብትኹረት ክግጠም ከምዘለዎ ርእዩ።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ጠቕላላ ጉባኤኡ ንከመይነት ሕቶ ቀጻልነቱን ሓድነቱን ኣድማዕነቱን  ማእከል ገይሩ ንውሽጡን ብኡ መንጽር ንኩነታት ሃገራዊ ባይቶን ብዕምቆት ገምጊሙ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ከሳጋግሮ ዝወሰዶ ውሳኔታትን ጉባኤ ብዓወት ምዝዛሙን መጎሱ ገሊጹ።

ማእከላይ መሪሕነት ኤሃባዲለ ድሕሪ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ዘጋጠሞ ውሽጣዊ ዕንቅፋታትን ሕጂ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ባይቶን ፈጻሚትን ዘጋጥምዎ ዘለው ጸገማትን ብዕምቆት ድሕሪ ፡ ምምዛን ካልኣዊ ግርጭታቱ ብልዝብ ፈትሑ ናብ ዝሓሸ ደረጀ ከሰጋግር ዘለዎ  ሰናይ ትምኒቱ  ገሊጹ። ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ መሪሕነት ባይቶን ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ኣስናዳኢት ሽማግለ መዚዙ ዕማማት ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ተሊምዎም ዘለው መደባት ኣብ ተግባር ንምውዓል ደግሓኤ ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ከማልእ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ኣኼብኡ’ዚ ኣረጋጊጹ።

ማእከላይ መሪሕነት ጠንቅታት ናይቶም ዝኽሰቱ ዘለዉ ሽግራት እዚኣቶም ክርኢ እንከሎ ብዙሓት ዝተጣናነጉ ወድዓውን ባዕላውን ጸገማት እኳ እንተሃለው፡ ሓደ ካብቲ ሕመረት ጸገማቱ ዝኾነ ኤሃባዲለ ፍጥር ክብል እንከሎ ኣትሒዙ እቲ ባይቶ ዝተቐርጸሉ ሕገ ህንጻ ቅርጡው ዝበለ ሕጂ ንእነካይዶ ዘለና መድረኽ ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ዘገልግል ዘይኮነስ መንግስታዊ ስርዓተ ቅርጻ ዝሓዘ ከም ኣብ ዝበዝሐ ሓራ ዝወጸ መሬትን ህዝብን ሃገርን ወይ ኣብ ስደት-ዝቐውም መንግስታዊ ቅርጻ (ባይቶ) ገይሩ ነብሱ ዘቐምጥ፡ ኣብ ከመይነት ኣቃውማን ኣስራርሓን ሓላፍነት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን፡ መሪሕነት ባይቶ ስክርታሪያን፣፡ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ዞባታትን ኣቃውመአንን ዝተሓላለኸን ተጋራጫዊ ዝኾነን፡ ከስርሕ ዘይክእል ቢሮክራስያዊ ባህሪ ዘለዎን እዩ። ኣቃውማ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት እንተኾነ’ውን ንገዛእ ርእሱ ከም ኣፈጻሚ ናይ መተግበሪ ትካል መጠን ቀንዲ ኣካናውና ባይቶ ኣብ ጸብጻብ ኣእትዩ ብቕዓትን ተወፋይነትን ማእከል ገይሩ ዝቖመ ዘይኮነስ ሙሉእ ዓቕሙ ጸንቒቑ ዳይናሚካሊ ከይሰርሕ ዝገብር፡ ውሑዳት ጥራሕ ምሉእ ግዚኦም ክስርሑ ዝዕድም ንጡፍ(effctive)ናይ ቃልሲ መሳርሒ ክኸውን ዝኽእል ቅርጻ ዘለዎ ኣይኮነን።ኣብ ርእሲ እዚ ጸገም’ዚ እውን ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ነዚ ጸገም’ዚ ዝያዳ ዝተሓላልኸ ክኸውን ካብ ዝገብሮ ኣብ መንጎ ከልተ ኣኼባታት ባይቶ ዝላዓለ ስልጣን ዘለዎ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ዘይኮነስ መሪሕነት ባይቶ ምዃኑ ምርኣዩ ነቲ ኣብ መንጎ ሓጋጊን ፈጻሚ ኣካልን ዘሎ ናይ ሓላፍነት ደረታት ክተሓላለኽ ካብ ዝገበሮ ሓደ ምዃኑ፡ በዚ ኣቢሉ ኸኣ ዝተፋላለየ ግንዛቤታት እውን ዝተቐርጸን ይሰርሕ ምህላውን ሓደ ተወሳኺ ጸገም እዩ።            

በዚ መሰረት ኣብ ራብዓይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ መሪሕነት ባይቶን ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ብመሪሕነትን ባይቶ ንኣቦ-መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ናይ ምውራድ ውሳኔ ዝተወስደ ይኹን ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ኣብ ኣታራጓጉማን ውሳኔን ባይቶ ዘጋጠመ ኣፋላልይ ንናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ውሽጣ ምቅይያር ናይ ምግባር ሓላፍነት ዝሰገረ ብምንባሩ ኩሎም እዚኣቶም ቅኑዕ ሕጋዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ ዘተኽተሉ እዮም ኢሉ ኣይርእን። ስለ ዝኾነ ከኣ ቑኑዕ መስኖኦም ሒዞም ክስታኻከሉ እዩ ዝግብኦም ዝነበረን ዘሎን ይብል።ካብዚ ሓሊፉ ኻኣ ሕጂ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ መሪሕነት ባይቶን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ተጋደላይ ዶ/ር ዮሱፍ ብርሃኑ ባዕሉ ብፍቓዱ ድሕሪ ውሳኔ መሪሕነት ባይቶ’ውን ይኹን ክወርድ (Resignation)ኣብ ዘቕረበሉ ህሞት ነዚ ውሳኔ ሓሳብ’ዚ ኣብ ክንዲ ብወድዓውነቱ ገምጊምካ ቅቡል እንተደኣ ኮይኑ ብናይ ሓባር ምርድዳእ ብኽብሪ ቅቡል ገርካ ብልዙብ ኣገባብ  ምቅብባል ተገይሩ ክስገር ዝነበሮ ኣብ ዘይሕጋዊ ኣገባባት ምኻድን ንዕኡ ዘይምቕባልን ትኽክል ገይሩ ኣይርእን።

ሕጂ’ውን ኣብ ክንዲ ኣብ ሕሉፍ መርገጻት ምድርራቕን ኣብ ብዙሕ ሃጓፋት ዝሓዘ ንቕድሚት ክማዓራረ ዘለዎ ህንጻ ሕጊ ዝራኣዩ ጥሕሰታት ጥራሕ ተንጠልጢልካ ክንዲ ምርኣይን ግዜ ብምብላዕን ምስሕሓብን ሓቢርካ ብምልዛብ ሓባራዊ መዋጽኦ ምርኣይ እዩ እቲ ዝሕሸ ቕኑዕ መፍትሒ ኣገባብ ዝኸውን ንብል።እዚ መፍትሒ እዚ ‘ውን እንተኾነ ጽገናዊ ግዝያዊ ናይ እንካን ሃባን (ኮምፕሮማይዝ) መሰጋገሪ ፍታሕ ዝኸውን ደኣምበር ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቕስናዮ ሕመረት ሱር ናይ’ቲ ሽግር ዝፈትሕ ገይሩ ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ ኣይርእን።

ከምዚ ስለ ዝኾነ ኸኣ’ዩ ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ እዚ ባይቶ ቆይሙሉ ዘሎ ቅርጻ ኣወዳድባ እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ክጋብእ ናብ ምስንዳእ ዝኸይድ ዘሎ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ነቲ ድሮ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባን ኣወዳድባን ፍልልያት ብልዝብ ኣጻቢቡን ለዊጡን እዚን ካልኦትን ምትዕርራይ ዘድልይዎ ሱር ነቀል ብዝኾነ መንገዲ ቅርጻ ኣወዳድብኡ ነዚ ዘለናዮ መድረኽ ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ብዘገልግልን ብዘየሻሙን መንገዲን ምትዕርራይ እንተዘይተገይርሉ ባይቶ ስሉጥ (effective) ቅልጡፍን ኣድማዕን ናይ ቃልሲ መሳርሒ (መካኒዝም) ግንባር ክኸውን ኣይክእልን እዩ ኢሉ ይኣምን።

ውጽዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ ኣብዚ ኣኼብኡ’ዚ ንህልዊ ውድባዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝርኣየሉ ኣብ ዝተፋላለየ ዓውደ መዳያት ዝተኻየዱ ስርሓት ብዕምቆት ገምጊሙ። ሓያልን ድኹምን ጎኒ ኣለልዩ ኣብ ድኹም ጎንታት ዝያዳ ትኹረት ብምሃብ ክማዓራረዩ ዘለዎም ኣመዓራርዩን ኣሕዲሱን ናብ ዝሐሸ ደረጃ ክሳጋገሩ ዝኽእሉ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ። ንምዕዋት ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ደግሓኤ እውን ኩሉ ዘድሊ ናይ ምስንዳእ መደባት ንምፍጻም ከዋድድን ምስ ጭቡጥ ንነብረሉ ዘለና ኩነታት ተጣዓዒሙ ክካየድን ወሲኑ።ኣባልና ንናይ ውድብናን ንናይ ክልቲኡ ግንባራትናን ዕማማት ደሞክራስያዊ ተጋድሎና  ኣብ ምዕዋት ከይሰልከየ ብተወፋይነት ዘካየዶም ንጥፈታት ኣሞጒሱ።

ብፍላይ ውድብና ኣብዚ ዓመትዚ’ውን እንተኾነ ንካልኣይ ግዜ ብዓወት ንዘሳላሰሎ ፖለቲካዊ ትምህርትን/ኮርስ/፡ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ኣብ ቅድመ ግንባር ዝቃለሱ ንዘለው ናይ ፕሮፖጋንዳን ምልዕዓልን ዕጡቓት ኣሃዱታትናን ዘድሊ ናይ ገንዘብን ማተርያልዊ ቀረባትን ክማላኣሎም ዘካየድዎ ጎስጓሳትን ዘወፈይዎ ቁጠባዊ ደገፋትን ማ/መ/ ልዑል ሞጐሱ ገሊጹ። ከይሰልከዩ ብቐጻሊ ከሕይልዎ እውን ኣዘኻኽሩ። ከምኡ’ውን ብተበግሶ ውፍያት ኣባላትናን ደገፍቲ ግብረ-ሰናይ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ብዝለገስዎ ረድኤት ኣብ ናይ ግብረ-ሰናይ ስርሓት እናነጠፉ ኣብ ዝተፋላለየ መደበራት ስደተኛታት ንዝርከብ ጽጉም ህዝብና ክልግስዎ ዝጸንሑን ዘለውን ሓገዛት ሕጂ’ውን ዝቕጽልዎ ዘለው ልዑል ሞጐሱ ገሊጹ። ማእከላይ መሪሕነት ነዚ ሰናይ ተበግሶ እዚ ኣዕዚዞም ክቕጽል’ውን ኣተባቢዑ።

ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንደሞክራስያዊ ተጋድሎና ንምዕዋት ኣብ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ክገብርዎ ዝጸንሑን ዘለዉን ደገፋት ከምኡ’ውን ንስደተኛ ህዝብና ብቐጻሊ እናተቐበሉ ዝገብርዎ ምትእንጋድን ሓገዝን፤መንእሰያትና ኣብ ሃገሮም ዝተሓረሞም ትምህርቲ ተስፋ ከይቆርጹ  እናኣተባብዑ ክሳብ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ዩንቨርስቲ በብዓመቱ እናተቐበሉ ክገብርዎ ዝጸንሑን ዘለዉን ሓገዝ ሕጂ’ውን ኣብዚ ዓመት’ዚ ከየቛረጹ ክቕበልዎም ዝገብርዎ ዘለው ምስንዳእን ምትሕግጋዝን ማእከላይ መሪሕነት ልዑል ምስጋንኡ ኣቕሪቡ።

ኣብ መደምደታ ማእከላይ መሪሕነት ካብ መንጎኡ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ፈጻሚ ኣካል ብምምራጽ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ተጋደሎ ህዝብና!

ውድቀት ንጸረ ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ!

ዓወት ንሓርነታዊ ቓልስና!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዋኣትና!

ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ

14 ነሓሰ 2013