መግለጺ ሽማግለ ጨንፈር ዓባይ ብር&#48
نشر من قبل omaal في 08:54 صباحا - 06 10 1434 هـ (12 08 2013 م)

 መግለጺ ሽማግለ ጨንፈር ዓባይ ብርጣንያ

 ኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ  

 


تفاصيل الخبر

 መግለጺ ሽማግለ ጨንፈር ዓባይ ብርጣንያ ኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ  

ንሕና ሽማግለ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ  ለውጢ ብዕለት 4 ነሓሰ 2013 ስሩዕ ኣኼባና ኣካይድና፤ ሓደ ካብቲ ኣገደስቲ ኣጅንዳታትና ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣቦወንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት (ኤሃባዲ) ድ/ር ዩሱፍ ብርሃኑ ዝተወሰደ ስጉምቲ  እዩ ነይሩ።

ኩልና ከም ንፈልጦ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅኒያት ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብምክያድ ካብ ዝሓለፉ እዋናት ክሳብ እዚ ዝተጠቕሰ 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ዘሎ ጊዜ ተወጢኖም ዝነበሩ ዕማማትን ተፈጻምነቶምን ብዕምቆት ድሕሪ ምግምጋም ንኹሉ ኣወንታዊ ሸነኻትን ሕጸረታትን ብውድዕነት ብምምዛን ናይ ዝመጽእ ሓጺር እዋን ማለት ክሳብ ጉባኤ ኣብ ዘሎ ናይ ጊዜ መቓን ክዕመሙ ዘለዎም ስርሓት ብምንጻርን ንጉባኤ እተሰናድእ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብምምዛዝ ኣኼባኡ ከም ዝዛዘመ ብመገዲ ደምዳሚ ኣዋጅ ተግሊጹ። ይኹን’ምበር ምስ’ዚ ተኣሳሲሩ ኣብቲ መወዳእታ ሕጡበ ጽሕፍ ናይቲ ደምዳሚ ኣዋጅ ንመላእ ደላይ ፍትሒ ዘሰንበደ ላቔባ ኣብ ኣጀንዳ’ውን ዘይነበረ እዚ ዝስዕብ ቃል ብቓሉ ካብቲ ጽሑፍ ደምዳሚ ኣዋጅ ዝተወስደ  ሓባራዊ ኣኼባ መሪሕነት ባይቶን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ወድዓውን በዓል ቤታውን ሕጽረታትን፡ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝጅምር ኣትሕዙ ዝጸንሔ ናይ ኣረኣእያ ጽልግልጋትን ኣነጺሩ ድሕሪ ምግምጋም ከመይ ክስገር ከምዝከኣል ዘትዩ። ሓይልን ብቕዓትን ኣኻኺብካ ንቕድሚት ክድፋእ መታን ክከኣልን ምስ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብምትሕብባር ዕዉት ካላኣይ ጉባኤ መታን ክእቶን መሪሕነት ባይቶ ን ኣመራርሓ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝምልከት ምምዕርራይ ጌሩ። በዚ መሰረት ድማ ምክትል ኣቦ መንበር ቦታ ኣቦ መንበር ክትክእን ኣብ ዝኾነ ጸገማት ብቐረባ እተማኽርን ሽማግለ መዚዙ።’’

 ዝብል ክንዕዘብ ክኢልና። እዚ ብስም ናይ መሪሕነት ምቅይያር ዝተጎልበበ ዝተወሃሃደ ዕልዋ ኣብ ልዕሊ ኣቦ መምበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዶ/ር ዩሱፍ ብርሃኑ ብስም ስክሪታሪያት ባይቶ ዝፍለጡ ባእታታት ዝግበር ዘሎ ኮይኑ ኣብ ክንድኡ ክኣ ብምክትሉ ዝነበረ ዮሃንስ ኣስመላሽ ክትካእ ክብሃል ንሰምዕ ኣለና። ዝገርም’ዩ! ንምዃኑ እዚ ተገይሩ ትብልዎ ዘለኹም ናይ ስልጣን ምቅይያር መን ብዝሃበኩም መዝነትን ስልጣንን ኢዩ ኸ? ድሓር ክኣ ኣብ ድሮ ጉባኤ ማለት ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ጊዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ምፍጻም ኮነ ኢልካ ነታ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እታ እንኮን ንእሽቶን ተሪፋቶ ዘላ ናይ ተስፋ ጩራ  ዶኾን ሎምስ በዚ ባይቶ ኣቢልካ ገለ ቁምነገር ግዲ ይግበር ይኸውን ዝብል ሃረርታን ሃንቀውታን ክትቆጺ ምፍታን ኪኒየው ዘይሓላፍነታዊ ምዃን ርኡይ ዕልዋ’ውን ኢዩ። ስለዚ እምባኣር ንሕና ሽማግለ ጨንፈር ዓባይ ብርጣንያ  ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እዚ ተገይሩ ዘሎ ኣገባብ ዝሰሓተ ስለዝኾነ ኣጥቢቕና እንዳኾነንና ነቶም ነዚ ስጉምቲ ዝወሰድኩም ሰባት ኣገባብ ስሒትኩም ከምዘለኹም ተረዲእኩም ነቲ ጉጉይ ውሳኔኹም ክትስሕቡ በዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ ከምዚ ሓሲብኩሞ ዘለኹምን ከተትግብርዎ ዝሃቀንኩምን ድሌት እንተለኩም ክኣ ብኣገባብ ኣብ ዝግብኦ ጊዜን ቦታ ከተልዕልዎ ይግብኣኩም ንብል።

ብዘጽደቕናዮ ሕጊ ምእዙዛት ንኹን!

ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት’ዩ!

ዕለት 06/08/2013

ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ  

ጨንፈር ዓባይ ብርጣንያ።