ሁጹጽ መጸዋዕታ ንሰበ-ስልጣን ሱዳ&#475
نشر من قبل omaal في 05:36 صباحا - 20 03 1434 هـ (31 01 2013 م)

ሁጹጽ መጸዋዕታ ንሰበ-ስልጣን ሱዳንን ሕብረተ-ሰብ ዓለምን

 


تفاصيل الخبر

 ER Democratic Allaince 012 A.jpg

ሁጹጽ መጸዋዕታ ንሰበ-ስልጣን ሱዳንን ሕብረተ-ሰብ ዓለምን

ብዕለት 22 ጥሪ 2013 ገለ ኣባላት ደቂ ረሻይዳ ካብ መደበር ሰደተኛታት ሸገራብ ንገለ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ክጨውይዎም እንከለው ኣብ መንጎ እቶም ጨወይቲ ረሻይዳን ኤርትራውያን ሰደተኛታትን ብዝተፈጥረ ግጭት ሓደ ኤርትራዊ ከም ዝሞተን ካልኦት ከምዝቆስሉን ካብኡ ዝመጸና ሓበሬታ የረጋግጽ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካብዚ ሓበሬታ’ዚ ብምብጋስ ከኣ ነዚ ዝስዕብ ሓቅታት ከብርህ ይፍቱ፡-

·       ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ብቀጻሊ ናብ ሱዳን ከስዕብ ዝኸውን ዘሎ ብስንኪ’ቲ ኣዕናዊ ፖሊስታትን ተግባራትን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዘስዓቦ ዝኸፍአ ፖሎቲካዊ ውጽዓታትን ቁጠባዊ ቅልውላውን ምዃኑ፡፡

·       ኤርትራውያን ሰደተኛታት ብሓፈሻ፡ ናይቲ ዝተሰደድሉ ሃገራት ኣህዛብ ባህልታትን ኣሰራርሓታትን ዘኽብሩን ንዝግበረሎም ኩሉ መዳያዊ ምትእንጋድ ዘመስግኑን ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ናብ ሱዳን ክስደዱ ዝገበሮም ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ውሕስነት ሰላምን ጸጥታን ንምርካብ ምዃኑ።

·       ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብማፍያታት ነጋዶ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ብሓፈሻ፡  ኣብ መደበራት ምብራቕ ሱዳን ከኣ ብፍላይ፡ ዝፍጸም ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታት ንምምካትን ንምእጋድን ጸጥተኦም ንምውሓስን ብርክት ዝበሉ ጻዕርታት ከካይድ ጸኒሑ። ካብኣቶም ንምጥቃስ ዝኣክል ከኣ፡-

1.     በዚ መስረት ንሰደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላልየ እዋናት ብሓይሊ ናብ በላዕ ሰብ ዝኾነ ሰርዓት ህግደፍ ናይ ምርካቦም ሓደጋታት ንምክልኻል ምስ ዝተፈላለዮ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናትን ዝምልከቶም ዞባዊ ሓለፍትን ብኣካል ብምርኻብን መዘክራት ብምጽሓፍን ዝተግብሩ ጻዕርታት፡ እቲ ሽግር መሊኡ’ኳ እንተዘይተወገደ ዝተውሰኑ ምትሕብባራትን ምፍዃሳትን ዝተገብሩ ምንባሮም።

2.    እቲ ዝተጠናነገ ዶብ-ሰገር ዝኾነ ኔትዎርክ ነጋዶ ሰብ ክሳብ ኣካላት ሰርዓት ህግደፍ ዝተሓወስዎ ሓደጋኡ ንምምካት ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ክዘራረበሉ ዝጸንሐን ዘሎን ኮይኑ፡ ዋላ’ኳ መሊኡ ፍታሕ እንተዘይረኸበ እቲ ጻዕርታት ቀጻሊ ምህላዉ። ብዛዕባ ኣከናውና ኔትዎርክ ነጋዶ ሰብን ከመይነት ምምካቱን ዕሙቅ ዝበለ መጽናዕቲ ኣካይዱን ምስ ዝተፈላለዮ ዞባዊ ኣካላት ዘላቒ ፍታሕ ክርከበሉን ዝጽዕረሉ ዘሎ ምዃኑ።

3.    ኤ.ዲ.ኪ ብኣባላት ውድባቱ ገይሩ ንዓበይቲ መራሕቲ ደቂ ረሻይዳ ብምዝርራብ ጠንቅን ሳዕቤንን ኔትዎርክ ነጋዶ ሰብ ብምግንዛብ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ተዋፊሮም ዘለው ደቆም ኢዶም ከልዕሉን ኣብ ምክልኻሉ ክተሓባበሩን ከተሓሳስብ ጽኒሑ’ዩ።

4.    ሕጂ’ውን ነዚ ኣብ መደበር ሸገራብ ተኸሲቱ ዘሎ ተርእዮ’ዚ ንምጽራይን ካልኣይ ጊዜ ከይድገምን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ጻዕርታት የካይድ ኣሎ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓቅታት መሰረት ብምግባር፡ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ካብ ሃገሮም ክስደዱ ንዝተገደዱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተገዲዶም ምስ ዝምለሱ ዝጽበዮም ዕጫ ሞትን ማእሰርትን ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ስደተኛታት ካብ ድሌቶም ወጻኢ ንኤርትራ ከይምለሱን ኣብ ውሑስን ምቹእን ቦታ ክሰፍሩን ሰብኣዊ መሰሎም ክኽበረሎም ኩሉ ኣድላዪ ምትሕግጋዝ ክግበረሎምን ካብ ነጋዶ ሰብ ማፍያታት ህይወቶም ንምድሓን በስላም ንምዕቓብን ግቡእ ጻዕርታት ከካይዱ ነማሕጽን።

ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ማሕበራትን ትካላትን ብፍላይ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ኮምሽን ስደተኛታትን ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ኣብ ፈቆዶ ሃገራት ንዝርክቡ  ሰደተኛታት ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ኣብ መደበር ሸገራብ ምብራቕ ሱዳን ንዝርከቡ ከኣ ብፍላይ ሰብኣዊ መሰላቶም ክሕለወሎምን ጸጥታዊ ውሕስነት ኣብ ምርካብን ሓላፍነታዊ ተርኦም ክጻወቱ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ለበዋና ነቕርብ።

ኤርትራዊ ዲሞከራስያዊ ኬዳን

30 ጥሪ 2013