ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ኤርትራ ተኸሲ&#472
نشر من قبل omaal في 05:21 صباحا - 20 03 1434 هـ (31 01 2013 م)

ጋዜጣዊ መግለጺ

ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት

 


تفاصيل الخبر

ER Democratic Allaince 012 A.jpg

ጋዜጣዊ መግለጺ

ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ካብ መጀመሪያ ናጽነት ኣትሒዙ ስልጣን ብዘይዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ሒዙ ፍጹም ምልካዊ ኣገዛዝኣ ተኺሉ ህዝብን ሃገርን ዘብርስ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ብሰንክቲ ብውሽጥን ብደገን ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣዕናዊ ፖሊሲታቱን ተግባራቱን ናብ ውድቀቱ ተሳጢሑ ይርከብ። በዚ መሰረት ኤ.ዲ.ኪ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ዝተኽስተ ናይ ሰራዊት ምንቕስቓስን ዝሰዓበ ተኣፋፊ ኩነታትን ክከታተሎ ብምጽንሑ ከም ናይ ለውጢ ሓይሊ መጠን ነዚ ዝስዕብ የረጋግጽ፡-

·       እዚ ዝተኽስተ ናይ ሰራዊት ምንቕስቓስ’ዚ ኣብ መጻኢ ብዛዕብኡ ኪጋሃዱ ዝኽእሉ ዝተሓላለኸ ኩነታት ዝሓቆፈ ኮይኑ እቲ ምንቕስቓስ ብዝተፈላልዩ ምኽንያታት እቶም ወደብቱ በቲ ዘዋደድዎ ኣገባብ ሽቶኡ ክወቅዕ ኣይክኣለን። ኮይኑ ግን እዚ ፈተነ’ዚ ኣይትዓወት ደኣ እምበር ስርዓት ህግደፍ ከምዘይብዳህ ሓይሊ ገይሩ ወግሐ ጸብሐ በቲ እንኮ ዜናዊ መሳርሒታቱን መጋበርያታቱን ቀንጻሊ ተግባራቱን ንገለ ኣካላት ከፈራርሐሉን ከደናግርሉን ዝጸንሐ ብጽንዓት ቆሪጽካ እንተተላዒልካ ክምከት ከምዝኽእልን ዝቦኽበኸ ጸረ ህዝቢ ስርዓት ምዃኑን ንጹር መልእኽቲ ዘመሓላለፈ’ዩ። እዚ ከኣ ሓደ መርኣያ ናይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንሓደጋ ብርስትን ምብትታንን ዝተሳጠሐሉ ተርእዮ ጥርዚ ዝብጽሓሉ ምዃኑ’ውን ዘመላኽት’ዩ። እዚ ብሓደ ሽነኽ ኮይኑ፡ ብካልእ ሽነኽ ከኣ፡ ኣብ ዝሓለፉ ግዝያት ኩሎም ብሰላማዊ መንገዲ ክፍጽሙ ዝትፈተኑ ፈተነታት ከምዘይተዓወቱ ሰለዚ ከኣ ብዓመጽ ፍታሕ ክርክብ ዝፈተነ ናይ ወጽዕኡ ምረት ጽዑቕ መግለጺ ተርእዮ ምዃኑ’ውን ዘርኣየ’ዩ።

·       ኤ.ዲ.ኪ ንስርዓት ህግደፍ ብዝኾነ መንገዲ ንምቅጻል ዝግበር ፈተነታት ብምንጻግ እቲ ፍታሕ ካብ ስሩ ንምምሓው ኩሉ ኣገባብ ቃልሲ ብምጥቃም ከካይዶም ዝጸንሑ ዘለውን ተጋድሎታቱ ቀጸልቲ ምዃኖም የረጋግጽ። በዚ ኣቢሉ ኩሎም ሓይልታት ብደገን ብውሽጥን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዝሳትፍዎ ናብ ብህዝቢ ዝተምርጸ መንግስቲ ዘሰጋግር ግዝያዊ መሰጋግሪ ሰልጣን ( መንግስቲ) ክህሉ እምነቱ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ የረጋግጽ።

·       ኤ.ዲ.ኪ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምቅልጣፍ ኩሎም ውጹዓት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ማእከሎም ዕለማታት ሰላምን ደሞክራስን ህዝቢ ኤርትራ ብምግባር ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቦም ክስለፉን መሰረታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርገጋጽ ምስ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብምዃን ካብኦም ዝጥለብ ሃገራዊ ተራኦም ክጻወቱን  ይጽውዕ።

·       እቲ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ክገጥሙን ክብድሁን ይጽውዕ። ከም’ውን ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ገድላዊ ተራኡን ሃገራዊ ሓድነቱን ብምዕዛዝ ተኽታተልቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ክገብር ይጽውዕ።

·       ኤ.ዲ.ኪ. ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ሓይልታት ኤርትራ ካልኣዊ ፍልልያቶም ካልኣዊ ቦታ ብምትሓዝ ሓድነቶም ብምዕዛዝ ንህልዊ ሃገራዊ ብድሆታት ብሓባር ክገጥሙ ይጽውዕ።

·       ኤ.ዲ.ኪ ንጎረባብቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል ንዘካይዶ ዘሎ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ክሕግዙ ይጽውዕ።

·       ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ንዝርከቡ ተቃለስቲ መሰረታቱ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍን ንምርግጋጽን ገድላዊ ተራኦም ብምዕዛዝ ክረባረቡ ይጽውዕ፡፡

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ውድቀትን ስዕረትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!

 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

30 ጥሪ 2013