ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ካልኣይ ጉባኤ
መናእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ስዊዘርላንድ ይሳተፍ ኣሎ።
ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ካልኣይ ጉባኤ
መናእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ስዊዘርላንድ ይሳተፍ ኣሎ።
ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ተ. ሑሴን ከሊፋ ረቡዕ ምሸት ዕለት 02 ጥሪ 2013 ኣብ ካልኣይ ጉባኤ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ስዊዘርላንድ ንምስታፍ ከም ተበገሱ ትማሊ ዕለት 03 ጥሪ 2013 ከተማ ዙሪክ ስዊዘርላንድ ክኣቱ እንከሎ ኣቶ ዑስማን ዓሊ ሓላፊ ክፍሊ ዜናን ኣቶ ኢብራሂም መሓመድ ሓላፊ ፊናንስ እቲ ምንቅስቓስን ከም ዝተቐበልዎ ተፈሊጡ።
እዚ ዑደት ድማ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ እቲ ጉባኤ ከም ኣቦ መንበር ፈጻሚት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ንተ. ሑሴን ከሊፋ ብዝተገብረሉ ዕድመ መሰረት ኣብ መኽፈቲ እቲ ጽምብል ተረኺቡ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ንከመሓላልፍ ምዃኑ ተሓቢሩ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ክንሕብረኩም ምዃንና ብኣኽብሮት ክንገልጽ ንፈቱ።
ክፍሊ ዜና
ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን
04/05/2013