ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕ&#49
نشر من قبل omaal في 05:57 صباحا - 20 02 1434 هـ (02 01 2013 م)

ደምዳሚ መግለጺ

ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

 ኤርትራዊ ሃገርዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

 


تفاصيل الخبر

ER NAT COUCELL EX OFFICE.jpg

ደምዳሚ መግለጺ

ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

 ኤርትራዊ ሃገርዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገርዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ድሕሪ ካላኣይ ሙዱብ ሃገራዊ ባይቶ ቀዳማይ ኣኼባኡ ካብ ዕለት 22 ታሕሳስ ክሳብ ዕለት 27 ታሕሳስ ኣሰላሲሉ።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብመሰረት መምርሒ ናይ መሪሕነት ባይቶ እቲ ዝጸንሔ ፈጻሚ ቤት ከምቲ ዘለዎ ክቕጽልን እቲ ብምቅይያራት ናይ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ተፈጢሩ ዘሎ ሃጓፋት ክምላእን ኮይኑ ኣሎ።  

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ  ምዱብ ኣኼባ ኤሃባደለ ዝጸደቐ መድረኻዊ መደብ ዕዮ መሰረት ብምግባር ብነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ክዕመም ዘለዎ ዓመታዊ ናይ ስራሕ መደብ ሓንጺጹ።

ኣብዚ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝወሰደ ኣኼባ ዝተዘርበሎም ዛዕባታት እዞም ዝስዕቡ እዮም

-         መደብ ዕዮ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

-         ሃጓፋት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ምምላእ

-         ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ክግበር ናይ ዘለዎ ወተሃደራዊ ሰሚናር

-         መበገሲ ሓሳብ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ንካላኣይ ጉባኤ ሃባደለ

-         ሓፈሻዊ ጉዳያት

-         ደምዳሚ መግለጺ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን እዮም

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤሃባደለ ነቲ ህዝብን ሃገርን ካብ ብርሰትን ምብትታንን ምድሓን ዝብል መሪሕ ጭረሖኡ ተሓንጊጡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተራእየ ሕጽረታት ወጊዱ ብሓድሽ መንፈስ ክብገስ ናይ ኩሉ ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ድሌት ምኻኑ ብምርግጋጽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ክረኤ ዝኽእል ሕጽረታት እናተመላለኤ ድሌት ኣባላቱን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ከማልእ ተበጊሱ ኣሎ።

ብመሰረት ውሳኔ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብቕልጡፍ ኣብ ዳግመ ስርርዕ ዞባታትን ጨንፈራትን ኣትዩ ውዑይ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ከረጋግጽ ስለ ዝህልዎ ኩሎም ናይ ዞባን ናይ ጨንፈርን ሽማግለታትን ኩሎም ደለይቲ ዓወት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጥን ሕጂውን ከም ወትሩ ደገፎም ክህቡ የተባብዕ።

ብርግጽ ሒዝናዮ ዘለና ቃልሲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ክዕወት ስለዘይክእል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣተኩሮኡ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣብ ምልዕዓልን ውደባን ክልቲኡ ክፍልታት ሕብረተሰብና ጌሩ ተበጊሱ ኣሎ።

መንእሰያት ስደት መፍትሒ ሽግራትና ከምዘይኮነ ተረዲኦም ነቲ ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ተራእዩ ዘይፈልጥ ስቓይ ክሪኡ ዝዳረጎም ስርዓት ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣልዮም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ብሰላም መታን ክነብሩ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ተጸንቢሮም ዘይተርፍ ዓወትና ከቃላጥፉ ንጽውዕ።

ብዝተረፈ ነቲ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ኣብ ስደተኛታት ምቕባልን ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ዝተነፍጎም ኣብ ኢትዮጵያ ነጻ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡ ምኽኣሎምን ብልቢ እናኣመስገንና፡ ነቲ ሕውነታዊ ዝምድና ናይ ክልቲኡ ህዝብታት መሰረት ዝገበረ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝገብርዎ ዘለዉ ምትሕብባር ናይ ወትሩ ምስጋናና ነቕርብ።

ዓወት ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!!

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤሃባደለ

27 ታሕሳስ 2012