ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና
نشر من قبل omaal في 07:13 صباحا - 19 02 1434 هـ (01 01 2013 م)

ማሕበር  ከቢረ ንረዲኤትን  ልምዓትን- ጨንፈር ብሪጣንያ

ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና

 


تفاصيل الخبر

KABIRA FOUNDATION.jpg

مؤسسة كبيري للإغاثة والتنمية فرع المملكة المتحدة

ማሕበር ከቢረ ንረዲኤትን ልምዓትን-ጨንፈር ብሪጣንያ

KEBIRE FOUNDATION FOR RELIEF &

 DEVELOPMENT- UK

Charity No. 1121044

ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና

ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት፡ ማሕበር ግበረ-ሰናይ ከቢረ ንረዲኤትን ልምዓትን ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዓመተ-ሰናይን፡ ራህዋን ይግበረልኩም ይብል።

ዓመተ-ምህረት 2012፡ መቐጸልታ ናይ ስቅያትን ምረትን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡  ብፍላይ ድማ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ካብዚ ገባቲ ስርዓት ንምህዳም ንጃምላዊ ስደትን ኣደዳ ምድረ-በዳ ሲናይን ኮይኑ፡ ኣካላቱ ብህይወቱ እንዳ ሰምዔ እንዳ ራኣየ ብበድዊን ተዘሚቱ ኣብ ዕደጋ ዝሽየጠሉ ዘሎን፡ ደቂ ኣንስትዮና ገና ንዓመጽን ካልእ ስቅያትን ዝቃላዓሉ ዘለዋ ዓመት እያ ነይራ፡፡

ጠንቂ ናይዚ ኹሉ ስቅያት ዝኾነ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስሩ ተቦንቂሩ፡ 2013  ኩሉ ዓይነት ስቅያት ህዝብና ኣብቂዑ፡ መንእሰያትና ኣብ ክንዲ ናብ ስደት ኣብ ህንጻ ሃገር ዝዋፈርሉ፡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያ ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታትና ናብታ ዝፈትውዋ ሃገሮም ዝምለስሉ ዓመተ ራህዋን ሰላምን ክኸውን ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።

ማሕበር ግብረ-ሰናይ ከቢረ

ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ

kebireuk@gmail.com