ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጽ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 07:02 صباحا - 14 12 1433 هـ (29 10 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጽ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 71 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርምመን

እወ ንሕና ደቂ ዓዋተ


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጽ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 71 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርምመን

Oval Callout: እወ ንሕና ደቂ ዓዋተ

 

 

Awate.gif

ከምቲ ናይ 61 መስከረም

ታሪኽ ዓዋተ ክንደግም

ተገዲድና ድሕሪ ነጻነት

ናይ ሓርነት ብረት ክንሽከም// 

እቲ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ

ኣይነበረን ኣብ ኢዲ ጭፍራ ክንኣቲ

ኤረትራ ዳግማይ ብረት ክትሽከሚ

ዳግማይ ክተንብዒ ክትሓሚ

እንታይ እዩ በዲሉ እዚ ህዝቢ

ተኾሊፉ እቲ ናቱ ሕልሚ

እቲ ዝተኸፈለ መስዋእቲ

ሃገረይ ኣይነበረን ዶ ኣኻሊ//

እወ ብሰንኪ ቶም

ሰብ ክልብም ዘይልብሙ

ሰብ ክቃወም ዘይይቃወሙ

ኣብ ዘበን ውበ ዝጸመሙ

ደለይቲ ፍትሕ ንሓርነት

ናይ ግድን ኮይኑ ብረት ክሽከሙ//

እወ

ገዛ ስመር ኣላዝቢ ኣዋስኢ

ጸላእቲኺ ክቕረጹ ብቅንኢ

ብለይቲ ዝንቅዉ ከም ዝብኢ

ልሳን ህዝቢ ኢኺ ዋላ ንመጻኢ//

ኣይ ብሕጊ በረኻ ኣይ ብሕጊ ዓዲ

ብጭፍራ ንግዛእ ኣሎና ብግዲ

ኤረትራ መድሕን እባ ውለዲ

ደቅኺ ተበጊሶም ሓብሪ መገዲ//

እንቢ ንመላኺ ንብሎ ደቂ ዓዋተ

ንኣብ ዘይ ኩርሱ ዝበለ ኩድጭ

ከም ጩግራፍ ወቒዑ ዝውጭጭ

ንዓመታት ከይበሎ ቅጭጭ// 

ከምስል ብልእላውነት የማሳምስ

ሓቂ ከምስል ንብዓት ሓርገጽ የፍስስ

ዓመታት ኮይኑ ደም ኑጹሃት ክፍስስ

ኣብ ሞንጎ ደቀባት እንዳ ለኣኸ ሃሱስ//

ንናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም

ደቂ ዓዋተ ይግባእ ክተለልይዎም

ኣስላም ክስታን ብሓባር ምክትዎም

ውረዱ ስልጣን ናይ ህዝቢዩ በልዎም//

ኣየናይ ሩባ ኣሎ ጎቦ

ደም ኤረትራዊያን ዘይነጠቦ

ብደምና ዘራጋገስናዮ ነጻነት

ስልጣን ንኢሰያስ መን ኣረከቦ

ንሸጣን ጨርሒ ዓዲሮቦ

መጽነቲ ዓደቦ

ውረድ  ደቂ ኤረይ

ከየጽደፉኻ በቲ ጎቦ//

ወዲ ኣከለ ወዲ እንባ ሶራ

ወዲ ዓፋር ንኤረትራ

ወዲ ቀይሕ ባሕራ

ወዲ ሓማ ወደ ኣስመራ

ንወዲ ሰራየ ወዲ ጽልማ ብሓበራ

ደቂ ኤረይ ነፍርሶ ዕርዲ ጭፍራ//

ወዲ ማይ ኣድከሞም ሰምሃር

ወዲ ሰንሒት ኣልዕሎ እቲ ምሳር

ወዲ ሳሕል ዕጠቕ ብተግባር

ወዲ ባርካ ወዲ ጋሽ ብሓባር

ንመሰልካ የድሊሎ ምስማር//

ንዓዘ ንበሎ እንካ እንጀራ

ስጋ ሰብ ዝለመደ ከም ኣሞራ

እተን ጨንገር የእጋሩ ክስበራ

ሓራ ክንከውን ካብ ናትካ ምሕደራ//

ንኤረትራ ዋሕሳ ህዝባ

ሃየንታ ዩ ትም ኢልና ክንዕዘባ

ነንዝመጹ ኣሕሊፋና ክንህባ

ሃየባ ንጋላግሎ ካብ ጸበባ//

ሃገረይ ሓዲኡ ግበሪ

መገዲ ናይ ሓርነት ሓብሪ

ብቀትሩ ጸልሚቱና ምድሪ

ሕጂ ግን ንህዝቢ ኣበስሪ

ደቅኻ ተበጊሶም ኢልኪ ንገሪ   

ከተግብሩ ናይ ሰማእታት ሕድሪ//

ኣብ ልዕሊ ውድባትና

ሓቢርና ንግበር ተጽዕኖ

ንዓደቦና ምድሕን ክንኮኖ

ብራሕ ክሰቲ ባዕሉ ዝሓቖኖ//

እወ ንሕና ደቂ ዓዋተ

ንምክት ንስርዓት ገበተ

ነቲ ዝበረቐ ጸሓይ ዘጽልመተ//

ኢዶም ዝሓወሲ ምሱኡ

ኣገልገልቲ ናቱ ጭፍሩኡ

ንህዝቢ ዝመንጨቱ ስጉኡ

ምስ ሃደመ ኽ ኣበይ ክሕቡኡ//

መርከብ ናይ በረኻ

ገመለይ ከም ቀደምኪ

ሰጉሚ ሎሚ ውን ከም ዓሚ

ሕልም ውጹዓት ክትርጉሚ//

ክንረክብ ቅሳነት

ክሳብ ማዓስ ሽቕለት

ብዘይ ውዕለት ባርነት

ክነስተማቕር ሓርነት//

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን