ዮሃና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳ&#475
نشر من قبل omaal في 04:18 مساء - 10 12 1433 هـ (25 10 2012 م)

ዮሃና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ብምኽነያት ርሑስ ባዓል ዒድ ኣልኣደሓ


تفاصيل الخبر

ER Democratic Allaince 012 A.jpg

 ዮሃና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ብምኽነያት ርሑስ ባዓል ዒድ ኣልኣደሓ

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ምስልምና ድማ ብፍላይ  እንቋዕ  ንባዓል ዒድ ኣልኣደሓ ኣብጽሓኩም ይብል። ባዓል ዒድ ኣልኣደሓ ንህዝቢ ኤርትራ ባዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ሰዓብቲ ኩሉ ሃይማኖታት ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ብምንጻግ፡ ሓድነት  ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስን ምጥንኻርን ክጽዕሩ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ምድጋፍ፡ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱ ይጽውዕ።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

25 ጥቅምቲ 2012