ርሑስ ዒድ ኣልኣድሓ
نشر من قبل omaal في 01:56 مساء - 10 12 1433 هـ (25 10 2012 م)

 ርሑስ ዒድ ኣልኣድሓ

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤደግ)


تفاصيل الخبر

ER Democratic Front Sep 012 00.jpg
 

 ርሑስ ዒድ ኣልኣድሓ

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤደግ) ንኩሎም ኣመንቲ ምስልምና ብፍላይ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ፡ ርሑስ ዒድ ኣልፈጥር ዝብል መልእኽቱ የመሓላልፍ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ዒድ ኣልኣድሓ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ሓይልታቱን ዒድ ሰላምን ሓልዮትን ሓድነትን ክኸውን ይምነየሎም።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ንኩሉ ኣድማሳዊ ሓርነታት፡ መንፈሳውን ባህላውን እምነታት ህዝቢ ኤርትራ ከም ሕሱም እናግሃሰ፡ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ መንእስያትን ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ዝነበሩን ብዘይዝኾነ ፈርዲ ብምእሳር፡ ክሳቐዩ ካብ ዝገብር ቀሊል ዓመታት ኣይቁጸረን። ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ ከኣ፡ ኩሎም መራሕቲ መንፈሳውን ባህላውን  እምነታት በዚ ክቡር ዕለት’ዚ እሱራት ሕልናን ፖሎቲካን ካብቲ ጸበባን ስቓይን ክወጹ ጸሎት ከብጽሑ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክፍትሑ ኣብ ልዕሊ’ቲ ስርዓት ተጽዕኖታት ከዕርፉ ይግባእ።

ከምኡ’ውን ነዚ ስርዓት’ዚ ብምውጋድ ንኩሉ መንፈሳውን ባህላውን እምነታት ህዝቢ ኤርትራ ተኸብር ደሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክድግፉ’ውን ንጽውዕ።

ደጊምና ርሑስ ዒድ ኣልፈጥር

ዓወት ንደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤደግ)

25 ጥቅምቲ 2012