ናብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ሰልፊ ና&#46
نشر من قبل omaal في 01:41 مساء - 10 12 1433 هـ (25 10 2012 م)

ናብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡

ብዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝቐረበ ውድባዊ ቃል!

 


تفاصيل الخبر

 DEMOCRATI FRON FOR ERITREAN UNITY.jpg

 ናብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡

ብዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝቐረበ ውድባዊ ቃል!

ዝኸበርኩም ጉባኤኛታትን ዕዱማት ኣጋይሽን!

ብመጀመርያ ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ክንሳተፍን ውድባዊ ቃልና ክንህብን ንዝተዋህበና ዕድል ዝስመዓና ሓጎስ እናገለጽና፣ ጉባኤኹም ስኒትን ምርድዳእን ብዝዓሰሎ ኩነታት ዝተበገሰሎም ዕማማት ኣሳሊጡ ብዓወት ክዛዘም ዘለና ሰናይ ትምኒት ንገልጸልኩም።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ጉባኤኛታት!

ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝጋባኣሉ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ክንመዝን ከለና፣ ኩነታት ህዝብታትና ብኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ከቢድ ፖለቲካዊ ጽቕጠት፡ ቁጠባዊ ምዝመዛን፡ ማሕበራዊ ጸገማትን፡ ምምሕዳራዊ ኣድልዎን እናበጽሖም ንከቢድ ስእነትን ድኽነትን ስደትን ተሳጢሖም፡ ኣብ ዘየቋርጽ ሓሳረ-መከራ ይርከቡ ኣለው። በቲ ካልእ ገጽ ድማ ብሓቲ ጉጅለ ህግደፍ ብኩሉእንትንኡ ካብ ህዝብታትና ተነጺሉ መንግስታዊ ዓቕሙ ተዳኺሙ ውሽጣዊ ሓድነቱ ተዘሪጉ፡ ዕድመ ዝመሽመሸ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክብል ህዝብታትናን ሃገርናን ናብ ዝኸፈአ ሓደጋ ውድቀትን ምብትታንን እናኣሳጠሐ ደንበርበር ኣብ ምባል ይርከብ ኣሎ። ስለዝኾነ ጉባኤኹም ኣብዚ ታሪኻዊ ወቕቲ ይካየድ ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነዚ ወድዓዊ ጸገም ናይ ህዝብናን ሃገርናን ንምፍታሕ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ክጻወት ‘ውን እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ። ስለዚ ጉባኤኹም ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዘረጋግጽ ሰላም፡ ፍትሕ፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ሃገር ዘውሕስ ስትራተጂታትን ፖሊሲታትን ሓንጺጹ ክወጽእ ዓቢ ሓላፍነት ዝንበረሉ እዩ።

ዝኸበርኩም ጉባኤኛታትን ዕዱማት ኣጋይሽን!

ደምበ ተቓውሞና ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ዝካየድ ዘሎ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝሓሸ ተወሃሂዱን ተደጋጊፉን ክቃለስ ዘብቅዕዎ ውዳቤታት ብምውናን ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፡ ንመንግስቲ ህግደፍ ዘርዕድን ዘዳኽምን ንሓፋሽ ህዝብታትና ድማ ንቓልሲ ዘበራብርን ተስፋ ዝህብን ምዃኑ ዝእመነሉ ጉዳይ እዩ። ይኹን ደኣ ‘ምበር ተቓወምቲ ሓይልታትና ብኸምቲ ዝድለ ውህደትን ስጥመትን ጨቢጡ ክቃለስ ይበቅዕ ስለዘየለ ቀሊል ዘይኮነ ድኽመታት ሓዚሉ ዘገምታዊ ጉዕዞ ይጓዓዝ ብምህላው፡ ኣብ ህዝባዊ ቃልስና ቀሊል ዘይኮነ ክሳራን ምጉታትን ዝፈጥር ዘሎ ፖለቲካዊ ድኽመት ናይ ተቓዋማይ ሓይልታትና እዩ። እዚ ድኽመታት እዚ ድማ ካብ ዓቕሚ ምስኣን ጥራሕ ዝብገስ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ሓባራውን ውልቃውን ዕላማታት ኣብ ምስልሳል ኣጠዓዒምካ ኣብ ምስራሕ ዘይብቕዓት ምህላው፣ ሓባራዊ ዕማማት ኣብ ምትግባር ዝረአ ተጉላባነት፣ ኣብ ሕድሕድ ተቓዋሚ ሓይሊ ክህነጽ ዝግበኦ ናይ ቃልሲ ዝምድናን ምትእምማንን ፖለቲካዊ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ክጥረን ክምዕብልን ብተግባር ክስርሓሉን ዘይምብቃዕ ወዘተ ምህላውን እዩ።

ስለዝኾነ ተቓዋሚ ሓይልታትና ካብዞም ዝተጠቕሱን ካልኦትን ድኽመታት ተገላጊሉ ሓይሉን ተወሃሂዱን ኣድማዒ ሓባራዊ ቃልሲ ከካይድ ንክበቅዕ ድማ፡ ኣብ ሓባራዊ እምነታትን መደባትን ብዘይተጉላባነት ብዕግበትን ስጥመትን ምስራሕ፣ ብሓባራዊ እምነት ንዝወሰናዮም ናይ ግንባራትና መምርሒታትን ሕግታትን ምእዙዝ ብምዃን ምስራሕ፣ ውልቀ ውድባዊ ዕማማትን ረብሓን ምስ ሓባራዊ ዕማማትን ረብሓን ኣሳኒኻ ምዕማም፡ ካብ ብትምክሕትን ጽበትን ዝግለጹ ድሑራት ኣተሓሳስባታት ንነብስና ሓራ ብምግባር፡ ሕድሕድ ምክብባርን ምድግጋፍን ብምዝውታር ህዝብታትና ኣብ ቃልሲ ኣዕሲልና ክንቃለስ ምስ እንበቅዕ ጥራሕ እዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጉባኤኛታት!

ኣብ ደምበ ተቓውሞና እዞም ልዕል ክብል ዝተጠቕሱ ሓያልን ድኹምን ጎንታትን መፍትሒኦምን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ብዝያዳ ስፍሓትን ሓያልነትን ደምበ ተቓውሞና ዝሕግዝ ናይ መንእሰያት ኤርትራ ናይ ቃልሲ ውደባን ንጥፈታትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበረኸ ይኸይድ ብምህላው፣ ህዝባዊ ቃልስና ኣብ ምዕዋት ናቱ ዕዙዝ ተራ ክጻወት ዓቢ ናይ ቃልሲ ተስፋ ዝንበረሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ተርእዮ እዩ። እዚ ተበጊሱ ዘሎ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ፡ ዝተነጸረ ጭቡጥ ህዝባዊ ዕላማ ብምውናን ዘቃልሶ ፖለቲካዊ ውድብ ጨቢጡ ብብቕዓት ተርኡ ክጻወት ክኽእል ድማ፡ ነፍስ ወከፍ ተቓዋሚ ሓይሊ ናይ ፍልጠትን ተመክሮን ኣወንታዊ ደገፍ ከበርክተሉ ይግባእ። መንእሰይ ‘ውን እንተኾነ ኣብ ርእሲ ፍልጠቱ ፍልጠት ክረክብን ተመክሮ ክቐስምን ምስ ተቓወምቲ ኣካላት ሓቢሩ ክቃለስ ዘኽእሎ ውደባን ቅሩብነትን ከርእን፣ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ግጉያት ኣረኣእያታትን ኣገንዝቦታትን ንክድሕን ክቃለስ ይህልዎ። ከምኡ ‘ውን ንሓይሉ ዝነጻጽሉን ተርኡ ዘዳኽሙን ካብ ግዳም ክመጽዎ ንዝኽእሉ ግጉያት ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ብንቕሓት እናተኸላኸለ ከም መንእሰይ ካብኡ ዝጥለብ ናይ ቃልሲ  እጃሙ ክጻወት ክረባረብ ይግበኦ።

ዝኸበርኩም ጉባኤኛታትን ዕዱማት ኣጋይሽን!

ኣብ መንጎ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራን ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ን ዝጸንሐ ዝምድና፡ ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማታት ዝተመስረተ ጽቡቕ ናይ ቃልሲ ምሕዝነትን ሕውነትን ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ንመጻኢ ክህልወና ዘለዎ ሓባራዊ ዝምድና ብዝምልከት ድማ ብወገን ውድብና እቲ ዝጸንሐ ጽቡቕ ዝምድና ብምዕቃብን ዝያዳ ክድልድል ብምግባርን ሓቢርና ክንቃለስ ድሌትን ቅሩብነትን ናይ ውድብና ምዃኑ ደጊምና ክንገልጸልኩም ንፈቱ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ጉባኤኛታት!

ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኹም ኣገደስቲ ስትራተጂታትን ፖሊሲታትን ሓንጺጹ ብዓወት ክጽንብል ዘለና ሰናይ ትምኒት ደጊምና እናገለጽና፣ ንመጻኢ ውድብና ምስ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝምድንኡ ብምድልዳል ደምበ ተቓውሞና ብሓፈሻ፡ ገና ተመስሪቶም ዘለው ግንባራትና ድማ ብፍላይ ተሳንዮምን ተደጋጊፎምን ክቃለሱ ንምብቃዕን ንጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ ንምውጋድን ኣብ ዝግበር ህዝባዊ ቃልሲ ብሓባር ዓቲቡ ክቃለስ ምዃኑ ክገልጸልኩም ይፈቱ።

ዓወት ንካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ!

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

                                                       18 ጥቅምቲ 2012