ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 07:07 صباحا - 09 12 1433 هـ (24 10 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 70 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡ እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 70 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡ እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ኤረትራ ደም ትነብዕ ኣልላ

ER Cry Land.jpg

ስመሩ ኣይተንውሕዋ እዛ ግዝየ

ደቂ ኤረይ ስመሩ ስመሩ

ሰሚርኩም እምኒ ኩርናዕ ኣንብሩ

ለበዋ ኣድታት ክተተግብሩ

ጭፍራ ዶብ ከሰገሩ

ሓንሳብ ንሓዋሩ

ትሕቲ መሬት ክሰፍሩ//

ለኪሙና ከይጠፍእ ዓንጽዓንጾ

ንኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ነቃብጾ

ንባርካ ምስ ወረደ ክተርፍ ብዝወጾ

ሹዑ ህላወ ኤረትራዊያን ክነራጋጊጾ//

AFAWARKEY BABY.jpg

ኣይዓቢ ኣይንእሽቶ

ክፍኣት ክኣልም ዝጸልመቶ

ንህዝቢ ኣጥምዩ ዝበልዕ ሕምቶ

ብሂወቱ ንሓዞ ኣለዎ ዝሕተቶ//

ስመሩ

ኣይተንውሕዋ እዛ ግዝየ

ወጊድ ንምፍንጫል

ህዝቢ ናዓኹም እንዳ ተጸበየ

ሊላይዩ ዘብከየ እንተ በኸየ

ዘድመየ እንተ ደመየ

ሩፍታ የለን ኢሰያስ ከይተኣለየ//

ለበዋ ኣደታት ንስምዓዮ ዝያዳ

ዋላዲትያ ዝኸፈለት ጓላ ወዳ

ትሽኣተ ወርሒ ተሸኪማ ኣብ ከብዳ

ንደቃ ተብልዕ ከይጸገበት ንኸብዳ

ኣየወ

ዓሊላ ዘፋነወት ክወርዱ ንሜዳ

ንነጻነት ኣወፍያ ጓላ ምስ ወዳ

ብኢሰታስ ጉሒላ ተጠሊማ

ኣይተፈደየትን ኢዳ//

ኣደ ሓላል ሓዚላ ዘዕበየት

ዘዝወለደቶም እንዳ ተመንጠለት

ዘረባ ፋይዳ የብሉን እንዳ በኸየት

ክወግሓላ እንዳ ተጸበየት//

ንስማዓዮ ናይ ኣደታት ለበዋ

ንኢሰያስ እለይዎ ይብላ ኣለዋ

እዛ ዓመት ከይተሕልፍዋ

ኣብ ውድቀቱ እዩ ሃገር ዝርህዋ//

ስመሩ ኣይተንውሕዋ እዛ ግዝየ

የለን ካብዚ ግዝየ ዝጠዓመ

ህዝቢ ጸጊምዎ እንዳ ሓመመ

እንዳ ታኣሰረ ዘዝተቃወመ

ዓገብ ክብል እንዳ ተዓደመ

እዝኒ ከለዎ እንዳሰምዔ ዝጸመመ

እቅረ ኣይባሃሎን ንብዓት ሓርገጽ

ከምስል ምስ ወግሔ እንተ ኣንጠብጠበ//

ንዕባይ ኣባሻውል ንምሓዎ

ንመንእሰይ ኤረትራ ክርህዎ

ያኣኽሎ ደሙን ረሃጹን ዝኸዓዎ

ለበዋ ኣደታት ስምዕዎ ስምዕዎ//

ምሃሮ ምሃሮ

ኣይፋል ዝበለ ሽግር ይምሃሮ

ለበዋ ኣደታት ንተግብሮ

ንዝደቀሰ ነባራብሮ

ዕምሪ ጭፍራ ሓቢርና ክነሕጽሮ//

ኣብ ዳህላክ ዒራዒሮ

ተኣሲራ ተኣሲሩ ዘሎ

ብሂወታ ብሂወቱ እንተሎ

ብዕንበባ ክንቅበላ ክንቅበሎ

ጭርሖና ለብዘበን ሓዲኡሎ

ኤረና ኩሑሎ  ኮይኑሎ//

ድራኩላ ኣብ ባጽዕ

ተሓቢኡ እኳ እንተሎ

ካብ ሱሩ ንንቀሎ

ዘጽነተና ያኣኽሎ

ኣሲርና ኣብ ባሎ ንስቀሎ//

ንተግብሮ ሕድሪ በዓል ኣደይ

ክምርቓ እንዳበላ ጽኑዕ ርገጹ

ሰሚርኩምለይ ኣሰይ ኣሰይ

ዓወትኩም የርኢየና እዞም ደቀይ

ቀሲነ ክነብር ከም ዓለመይ

ሹዑ

ናብ መስጊዱ ኣስላማይ

ናብ በተክርስትያኑ ክስታናይ

ንሱዩ ትምኒተን ኣደታት ኤረይ//

እዛ ዓመት ኣይተሕልፍዋ ስመሩለይ

ገዛ ስመር ለበዋይ ኣማሓላልፉለይ//

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃ ንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን