ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 02:57 مساء - 29 11 1433 هـ (14 10 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ 

   መበል  69 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርምርን


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ 

   መበል  69 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርምርን

ኣጆኩም ደቂ ኤረይ ዝዓበኹም ዝነኣስኩምን

ኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ነበርቲ ኣይኮኑን

ጥራይ ደለይቲ ፍትሒ ዋልታን ጭማራን ንኹን

  ሕነ ጀጋኑና ከይፈደና ጭራሽ ኣይንድቅስን//  

ኤረትራ ሃገርና እታ ን30 ዝተጸበናያ

ERITREANES 012.jpg

እታ ን30 ዓመት ዝተጸበናያ

***ምስ ረኸብናያ***

ኣደ ምስ ደቃ ዘሊላ ኣብ ጽርግያ

ግን ብጭፍራ ዘይኢዳ ተፈድያ//

ብተንጽሎ ኣይኮነን

ኡሱራት ኢና ኤረትራዊያን

ንዛተ ንህዝቢ ንምድሓን

ኣብ ሃገርና ክውላዕ ብርሃን//

 ኣብ ተዘክሮታት ዲና ክነብር

ገለ ግዳ ዝይንገብር

ምስ ወግሔ ዝሓለፈ ክንዝክር

ሹዑ ታሪኾም ክጻሓፍ ክነግር//

ዝስቆረኩም እንተ ኮይኑ

የማነ ነጊሩ ነሩ ንክትኣምኑ

ኣስተብህሉ ጽባሕ ክይትኩነኑ

ዓፍራ ክይትረግጹ ቀልጢፍኩም

ንኢሰያስ ምስ ጉጅሉኡ ኣይትእመኑ//

እሞ

ንድሕሪት ዶ ክመልሰኩም

ትዝክሩ ዶ

ብወዲ ሻውል ኣብ ቮሎኛ

ከስሕቖ ንህዝብና

ጁጅ ማጁጅ ተኣኻኺብና

ስጋቦይ.ለ ኣብዛ ኢድና

ጁጅ ማጁጅ ከም ዘለዉና

ብቅነ ኣተንቢሁ ነሩ ኮሎ ገና//

ብጠቕሚ ዝተሸጡ

 ሕጂ ውን ኣለዉና ገና

ሕድሪ ሰማእታትናና

ከይነተግብር ሓቢርና

ብምሕደራ ሸፋቱ ካብ ዓድና

ተባሪርና ኣብ ዓለም ተዘሪና

ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ኢልና

ንነብር ኣሎና

ስለዚ በለጽ ገዲፍና

ንበገስ ንድሕነት ህዝብና…

ብወዲ ሻውል

ዋዛ ዝመስል ግን ሓቂ

ገሊጽዎም ነሩ ንበዓል ጽይቂ

ናይ ጁጅ ማጁጅ ምትእክኻብ

ከም ዘለዎ ጠንቂ ብሓቂ ብሓቂ//

ስለ ዘይለበምና ቀልጢፍና

ደቂ ገርሂ ልባ ሕጂ ንፍደዮ ኣሎና…

እታ ን30 ዓመት ዝተጸበናያ

ክንደይ ሙሩጻት ዝሃብናያ

ጀጋኑ በሊዓስ ኣትማን ሒዛ ኣትያ

ኣብ ኢድ ጁጅ ማጁጅ ኣውዲቕናያ

ኣደታት ሰማእታትና እነዎ ይበኽያ

እንሆለይ ን21 ዓመት ዘይኢደን ይፍደያ//

ኣየወ

ኣዋልድና ሳኣን ኣያ

ይጻወቱ ናይ ኢሰያስ ዋርድያ

ዓቢ ንእሽቶ ይሽቅሉ ብዘይ ማሃያ

ኣደታት ጀጋኑ እንዳ በኸያ

ዘረባ ገዲፍና ንግበር ሞያ

ሚሒና ክንደርብዮ ንስርዓት ማፍያ …

ኣብ ሜዳ ኤረትራ

ናይ ሓርንርት ፈረስ ክጋልብ

ህዝብና ብሃብቲ ወደብና ክምገብ

ዘማታት የማነ ባርያ ክዝመር ክንበብ

እንባታትን ስንጭሮታትን ሃገርና

ብደም ጀጋኑ ሰማእታትና ክዕንብብ….

ደቂ ኤረይ ኣስላምና ክስታና

ጭፍራ ህግደፍ እንዳ ኣጽነቱና

ንጣማመት ኢድና ኣጣሚርና

ኢደይ ኢድካ ኢልና

 ዘይንኣልዮም ንሰብ ደምና

ብቅዋም ብሕጊ ክማሓዳደር ህዝብና፡

ሕጂ የድሊ.ሎ ስራሕ

መንእሰይ ተወዲብካ ምራሕ

ኣይትስማዓዮ ነቲ ዝብል ንጽናሕ

ሓሊፍካ ጽንሓዮም ንበዓል ጎራሕ

ልዕሊ ፍሉያት ዓለት ኮንካ ጽናሕ//

ህዝቢ ብህግደፍ ምስ ተዓመጸ

ካብ ሰብ ጽሩራ ለውጢ ምስ ተቐብጸ

የጋልጽዎም ኣሎ ንፍልሖ ንጻጸ

ትምህርቲ ንቕሰም ካብቶም ዝወጹ

ካብ በሊሕ መላጸ …

ሕጂ እዩ እዋኑ ኮታ

ክንበል ቱታ ቱታ

ክንረክብ ሩፍታ

ዓዲ ብኢሰያስ ጸልሚታ

ኢደይ ኢድካ ንበል እንዶታ

ከምቲ ናይ 91 ክቕንጠጥ ማዓታ

ኣብ ኤረትራ ከንጎድጉድ እልልታ…

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን