ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ &#470
نشر من قبل omaal في 09:13 صباحا - 29 11 1433 هـ (14 10 2012 م)

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ

ኣብ ግብጺ ዑደት ንምክያድ ተበጊሱ፡


تفاصيل الخبر

ER NAT COUCELL EX OFFICE.jpg 

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ

ኣብ ግብጺ ዑደት ንምክያድ ተበጊሱ፡

ብተጋዳላይ ዶክተር ዩሱፍ ብርሃኑ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝተመርሐን ብኣባልነት ተጋዳላይ መሓመድ ጣህር ሸንገብ ኣቦ-መንበር ወጻኢ ጉዳያት ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለን ተጋዳላይ በሽር ኢስሓቅ ኣባል ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለን ኣቦ-መንበር ወጻኢ ዝምድናታትን ምውህሃድን ኤዲኪ ዝሓዘ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ. ሎሚ ሓሙስ 11 ጥቅምቲ 2012 ናብ ግብጺ ናይ ስራሕ ዑደት ንምክያድ ተበጊሱ።

እዚ ላእለዋይ ልኡኽ’ዚ ኣብ ዑደቱ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ግብጽን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ማእከላት ዜናን መጽናዕትን ዕላዊ ርክባት ክገበር ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣብ ርክባቱ ካልኣዊ ዝምድናታት ንምድልዳልን  ንህልዊ ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ደምበ ተቓውሞን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ክህብን ንኤ.ሃ.ባ.ደ.ለን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ደገፍ ንምሕታት ዘጠቓለለ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ዝርዝር ናይዚ ዑደት’ዚ ኣብ ቀጻሊ ከነስዕብ ምዃንና ንሕብር።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ጎስጓስን

ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ.

11 ጥቅምቲ 2012