ደምዳሚ መገለጺ ራብዓይ ስሩዕ ኣኼ&#470
نشر من قبل omaal في 08:53 صباحا - 23 11 1433 هـ (08 10 2012 م)

ደምዳሚ መገለጺ

ራብዓይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/

 


تفاصيل الخبر

 DEMOCRATI FRON FOR ERITREAN UNITY.jpg

ደምዳሚ መገለጺ

ራብዓይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/

ማእከላይ መሪሕነት ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/ ካብ 30 መስከረም 2012 ክሳብ 3 ጥቅምቲ 2012 ኣብ ዘሎ ግዝያት ራብዓይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ። ማእከላይ መሪሕነት ኣብዚ ኣኼብኡ'ዚ ንህልዊ ዓለማውን ከባብያውን ሃገራውን ውድባውን ኩነታት ብዕምቆት ገምጊሙ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉን።

ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ደግሓኤ ኣብ’ዚ ኣኼብኡ’ዚ ንህልዊ ሃገራዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ፡  ግብረ-ሽበራዊ ጻሕታሪ ኩናት ስርዓት ህግደፍ ሕጂ ውን ንውሽጣዊ ቅልውላዋቱን ውድቀቱን ንምሽፋንን ውጽዕ ሕብረተ-ሰብና ኣብ ክንዲ ንውሽጢ ንግዳም ክጥምት ብስም ምክልኻል ሃገር ካብ 70 ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ሃገራውያን ብኣልማማ ከሰልፍን ክሳብ እውን ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣዴታት ዝሓወሰ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምስላፍን፡ ምዕጣቅን፡ ከጠቓልል ብትልሚ ተታሕዙ፡ ይስራሓሉ ምህላዉ ተገንዚቡ።-እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብቁጠባዊ መዳይ ንዘለዎ ናይ ወጻኢ ሸርፊ  ናይ ምርካብ ጸገማት ከፋኹስን ካብ ወጻኢ ነዳድን ካልኦት ቀረባት ክሽምትን  ብስም ወፍሪ ልምዓት ከምኣመሉ ጸንቂቑ ነቲ ዘይብተኽ ንኡስ ዓቕሚ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ውሱን ፡ቁጠባዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ክፋል ሕብረተ ሰብና ክብዝብዝ ነዚ ዘጣጥሑ ኮንፈረንሳት እናወደበ ንሓደጋ የሳጥሖ  ምህለው ብዕምቆት ገምጊሙ።እዚ ቁጠባዊ ቅልውላው እዚ ንምፍዃስን እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ናይ ምምእራር ዓቕሊ ጽበታዊ ምዕልባጣትን ብውሽጢ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ቀረባ- ጎረባብቲ ሃገራት ከይተረፈ’ውን ብጽዑቕ ኮንትሮባንዳዊ ስራሓት ተዋፊሩ ይሰርሓሉ ምህላው እውን ተገንዚቡ።

ማእከለይ መሪሕነት ኣብዚ ኣኼብኡ’ዚ ንህልዊ ከባብያዊ ኩነታትና ኣመልኪቱ ኣብ ዝተማያየጠሉ ኣብ ገለ ሃገራት ዞባና ዝጸነሐ ዘይምርግጋእ ብመጠኑ እናተመሓየሽ ይመጽእ ምህላው ኣገዳሲ ምዕባለ ምዃኑ ተገንዝቡ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሃገራት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝጸንሐ ደማዊ ግጭት ሃዲኡ ጸገማቶም ብመንጎኝነት ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃን ዕዙዝ ተራ ናይ ኢትዮጵያን ብሰላማዊ ኣገባብ ኣብ ምፍትሑ ተበጽሑ ዘሎ ስምምዕ፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ መጎሱ ገሊጹ።ኣብ ሶማል ዝተኻየደ  ምርጫ ብሰላማዊ መንገዲ ስልጣን ናይ ምርኽኻብ መስርሕ ኣብ ምርግጋእን ሰላምን እታ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሱ ዘለዎ ኣስተዋጽኦ ኣገዳሲ መርኣያ ብምዃኑ ኣድናቖቱ ገሊጹ። ሃገረ ሶማል መሊኣ ዝተራጋግአት ሃገር ክትከውን ዘለዎ ትምኒት እውን ገልጹ።

ኢትዮጵያ እታ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ንደሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ክትድግፍ ዝጸንሐትን ዘላን መሓዛ ናይ ዝኾነት ሃገር በሊሕን ባዓል ርሑቕ ራኢን ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ ብመስዋእቲ ዝተፈለየ፡  ንህዝብን ሃገርን ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ህዝብታት ኣፍሪቃን ዓለምን ዓቢ ክሳራ ብምዃኑ ማእከለይ መሪሕነት በዚ ኣጋጣሚ ኣኼብኡ’ዚ ሓዘኑ ገሊጹ። ናይ ዝወደቐሉ ዕላማታት ሕድሪ ንምፍጻም ኣስሩ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተመርጸ  ክቡር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ከኣ የውሃንኡ ገሊጹ።እቲ ብማዕዶ ኮይኑ ብመስውእቲ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዝሓዘነ ኤርትራዊ ደቁ ንዝተሰዱላን ዝተዓቐቡላን ኣብ ዓውደ ትምህርቲ ክቛደሱላ ዝጸንሑ ሃገረ ኢትዮጵያ ድሕሪ መስዋእቱ “ደቅና እንታይ ‘ኮን ይኾኑ” ኢሉ ክሻቐል ዝጸንሐ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕድሪ ጅግና መራሒኡ ዘየዕብር ምኻኑ ሕጂ’ውን ከም ቀደሙ እቲ ዝጸንሐ ምትእንጋዳትን ዝተሰዱ መንእሰያት ናይ ምምሃሮም ዕላማ ዘየቛሪጽ ምዃኑ ኣብ’ዚ ናይ ዓመተ ትምህሪቲ’ዚ 850 ተማሃሮ ኣብ ዩኒቨሪስታት ተቐቢሉ ክማሃሩ ምውሳኑ ሓደ መርኣያ ናይ’ቲ ዝምድናታት ክልቲኡ ሃገራት ናብ ንቡር ክምለስን መጻኢ ሕውነታዊ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ክዓብን  ከካይዶ ዝጸንሐ ጻዕርታት ይቕጽለሉ ምህለው ዘርእን  ንሻቅሎት ናይቶም ደቆም ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰዱ ኤርትራውያን ወለዲ’ውን ዘቕስን ሰብኣውን ደሞክራስያውን ተግባር ብምዃኑ ማእከለይ መሪሕነት መጎሱ ገሊጹ።

ጀጋኑ ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ! 

ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ ኣብዚ ኣኼብኡ’ዚ ንህልዊ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ  ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንድሞክራስያዊ ለውጢ ኤዲኪን ከኣ ብፍላይ ብዕምቆት ገምግሙ። ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ከም ዝስፍሐ ሃገራዊ ሽርክነታዊ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር (ጽላል) ናይ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሕይልታትን ስቪካዊ ማሕበረ ሰባትን መጠን ከም ጀማሪ ትካለዊ ኣሰራርሕኡ ንምጽፋፍን ንምውዳብን ብመጠኑ ዕማማቱ ንምስልሳልን ጻዕርታት ክግበረሉ ዝጸንሐን ዘሎን ይኹን ደኣምበር ንትጽቢታት ናይ ህዝብና ንምምላስ ሓያል ወቓዒ ሓይሊ ኮይኑ ክወጽእ ዙርያምላሽ ተሳትፎ ናይ ኩሎም ኣብኡ ተሓቚፎም ዘለው ዓቕምታትን ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብን ዝጠልብ ብምዃኑ ኩሉ ዓቕምታት ሕብረተ-ሰብና ብሓደ ኣንፈትን ውዳበን ጸረ-ስርዓት ህግደፍ ክራባረብን ተርኡ ክጻወትን ይህልዎ። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ከም ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ግንባር መጠን ግንባራዊ ዕማማት ብብቕዓት ንምውጻእን ንሃባደለ ንምሕያል ልዑል ተርኡ ክጻወት ክራባረብ ይህልዎ። ደግሓኤ ብቐዳምነት ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኣብ ዝግበር ርብርብ ንኤሃባደለ ንምሕያልን፡ ንዕኡ ንምጉልባት ኣገዳሲ ግደ ንዘለዎ ኤዲኪ ንዝተለሞም ዕማማት ንምዕዋት ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ክገበር ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክገልጽ ይፈቱ።

ማእከላይ መሪሕነት ኣብ’ዚ ኣኼብኡ’ዚ ልዑል ትኹረት ሂቡ ካብ ዝተማያየጠሉ ሓደ ኣገዳሲ ኣርእስቲ  እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝለዓዓል ዘሎ ናይ መንእሰያት ምቕስቓሳትን ኣንፈት ምዕባለኦምን መስረት ገይሩ፡ ንዝዘተየሉ ዛዕባ ሓደ ካብቲ ንውሕ ዝበለ ግዜ  ዝወሰደን ዕምቆት ዘለዎ ግንዛበን ክታሓዘሉ ዝገበረ ነይሩ። እዚ መንእሰይ ወለዶ እዚ ጸረ-ስርዓት ህግደፍ ኣብቲ ዘካይዶ ዘሎ ደሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝብታትና ቆሪጹ ተላዕሉ ተወዲቡ ክቃለስ ድልውነቱ እናኣራጋገጸ ምኻዱን ሓድነቱ ክዕቁብ ዝገብሮም ዘሎ ጻዕርታትን ዝታባብዑ ብምዃኖም ማ/መሪሕነት ኣድናቆቱ ገሊጹ። ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ደሞክራስያዊ ተጋድሎ’ዚ ወሳኒ ተርኡ ክጻወት እንተድኣ ኮይኑ ግን ካብቲ ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ከሳቕዮ ዝጸንሐን ገና መልኡ ዘይተወገደን፡ ናይ ጽበትን ትምክሕትን ዱሑር ኣታሓሳስባታት ንገዛእ ርእሱ ዝተናገፈ ኮይኑ ብንቑሕ ደሞክራስያዊ ኣታሓሳስባን፡ ውደባን እንተተሰንዩ ጥራሕ ምዃኑ ተገንዝቡ ነዚ ክበቅዕ ክራባረብ ይህልዎ ንብል።

ማእከለይ መሪሕነት ኣብ’ዚ ኣኼብኡ’ዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ብውሽጥን ብደገን ክኽተሎ ዝጸሐን ዘሎን መዕነዊ ፖሊስታቱ መዓልቲ- መዓልቲ ንስደት ዝውሕዝ ዘሎ ብዝሒ ኤርትራዊ ሓደ መርኣያ ናይ’ቲ ህዝብን ሃገርን ናይ ምብትታን ሓደጋ ኮይኑ ሕጂ’ውን ኣብ ዝተፋላለዩ ከባቢታት ብሓፈሻ ብፈላይ ከኣ ኣብ በረኻ ሲናይ ናይ ሞትን ሂይወት ሓደጋ፡ ይገጥሞም ምህላው ብጣዕሚ ዘሕዝን ተርእዮ’ዩ። ብሓፈሻ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ዓለም-ለኻዊ ግብረስናይ ትካላትን ብፍላይ ከኣ መንግስታት ግብጽን እስራኤልን ልዑል ቆላሕታ ሂበን ሰብኣዊ መሰል ናይዞም ብሸፋቱ ነጋዶ ሰብ ዝገጥሞም ዘሎ ሰደተኛታት ሓደጋ ኣብ ምግታእ ተረኦም ክጻወቱ ጸዊዑ።

ውጽዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ

ማእከላይ መሪሕነት ኣብ’ዚ ኣኼብኡ’ዚ ንህልው ውድባዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ኩሎም መዳያት ዕማማት ውድባና ዓሚቕ ምይይጣት ኣካይዱ።ከምኡው’ን ብተቛጻጸሪ ኮሚሽን ዝቐረቡ ናይ ገንዘብን ንብረትን ንፖለቲካዊ መስመር መሰረት ገይሮም ናይ ዝወጹ ፖሊስታትን ውሳኔታትን ከመይነት ናይ ኣፋጻጽምኦምን ወዘተ.. ዝምልከቱ ጸብጻባት ተኻታቲሉን ብዕምቆት ዘትዩን። ኣብቲ ድኹም ጎኒ  ብዕምቆት ብምትኳር ከኣ እቲ ድኹም ጎኒ ኣብ ኣፋጻጽማን ኣውዳድባን፡ ክትትልን ዝጽንሐ  ሕጽረታት ብምንቃፍ ንምምሕያሹ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላልፉ። ንህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት ውድብና ንምዕዋት ኣብ ዝግበር ተጋድሎ በብመድረኹ ንዘጋጥሙ ብድሆታት ብውሕሉል ኣገባብ ብምምካት ሽኻል ናይቲ ዕለማ ብምሓዝ ስሉጥን ኩሉሽነኻዊ ተዓጻጻፊ ጥበብ ቃልሲን ሒዝካ ምርብራብ መተካእታ ከም ዘይብሉ ማእከላይ መሪሕነት ኣብ’ዚ ኣኼብኡ ብዕምቆት ዘትዩን ንእምነታቱ ኣስሚርሉ ሓሊፉን። ኣብ ክሊ’ዚ ንዝራኣዩ  ድኹማት ጎንታትን ኣብ ምፍዋስን ይሕግዙ እዮም ዝብሎም ኣገደስቲ ሰሚናራትን ሰፊሕ  ኣገንዝቦ ንምጭባጥን ዕሙቕ ዝበለ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ክዋሃብ ወሲኑ። ከምኡ’ ውን ምስቶም ብእምነት ዝቀራረብዎ ሓይልታት ይኹኑ ከምኡ እውን ብደረጃ እቲ ድሮ ተሰሪቱ ክስራሓሉ  ዝጸንሐን  ዘሎን ግንባራት ሓቢሩ ኣብ ምቅላስ ኣብ ዝገብሮ ርብርባት ሕጂ ውን ብዕምቆት ክኸዶም ምዃኑ ኣራጋጊጹ። 

ማእከላይ መሪሕነት ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ  መላእ ኣባል ውድብና ብቁጠባ ነብሱ ንክኽእል ክገብሮ ዝጸንሐን ዘሎን ጻዕርታትን ክምኡ እውን ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኑ ብተወፋይነትን ጽንዓትን ጸረ-ስርዓት ህግደፍ ዝራባረብ ዘሎ ዕጡቕ  ናይ ፕሮፖጋንዳን ውደባን ኣሃዱታትና ልዑል መጎሱ ገሊጹ። ኣበርቲዖም ክቕጽልሉ እውን ኣዘኻኺሩ።ከምኡ እውን ብተበግሶ ዉፉያት ኣባላት ውድብና ኣብ ናይ ግብረሰናይ ስራሓት እናተዋፈሩ፡ነቲ ኣብ ዝተፋላለየ መደበራት ስደተኛታት ተዓቊቡ ዘሎ  ስደተኛ ህዝብናን ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ቁጽጽር ጸላኢ ወጻኢ ዘለዋ ዓድታትን ንዝተገብሩ ምድግጋፋት ኣመጊሱ። ጻዕርታቶም ቀጻሊ ክኸውን እውን ተላብዩ።

 ኣብ መደምደምታ ማ/መሪሕነት ካብ መንጉኡ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ፈጻሚ ኣካል ብምምራጽ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ተቓላሳይ ህዝብና!

ውድቀት ንጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!      

ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

/ደ.ግ.ሓ.ኤ/

03 ጥቅምቲ  2012