ጽንብል በዓል ሓደ መስከረም ኣብ ቶ&#46
نشر من قبل omaal في 07:44 صباحا - 26 10 1433 هـ (12 09 2012 م)

Toronto Branch

ጽንብል በዓል ሓደ መስከረም ኣብ ቶሮንቶ ብድምቀት ውዒሉ።

02/09/2012

 


تفاصيل الخبر

Er Nat Coun Toronto 012.jpg

Toronto Branch

ጽንብል በዓል ሓደ መስከረም ኣብ ቶሮንቶ ብድምቀት ውዒሉ።

02/09/2012

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ጨንፈር ቶሮንቶ ብዕለት 02 መስከረም 2012 ጽንብል በዓል ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ሰውራ ኤርትራ 1961ፈላሚት ማሕታ ጥይት ብጅግና ስዉእ ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝተተኮሰትላ ዝኽሪ መበል ሓምሳን ሓደን ዓመት ብዓቢ ድምቀት ኣብዒሉ ውዒሉ። ኣብዚ ድሙቕ በዓልዚ ካብ ኦታዋ፣ ሎንዶን ኦንታሪዮን ጋልፍ ኪቺነር ዋተርሉን ሃሚልቶንን ብዝመጹ ግዱሳት ዕዱማት ደሚቑ ውዒሉ።

 ኣቦወንበር ጨንፈር ቶሮንቶ ኣቶ ሱለማን መሓመድ ናይ በዓል ሓደ መስከረም መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፣ ግዱሳት ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ጨንፈር ቶሮንቶን ጨንፈር ኦታዋን ንበዓል ሓደ መስከረም ዝገልጹ ጽሑፋትን ግጥሚታትን ኣንቢቦም።

ጨንፈር ቶሮንቶ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ነዚ በዓልዚ ከተዳሉ ኸላ፡ነብስኻ ብነብስኻ ምኽኣል። ካብ ዝብል መርኣያ ተበጊሳያ ጀሚራቶ፡ መግቢን መስተን ብልግሲ ግዱሳት ኣባላት ኢዩ ተኣንጊዱ፣ ካልእ ኩሉ ነገራዊን ጉልበታዊን ስራሓት ብግዱሳት ኣባላት ኢዩ ተማሊኡ።

ነመስግን ድማ፣ ብኸምዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ነብስኻ ምኽኣል ጅማሮ ምስ ንቕጽል ድማ ካብ ተጸባይነት ሓራ ከምንኸውን ግድነት ምኻኑ ንኣምን።

ኣብዚ በዓልዚ ህቡብ ዲጀይ ወዲያሕያ ወጋሕ ትበል ለይቲ ብድሌቱ ብድምቀት ክጻውት ሓዲሩ ነመስግኖ ድማ።

ናይ ነብስኻ ምኽኣል ተበግሶ ብምውሳድ ኣርኣያን ኣብነትን ክንከውን ፈቲንና ኣሎናሞ ኣሰርና ስዓቡ ንብል።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ውድቅት ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ!

ዘልዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ሓደ መስከረም ንዘልዓለም ተኸቢራ ትንበር!