ዮሃና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳ&#4757
نشر من قبل omaal في 04:25 مساء - 25 10 1433 هـ (11 09 2012 م)

ዮሃና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ብምኽነያት ርሑስ ባዓል ቁዱስ ዮውሃንስ

 


تفاصيل الخبر

ER Democratic Allaince 012 A.jpg

ዮሃና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ብምኽነያት ርሑስ ባዓል ቁዱስ ዮውሃንስ 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ እንቋዕ   ናብዚ ርሑስ ባዓል ቁዱስ ዮውሃንስ ኣብጽሓኩም ይብል። ርሑስ ባዓል ቁዱስ ዮውሃንስ ንህዝቢ ኤርትራ ባዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ሰዓብቲ ኩሉ ሃይማኖታት ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ብምንጻግ፡ ሓድነት  ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስን ምጥንኻርን ክጽዕሩ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ምድጋፍ፡ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱ ይጽውዕ።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

09 መስከረም 2012