ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ &#46
δΤΡ γδ ήΘα omaal έν 07:26 ΥΘΗΝΗ - 01 10 1433 εά (18 08 2012 γ)

 ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

 ምስ ብ/ኣረሀ ሓምድ ናካ ዝገበረቶ ቃለ-መጥይቕ( 1)


ΚέΗΥνα ΗαΞΘΡ

 ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

 ምስ ብ/ኣረሀ ሓምድ ናካ ዝገበረቶ ቃለ-መጥይቕ ( 1)

ብድምጺ ዘየተኸታተልዎ ወገናት መታን ክረክብዎን ካብ ትሕዝቶኡ ሃናጺ ሓሳባት ክረክቡን ናብ ጽሑፍ ገልቢጥና ንዝርገሖ ኣለና፡ ሰናይ ንባብ፡-

Hamadnaka.jpg

ክቡር ጋሻና ኣብ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ብሓፈሻ፡ ምስ ምግባር ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ኣተሓሒዝና መብርሂ ክትበና ንዘቕረብናልካ ሕቶ ብኣወንታ ብምምላስካ፡ ብስም ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራን ሰማዕትን ኣመስግነካ፡ ከም መእተዊ መታን ክኾነና ምሉእ ስማካ፡  ሓጺር ናይ ቃልሲ ድሕረ-ባይታኻ፡ ትነብረሉ ቦታን ስራሕካን ንሰማዕትና እንተትገልጸልና?

 ብቐዳምነት ነዚ ዕድል’ዚ ስለዝሃብኩምኒ ከየመስገንክኹም ከሓልፍ ኣይደልን። ስመይ ኣርሀ ሓመድ ናካ ይበሃል። ኣብ ሽወደን ይቕመጥ። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ከም ኣባል ባይቶ ሽወደን ተመሪጸ ካብ 2010 ብባይቶ ደረጃ ይሰርሕ ኣለኹ። ፖለቲከኛ ሽወደናዊ ኤርትራዊ’የ። ድሕረ ባይታይ ብዝምልከት ኣብ ከባቢ ዒላበርዕድ ተወሊደ፡ ወዲ 15 ዓመት እንከለኹ ኣብ 1968 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ /ጀብሃ/ ኣብ ካልኣይቲ ክፍሊ ተሰሊፈ። ኣብ መድረኽ ነጻነታዊ ብረታዊ ቃልሲ ክሳብ 1977 ጸኒሐ። ድሕሪኡ ግን ናብ ስደት ከይደ። ኣብ ስደት ከይደ’ውን ብረት ምውራደይ እንተዘይኮይኑ ኣብ’ቲ ነጻነታዊ ቃልሲ ብዝተፈላለየ መልከዓት እጃመይ እንዳበርከት’የ መጺአ። ሕጂ’ውን ኣብ’ቲ ህዝባዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ህዝቢ ንምርጋግጽ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ኣባል ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኮይነ ይቕጽል ኣለኹ። ኣነ ካብ’ቶም መስረቲ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ሓደ’ውን’የ።

ሕቶ፡ ዝኸበርካ ኣርሀ ንስኻ ኤርትራዊ ኢኻ፡ ኣባል ባይቶ ናይ ሽወደን ኮይንካ ድማ ትሰርሕ ኣለኻ። ንሕና ከም ኤርትራውያን ካብ’ዚ እንታይ ንመሃር ኢልካ ትርኢ?

ኣረሀ? ብቐዳምነት ካብ’ዚ ክንመሃረሉ ንኽእል ጉዳይ መሰል’ዩ። ኣነ ከም ኤርትራዊ ከም ኣፍሪቃዊ ሕብረይ ጸሊም፡ ካብ ሃገርና ካብ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ዝረሓቐ ኣብ ኤውሮጳ፡ ካብኡ ናብኡ ድማ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ናይ ኤውሮጳ እስካንዲኒቪያን መሰለይ ተኸቢሩለይ፡ ልክዕ ከም’ቶም ደቂ ሃገር ብናተይ ዓቕሚታት ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ ክበጽሕ እንከለኹ እታ ኣገዳሲት ነጥቢ ንዓይ፡ እታ መሰል ትብል ኣምር’ያ። ኣነ ከም ስደተኛ መጺአ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ስልጣን ናይ’ታ ሃገር ምብጻሐይ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ዝለዓለ ስልጣን ናይ’ታ ሃገር ባይቶ’ዩ፡ ሓጋጊ ኣካል ስለ ዝኾነ። ኣብ ሽወደን ክትበጽሖ ትኽእል ስልጣን ኣባል ባይቶ ምዃን’ዩ ካብኡ ንላዕሊ ትበጽሖ የብልካን። ስለዚ ክነመሃረሉ ዝገበኣና ይመስለኒ ኣነ ንመሰል’ውን ንቃለስ ስለዘለና፡ ኣብ ሃገርና ዘይረኸብናዮ መሰል ኣብ ወጻኢ ክሕሎ ክኽበር እንከሎ፡ ምኽባር መሰል ወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ረቛሒ ምዃኑ’ዩ።

ሕቶ፡ ሕራይ፡ ብ/ኣረሀ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘላ ንኹላትና ንጹር ነገር’ዩ፡ ማዕከናት ዜና ሽወደን ብፍላይ ምስ ጋዜጠኛ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ይሳቕ ብዝተኣሳሰረ፡ ንመንግስቲ ህግደፍ ክኹንና ይስማዓ’የን። ኣብ’ቲ ባይቶ’ኸ ከመይ ይንጸባረቕ? ምስ ምኽባር ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ተታሓሒዙ ኣብ ሃገራት እስካንዲኒቪያን ብሓፈሻ፡ ኣብ ሽወደን ድማ ብፍላይ ንጉዳይና ከመይ ዝሪእዎ?

ኣርሀ፡ ብቐዳምነት ከም’ቲ ኣቐዲመ’ውን ዝበልክዎ፡ ዝኾነ ሰብ ካበይ መጺኡ ብዘየገድስ ከም ስደተኛ ምሉእ መሰል ኣለዎ። ብኡ ኣቢሉ’ውን ኣብ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ክሕወስ መሰላቱ ተኸቢርሉ እንዳተማህረ፡ ማዕረ’ቲ ቅድሚኡ ዝጸንሐ ብሕብሩ’ውን ዘይራኸቡ ወዲ-ታ ዓዲ መታን ክኸውን ብዙሕ ስልጠና ይካየድ’ዩ። ብሓፈሽኡ እቲ መሰል ኣሎ። ኣብ’ዚ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ ግን ንሕና ነቲ ንረኽቦ መሰል ብግቡእ ንጥቀመሉ ኣለናን ንጥቀመሉ የለናን ዝብል’ዩ። ኣነ ነቲ ዝረኸብክዎ ናይ መሰል ዕድል ተጠቒመ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ጽፍሒ ናይ’ታ ሃገር በጺሐ ኣለኹ ማለት’ዩ።

እቲ ናይ ዳዊት ይስሓቕ እንተደኣ ኮይኑ፡ ዳዊት ኢስሓቕ ሓደ መወለዱ ኤርትራዊ ዜግነቱ ኤርትራውን ሽወደንን ዘለዎ ኣብ ሽወደን ብዙሕ ዓመታት ዝተቐመጠ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ዝያዳ ዘገድሶም ሽውደናዊ ዜጋ ብምዃኑ’ዩ። ጉዳይ’ዩ ድማ ኣብ ቃልሲ’ዩ ዝርከብ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሽወደንን መንግስቲ ህግደፍን። ኩሉ ግዜ፡ መንግስቲ ህግደፍ ዲፕሎማስያዊ ኣተሓሕዛን ኣቀራርባን የብሉን። ኣብ’ዚ ዓውዲ’ዚ ጸማም እዝኒ ዘለዎ መንግስቲ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ነታ ዲፕሎማሲ እትበሃል፡ ናታ ዲክሽነሪ ስለዘይብሉ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ዝራኸበሉ ኣገባብ  ኩሉ ግዜ ዕጹው ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዝበጽሐ’ዩ ዝመስል ክሳብ ሕጂ ዘምጸኦ ውጽኢት የብሉን።

ብዛዕባ ጉዳይና እንተደኣ ኮይኑ ግን፡ ብርግጽ ኣብ’ቲ መጀመሪያ ብጉዳይ ዳዊት ኢስሓቕ ጥራሕ’ዩ ዝዝረብ ነይሩ። ደሓር ግን ብሰፊሑ፡ ኩሉ ኤርትራ ልክዕ ከም ዳዊት ኢስሓቕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነብር ብምዃኑ፡ ኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር ናብ ንእሽቶ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ ስለዘላ፡ ዝተኣስረን ዘይተኣረን ኤርትራዊ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝነብር፡ ጋዜጠኛታት ይኹን ስቪላዊ ትካላት ሽወደን ከቃልሕዎ ጸኒሖም’ዮም። ስለዚ  እቲ ጉዳይ ካብ ናይ ዳዊት ኢስሓቕ ሓሊፉ፡ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ደረጅኡ በጺሑ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ከምዘየሎ መንግስቲ ህግደፍ ካብ’ቶም ኣብ መስርዕ ሰብኣዊ መሰላት ዘይኽብሩ መንግስታት ኣብ’ቲ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዝስራዕ፡ ኣብ ሽወደን ብፍላይ ከኣ ብጋዜጣታት ሽወደን ከምኡ’ውን ኣብ ባይቶ ዘለው ይኹን ካብ ባይቶ ወጻኢ ዝርከቡ ኣነ ዝፈልጦም ብዙሓት ፖለቲከኛታት፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ሰሙን ኣብ ወርሒ ብኣተሓሓዘ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮን ከይተጻሕፈ ኣይውዕልን’ዩ ክበሃል ይከኣል። ስለዚ ሎሚ ኣብ ሽወደን ኣብ ኤርትራ ከመይ ዓይነት ፖለቲካዊ ምሕደራ ኣሎ ዋላ ቆልዓ’ውን ይፈልጥ’ዩ።

ምስኣ ኣተሓሒዘ ክገልጻ ዝደሊ እቲ ቅድም ክብል ብምኽንያት ዳዊት ኢስሓቕ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ጥራሕ ተኣሳሲሩ ዝግለጽ ዝነበረ፡ ኣነ ኣብ ባይቶ ምስ ኣተኹ፡ ነቲ ዝረኸብክዎ ዕድል ተጠቒመ ኣብ ካልእ ከሰጋግሮ ፈቲነ። ጉዳይ 2% ጠጠው ንኽብል መንግስቲ ህግደፍ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለው ጥራሕ ኣይኮነን ዝውጽዕን ዝኣስርን ዘሎ እንታይ ደኣ፡ ነቲ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዘዘለዎ 2% ክፈል እንዳበለ ብኡ ይናበር ስለዘሎ እዚ ንገዛእ ርእሱ ምስ’ቲ ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰላት ስለዘይቃዶ፡ ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራውያን ድማ ናይ ሽወደን ዜግነት ስለ ዘለዎም 2% ይኹን ካልእ ንካልእ መንግስቲ ተገዲዶም ግብሪ ክኸፍሉ የብሎምን ሓደ፡ ካልኣይ ነገር፡ ካብ ሃገሮም በቲ መንግስቲ ተማሪሮም መጺኡ ኣብ’ዚ ስዒቡ ከረኻኽበሎም የብሉን ብዝብል፡ ኣብ መድረኽ ኣቕሪበ በይቶ ክካታዓሉ፡ ስለዚ ከኣ ዳርጋ ኩለን ኣብ’ቲ ባይቶ ዘለዋ ሰልፍታት እዚ ጉዳይ’ዚ ጌጋ ምዃኑ ከእምን ክኢለ። ኣብ’ቲ ውሳነ ግን፡ ቅድም ኢሎም ገለ ኤርትራውያን ንኢምባሲ ናይ ህግደፍ ኣብ ፖሊስ ከሲሰሞ ስለ ዝነበሩ፡ እቲ ብፖሊሲ ዝተጀመረ ክሲ ኣብ ሓደ መደምደምታ ይብጻሕ ብድሕሪኡ ኣብ ባይቶ ንሪኦ ኢሎም ግዜ ይጽበይሉ ኣለው። እዚ ዓሚ ብሰፊሑ ብማዕከናት ዜና’ውን ተቓሊሑ ነይሩ’ዩ። ስለዚ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ብጉዳይ ዳዊት ኢሳሓቕ ተጀሚሩ፡ ኣነ ኣብ ባይቶ ድሕሪ ምእታወይ፡ ኣብ ባይቶ ኣቕሪበ ባይቶ ክካታዓሉ ብምግባረይ ደረጃ ብደረጃ ጉዳይና ትኹረት ክረክብ ኮይኑ ኣሎ። ሕጽር ብዝበለ ነዚ ይመስል እቲ ኩነታት።

ሕቶ፡- ናብ ካልእ ከስግረካ ብ/ኣርሀ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ካብ ዕለት 1-4 ሓምለ 2012 ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ኣሰላሲሉ’ሎ። መስርሕ ጉባኤ ከመይ መጺኡ ንሰማዕትና እንተትገልጸልና?

ኣርሀ፡ መስርሕ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ውድብና ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፡ ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ሓንቲ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ቆይማ። እዛ ሽማግለ ነቲ ኩሉ ንጉባኤ ዘድሊ ነገራት ማለት ናይ ቀረብ ኮነ ሰነዳት ጉባኤ ናብ ጨናፍር ናይ’ቲ ውድብ ከይዱ። ጨናፍራትን ኣሃዱታትን ተኻቲዐን ናብ’ታ ሽማግለ ክምለስ ተገይሩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ብዘይካ ኣብ ውድብኩም  ኣብ መብዛሕቲአን  ውድባትና ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ልሙድ ኣይኮነን። ኣባል ኣብ’ቲ ዝወረደ ሰነዳት ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ስሩዕ መስኖታቱ ሓልዩ ድሕሪ ዝገበሮ ክተዓትን ዝሃቦ ርእይቶታትን ሃብቲሙ’ዩ ኣብ ጉባኤ በጺሑ።

ሕቶ፡- ጉባኤ ኣድህቦ ሂቡ ዝተዛረበሎም ዛዕባታት ኣብ ምንታይ ዘትኮረ ከም ዝነበረ ፈላሊኻ’ዶ መብራህካልና?

ኣርሀ፡- ድሕሪ ክንደይ ዓመት ኢና ሳልሳይ ጉባኤ ንገብር ዘለና፡ ስለዚ ካብ’ቲ ዝነበረ ኣገዳሲ ወረቓቕቲ ወይ ሰነዳት ሓደ፡ ናትና ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ብፍላይ ምስ’ቲ ኣምር ፈደራሊዝም ዝብል ዓሚቕ ክትዓት ዝተኻየደሉ ነይሩ። ውድብና ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ብውሑዳት ሰባት ከም ዝተበገሰ ዝፍለጥ’ዩ። ከም ውድብ ሕጂ’ዩ ዝሰፍሕ ዘሎ። ንመጀመርያ ግዜ ኢና ብዕድመ ብብሄራዊ ተዋጽኦ፡ ብደረጃ ትምህርቲ፡ ዕጡቓት ተጋደልትን ስቪል ኣባላትን ወኪሎም ብዝመጹ ሰፊሕ ተሳታፍነት ዘለዎ ጉባኤ ንገብር ዘለና። ስለዚ እዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ጉባኤና ካብ ዘሀብተሞ ሓደ ይመስለኒ። እቲ ሓድሽ ወለዶ ብሓድሽ ኣረኣእያ ብሰፊሑ ዝተሳተፈሉ ብምንባሩ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ውሽጣዊ ሕጊ፡ ዝምድናና ምስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብከመይ ተቐራሪብና ክንሰርሕ ንኽእል ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ንፕሮግራምና ዝመስል መን ኣሎ ብኸመይ ብመትከል ስጥመት ፈጢርና ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ ንኽእል፡ ካብ’ቶም ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ጉባኤኛ ዝተኻተዓሎም ነጥብታት’ዮም። ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ዝምድናታትና ከመይ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል’ውን ብቐዳምነት ምስ’ተን ኣብ ከባቢና ዘለዋ ሃገራትን ህዝብታትን መንግስቲ ህግደፍ ዝጠንቁ ተፈጢሩ ዘሎ ሓርፋፍ ዝምድናታት ብከመይ ናብ ባህሪያዊ ቦትኡ ትመልሶ፡ ካብኡ ዝሰገረ ድማ ብፍላይ ንሕና ከም ፈደራላዊ ምሕደራ ንኣምን ውድብ መጠን፡ ምስተን ኣብ ፈደራላዊ ኣምር ዝኣምና ሃገራትን ትካላትን ናይ ዓለም፡ ሓደ ትምህርቲ መታን ክንረኽበሉ’ሞ ሓሳባትና ዝያዳ መታን ክዓቢ፡ ብካልኣይ ዝምድናታትና’ውን ንምስፋሕ ከመይ ክንሰርሕ ኣለና ዝብል’ውን ኣካቲዑ ነይሩ’ዩ።

ሕቶ፡- ኣብ’ዚ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ብፍላይ ንምትኽኻእ ወይ ምውርራስ መሪሕነት ዝምልከት  ሓድሽ ሓሳባት ከምዘተኣታተኹም ገለ ብጾት ሓቢሮምኒ ነይሮም። ምስኡ ተታሓሒዙ ንስኻ ካብ’ቶም መስረቲ ሓደን ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ኣመራርሓ ዝነበርካ ኢኻ፡ ኣብ’ዚ ሓድሽ መሪሕነት ግን የለኻን’ሞ ንክልቲኦም እንተተብረሃልና?

ኣርሀ፡- ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ሕቶ’ዩ። ቅድም ኢለ ከም ዝገለጽክዎ ንሕና ውሑዳት ኢና ነይርና፡ ሕጂ ግን እቲ ውድብ ይሰፍሕ ኣሎ። ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ሓድሽ ወለዶ ክኣቱ ክኽእል ኣለዎ። መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ክኣትውዎ ኣለውም ንዝብል ዝጸንሐ እምነት ናይ’ቲ ውድብ መሰረት ብምግባር፡ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ካብ’ቲ ሓድሽ ትውልዲ ክኣቱ’ዩ ተገይሩ። ኣብ’ቲ ናይ ለውጢ እንተኾይኑ ኣነ ኮንኩ ሓው ጀላለዲን ሳልሕ  ካብ’ቶም መስረቲ ኢና ብፍላይ ኣነ ኣብ መሪሕነት ጸኒሐ’የ። ሕጂ ግን ንሕና ኣብ ዝለዓለ ዓለማዊ መድረኻት ንዋሳእ ስለዘለና፡ ሓደ ብግዜ ኣንጻር ኣይነርክበሉን። ብካላኣይ ደረጃ ድማ ነቲ ዝረኸብናዮ መድረኽ ተጠቒምና ብውድብ ደረጃ ጥራሕ ዘይኮነ ብሃገር ደረጃ’ውን ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ መታን ክንክእል፡ ቦታና ንካልኦት ክንገድፍ ተማሕጺና። እዚ ትብልዎ ዘለኹም መድረኹ ኣይኮነን ሕጂ ንሳትኩም ኣብ’ቲ ውድብ ተድልዩ ኢኹም ዝብል ርእይቶታት ናይ ብጾት ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን ተራዳዲእና። ንኣብነት ኣነ ኣባል ባይቶ ሽወደን ኮይነ 24 ሰዓታት ኣብኡ ስለዝሰርሕ፡ ንጉዳይ ኤርትራ ብካልእ መልክዕ ብዝያዳ ዘድመዓሉ ዕድላት ስለዘሎ ኣብኡ እንተተዋፈርኩ ይሓይሽ፡ ኣብ’ቲ ውድብ ብገንዘበይ ድዩ ብምኽሪን ካልእን ኣለኹ፡ ግን ካብ’ቲ መሪሕነታዊ ጽፍሒ ከልግስ ኣለኒ፡ ካልኦት ክዓብዩ ዝኽእሉ ሰባት ወይ መንእሰያት ክትክእዎ ኣለዎም ካብ ዝብል ኢና ኣነን ጀላላዲንን ዝገደፍናዮ።

ሕቶ፡- እዚ ሓሳብ’ዚ ሓድሽ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንካልኦት’ውን ብኣወንታ ክጸሉ ዝኽእል ይመስለኒ፡ ካብኡ ብዙሕ ከይወጻእና ግን፡ እዚ ፈደራላዊ ስርዓት ዝብል ኣምር ቦታውን ብሄራውን ዝብል ክልተ ርእይቶ ስለዘሎ ብወገንካ ከመይ ኢኻ ትሪኦ?

ኣርሀ፡- ፈደራላዊ ምሕደራ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ከከም ኩነታት ናይ’ቲ ህዝብታት ይፈላለየ’ዩ። ንኣብነት እዘን ብፈደራላዊ ኣምር ዝመሓደራ ሃገራት፡ ኣመሪካ ከመይ ትመሓዳር፣ ጀርመን ከመይ ትመሓደር፣ ስዊዘርላንድ ከመይ ትመሓደር፡ ኢማራት ከመይ ትመሓደር …ወዘተ ከከም’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ናይ’ታ ሃገር’ዩ ዝውስኖ። ንሕና ኣብ መጽናዕቲ ኢና ዘለና። ኣብ ናይ ኤርትራዊ ክውንነት እንተደአ ርኢናዮ ግን፡ ኣነ ቦታውን ብሄራውን ክኸውን ይኽእል ዝብል እምነት ኣለኒ። ምኽንያቱ ከምኡ ዝመሰል’ዩ እቲ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ዘሎ ዝብል እምነት ኣለኒ። እቲ ቀንድን ወሳንን ግን፡  ፈደራሊዝም ማለት ናይ መሰል ሕቶ ምምላስ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ይደሊ ዝብል’ዩ ዝምልሶ። ንኣብነት ኩናማ ዝወረዶም ዘሎ ወጽዓ ኣብ ባይታ ዝረአ እንተደኣ ኮይኑ፡ ንሕና ብመሰረት ወጽዓና ነብስና ክኢልና ከነመሓድር ኢና ኢሎም ክገብርዎ ዘይክእልሉ ምኽንያት የለን ኢለየ ዝኣምን። ከምኡ’ውን ዓፋር። ግን ኩሉ ከምኡ ይመስል ማለት ኣይኮነን። እቲ ኣገዳሲ እንታይ’ዩ ደቂ-ሰባት ኣብ ክልተ ነገራት’ዮም ዝጋጨው፡ ኣብ ምምቕራሕ ፖለቲካዊ ስልጣንን ሃብትን። ንስልጣንን ሃብትን ብማዕረ ክትመቅል እንተዘይክኢልካ ኩሉ ግዜ ወጻዕን ተወጻዕን ኣሎ። ኣብ ዓለም እንሪኦ ዘለና ከኣ ንስልጣንን ሃብትን ብማዕረ ከካፍል ዝኽእል ምሕደራ ፈደራሊዝም ጥራሕ’ዩ። ንሱ’ዩ እቲ ቅሳነት ዝፈጥር። ተወላዲ ሓደ ብሄር ዝኾነ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሚኒስተር ኣምጺእካ ምቕማጥ ዘይኮነ፡ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ወናኒ ናይ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ሃብቱን ገዝኡን ምስ ዝኸውን ብኡ ኣቢሉ ድማ ወከልቱ ንላዕሊ ባዕሉ ምስ ዝሰድድ፡ ርግኣት ሰላም ምዕባለ ክመጽእ ይኽእል። ስለዚ እነ ብውልቀ ርእይቶይ ብክልቲኡ ማለት ቦታውን ብሄራውን ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ምኽንያቱ ከም ብሄራውያን ዝረኣያ፡ ብሓንሳብ ብባህላውን ቁጠባውን ኣነባብራአን ዝመሳሰላ ክትፈልየን ዘይትኽእል ተኣታትየን ዘለዋ፡ ብድሌተን ብሓንሳብ ክነብራ እንተደኣ ኮይነን ብቦታዊ ክነብራ ይኽእላ’የን ዝብል እምነት’ዩ ዘለኒ።

ሕቶ፡- ምስኡ ተታሓሒዙ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝኾነ መሰል ኣየፍቅድን። ህግደፍ ዝጥቀመሉ ጭርሖ፡ ግኡዝ መሬት ማእከሉ ገይሩ፡ “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” ዝብል’ዩ። ንመሰል ናይ ህዝብታት ቀዳምነት ኣይህብን። ብተመሳሳሊ ኣብ ደምበ ተቓውሞ እንዳሃለው፡ ኣብ ክንዲ መሰል ህዝቢ ቀዳምነት ሰሪዖም ንምፍዋሱ ዝቃለሱ፡ ነቲ ጸላኢ ዝጥቀመሉ ጭርሖ ዝደግሙ ወገናት ኣለው ነዚኦም ከመይ ኢኻ ትሪኦም?

ኣርሀ፡- መንግስቲ ህግደፍ እኮ ስርዓት ክትብሎ’ውን ኣጸጋሚ’ዩ። ሓደ ሕጊ ዘይብሉ፡ ብሕጊ ዘየመሓድር ሓይሊ ስርዓት ኢልካ ክትጽውዖ ቅኑዕ ኣይኮነን። ሸፋቱ ናብ ሽፍትነት ክኸዱ እንከለው ከመይ ክንከፋፈል ኣለና ኢሎም ስምምዕ ይገብሩ’ዮም። ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ ግን ዝኾነ ሕጋዊ ውዑልን ኣሰራርሓን የብሉን። እቲ ኣጸጋሚ እቶም ኣብ ናይ ተቓውሞ ደምበ ኣለና ዝብሉ ግን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ናይ ህዝቢ ጸገም፡ ህዝቢ ዝጠልቦ ዘሎ መሰል ኣብ ቅድሚኦም ኣብ ባይታ እንዳረኣይዎ መሰረታዊ ፖለቲካዊ እምነቶም ገይሮም ክቃለስሉ ዘይደልዩ፡ ጽገና ዝመስል መንገዲ ሒዞም ዝኸዱ ኣለው። እዚ ሚኢቲ ካብ ሚእቲ ከምኡ ‘ኳ እንተዘይኮነ ተመሳሳሊ ናይ’ቲ ህዝቢ ዘብርስ ዘሎ ጉጅለ ሒዝዎ ዘሎ ባህሪ ከንጸባርቑ ትዕዘብ’ሞ፡ እዚኦም ስልጣን እንተሒዞም እቲ ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ መሰል ክረክብ ይኽእል’ዶ ዝብል ስኽፍታ ይፈጥረልካ። ገሊኡ ምልጋስ ናይ ህግደፍ /ኢሳያስ/ ጥራሕ እኹል ዝመስሎ ክህሉ’ዩ። ገለና ግን ክኒዮ ምልጋስ ጭፍራ ህግደፍ፡ ካብ ዝሓለፈ ተመክሮና ተማሂርና ከመይ ኣቢልና ንነብር፡ ንመሰላት ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ብሕግን ብተግባር ኣኽቢርና ከመይ ብሰላም ብደሞክራሲ ብልምዓትን ብሓባር ንነብር ዝብል ርሑቕ ዝጠመተ ዛዕባ ኣለና። ገለ ከኣ ካልእ ጸገም የለን ጥራሕ ዓዲ ንእቶ ዝብል ሽነኽን ኣሎ እዚ ዘሰክፍ’ዩ። ቃልሲ ስለዝኾነ ግን ኩሉ ግዜ እናተኻታዕና፡ እናተመያየጥና ኢና ብዘተ ብምርድዳእ ነቲ ግጉይ ርእይቶ እንብሎ ክንስዕሮ እንኽእል። ንሳቶም’ውን ዘእምን እንተልይዎም ክስዑራን ከምኡ’ዩ ብስለት ዘለዎ  ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ። ግን እቲ ዝካየድ ዘሎ ዘስክፍ’ዩ። ምኽንያቱ ነቲ ንመሰል ዝቃለስ ወገን ኣነኣኢሶም ዝሪኡ፡ ልክዕ ከም’ቲ ጉጅለ ህግደፍ  ትሕቲ ሃገራዊ ስምዒታት እንዳበለ ዝጥቀመሉ ቃላት ዝጥቃሙ ሓይልታት ምህላዎም ኣጸቢቑ የስገኣኒ’ዩ።

                                  ካልኣይ ክፋል ይቕጽል

                        ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

                       E-mail address hdemocrasia@yahoo.com