ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራ&#466
δΤΡ γδ ήΘα omaal έν 09:13 ΥΘΗΝΗ - 30 09 1433 εά (17 08 2012 γ)

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ምስ ጋዘጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ

ሻድሻይን ናይ መወዳእታን ክፋል

 


ΚέΗΥνα ΗαΞΘΡ

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ምስ ጋዘጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ

ሻድሻይን ናይ መወዳእታን ክፋል

Journalist Amaneal.jpg

ሕቶ፡- ብርግጽ እቲ ናይ መንእሰይ ውዳበታት ከም’ቲ ዝበልካዮ ተስፋ ብዝህብ መልክዑ ይበራበር ኣሎ’ዩ። ግን ንጹሩነት ናይ ኣንፈት የድልዮ፡ ዝተነጸረ ኣንፈት እንተዘይሒዙ ጸላኢ ክጥቀመሉ ስለዚ ከኣ ዓንቀፍቀፍ ክብል ይኽእል’ዩ። ምስ’ዚ ብዝተታሓሓዘ ግን በዚ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕብታት ከመይ ተጸልዩ ይኸውን እንታይ ኣወንታዊ መልእኽቲ የሕልፈሉ ኢልካ ትርኢ?

ኣማኒኤል፡- ቅድም ኣብ ኤርትራ መንእሰይ ዝነበረ ሽግር ናይ ምብጋስ ሕቶ’ዩ ነይሩ። እታ ምብጋስ ትበሃል ነገር ዝዓበየት ብደሆ ነይራ፡ ሎሚ እቲ ተበግሶ ተወሲዱ ኣሎ። ከም’ቲ ዝበልካዮ ዘይከሓድ ካልእ ብደሆ ከዓ ኣሎ። ጥርናፌ ክንብል እንከለና፡ ኣብ ሓደ ጽላል ምእካብ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ርእይቶ ጥርናፌ ክረጋገጽ ኣለዎ። ኣእምሮታት ብሓሳብ ክሰምሩ፡ ሓደ ዓይነት ቃል ክዛረቡ ክኽእሉ ኣለዎም። ኣብ’ዚ ብናተይ ርእይቶ ናይ ደምበ ተቓውሞ ፖለቲካዊ ደገፍ የድሊ። ምኽንያቱ፡ ብሓርበኝነት ውልቃዊ ዋኒንካ ገዲፍካ ብረት ዓጢቕኻ ነቲ መንግስቲ ብሓይሊ ብረት ከንበርክኾ’የ ክትብል ትኽእል ኢኻ። እዚ ከም ዕማም ቀሊል ኣይኮነን ግን ቅድሚኡ ክግበር ዘለዎ ከኣ ይረኣየካ’ዩ። ንጹር ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ከይጨበጠ ብረት ዝዓጠቐ ሰብ ምናልባት ካብ’ቲ ዘምጸኦ ለውጢ፡ ዘስዕቦ ዕንወት ክዓዝዝ ይኽእል’ዩ። ሓሳብ ምስ ዓጠቕካ ብረት ክትዓጥቕ እንከለኻ ብዝያዳ ተተኣማምን ናይ ለውጢ ሓይሊ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ናይ ስነ-ሓሳብ ድዩ ክለሰ-ሓሳብ ደገፍ የድሊ። ስለዚ ኣብ ከምኡ እቲ ስክፍታ ኣብ ቦትኡ ኣሎ። እታ ቅድም ዝነበረት መሓንቖ ግን ምብጋስ እንድያ ንሳ ሕጂ መጺኣ ኣላ፡ ተበግሶ ንተበግሰኡ ከማን ውልቃዊ ተበግሶ። ሽዑ እቲ ኣብ ቃልሲ ነዊሕ ዝጸንሐት ብስለት ዘጥረየን ሓይሊ፡ ነዚ ብስምዒት ዝብገስ ዘሎ ሓድሽ ሓይሊ ናይ ሓሳብ ደገፍ ክህቦ ኣገዳሲ ኮይኑ ይረኣየኒ። ነዚ ሓድሽ ሓይሊ’ዚ ናይ ሓሳብ ደገፍ ምሃብ ከኣ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ነገር ኣይኮነን። እታ ምብጋስ ግን ሕጂ’ውን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚ ገይረ እወስዶ።

እቲ ናይ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ህዝባዊ ናዕብታት ዝበልካዮ፡ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ግዜ ናይ ሓይሊ ብረት ተጽዕኖ ስለዘሎ፡ ከም’ቲ ኣብ ምድሪ ፈርዖናት ዝረኣናዮ ክንርኢ ምናልባት ግዜ ክወስደልና ይኽእል’ዩ። ኣይክረአን ክንብል ኣይንኻልን ኢና ግዜ ግን ክወስደልና ይኽእል’ዩ። እቲ ህዝባዊ ናዕብታት ኣብ ዝተጀመረሉ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሰብ ዝሪኦን ዘይሪኦን ጽልዋታት ነይሩ’ዩ። ከም’ዚ’ውን ‘ባ ይከኣል’ዩ። ብረት ዓጢቕካ በረኻ ብምውጻእ ጥራሕ’ባ ኣይኮነን ለውጢ ዝመጽእ፡ ኣብ ውሽጢ’ውን ንተክኖሎጂ ዓጢቕካ ለውጢ ይመጽእ’ዩ። ንኣብነት ስርዓት ሙባረክ እንተደኣ ርኢናዮ፡ ብፌስ ቡክ ዝተዓልወ መንግስቲ’ዩ። ዘመን ብዘምጸኦ ተክኖሎጂ ዝተዓልወ መንግስቲ’ዩ። ስለዚ ተክኖሎጂ ንዝህበካ ነገር ተጠቒምካ ስርዓት ክዕሎ ይከኣል’ዩ ዝብል ስምዒታት ፈጢሩ’ዩ። ብዝኾነ ሕጂ’ውን ዝተርፈና ነገር ኣሎ ንሱ ድማ ኣብ ንጹር ዕላማ ጥርናፌ’ዩ። ብዙሕ ግዜ ከም ነብስኻ ምፍታው ገለ ዝብል ሕሜታ ኣሎ’ዩ። ኣነ ግን ከም ሽግር ኣይሪኦን’የ። ንሱ ኣይኮነን ሽግርና። ሽግርና ኣብ ሓሳብ ዘይምጥርናፍና’ዩ። ኣብ ህዝባዊ ርእይቶ ዝተጠርነፌ መንእሰይ ሓይሊ ንጸላኢ ሓደጋ ንወገኑ ድማ ተስፋ’ዩ። ምኽንያቱ ተኣምር’ዩ ዝሰርሕ፡ መንግስቲ ዝፈርሖ ድማ ንዕኡ ነቲ ኣብ ዕላማ ዝተወደበ መንእሰይ’ዩ። እቲ ህዝባዊ ናዕብታት ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክጅምር እንከሎ ብርግጽ ስግኣታት ነይሩ’ዩ። ክሳብ ኣብ ኮለጃት ሃየባ መዛኑና እኳ’ዮም ታሪኽ ዝሰርሑ ዘለው ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝብል ጻውዒት ዝሓዘ ጽሑፋት ይብተን ነይሩ’ዩ። ንሕና ካብኦም ብምንታይ ንሓምቕ ዝብል ናይ ቀለም ሰውራ ይካየድ ነይሩ’ዩ ውሽጢ ውሽጢ። እዚ ዝብለካ ዘለኹ ናይ ቀለም ሰውራ ናብ ሓደ ግሁድ ነገር ተቐይሩ ኣብ መድረኽ ብቓልዕ ስለዘይወጸ ግን ጽልዋ ኣይነበረን ክበሃል ኣይከእልን።

እቲ ኣብ ምድሪ ፈርዖና ብመንእሰያት ተበጊሱ ዝተመዝገበ ለውጢ ግን ብሓፈሽኡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ኣብ ኤርትራውያን ዝፈጠሮ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣሎ። ነቲ ንህግደፍ ብኩለመዳዊ ኣገባብ ቃልሲ ተጠቒምካ ምውጋዱ ዝብል ዝጸንሐ ቅኑዕ ኣንፈት መሰረት ገይሩ፡ ምስ ዘመና ዝኸይድ ኣገባብ ናይ ቃልሲ ተጠቒምካ’ውን መንግስቲ ክዕሎ ከም ዝኽእል፡ ዘይነዓቕ ትምህርቲ ዝቐሰመሉ’ዩ። ነዚ መዓስን ብኸመይን ናብ ግብሪ የሰጋገሮ፡ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራሕ ክኸውን ይክእል’ዩ። ካብኡ ብዝተረፈ ዝበዝሕ  ኤርትራዊ መንእሰይ ምስ መንግስቲ ህግደፍ ኣሎ ኢልካ ክትሓስብ ዝከኣል ኣይኮነን።

 ሕቶ፡- ዝለዓለ እጃም ዝወስድ ብታሪኽን ብሕጊ ዝሕተተሉ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ፡ ግን ከኣ ንህግደፍ ድኹዒ ዝኾኖ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ድሩት ፖለቲካዊ ንቕሓት እዩ ዝብሉ ወገናት ኣለው፡ ብወገንካ ነዚ ብኸመይ ኢኻ ትርእዮ?

ኣማኒኤል፡- ብመጀመርያ ነገር ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ንፈልጦ፡ ንሕና ‘ውን ኣካሉ ከም ምዃንና መጠን፡ ንዝሓለፈ ሓደ ክፍለ-ዘመን ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲ እናተበራረዩ ዝደቖስዎ፡ ዘድከይዎ፡ ንቕሓቱ ከም ዘይብርኽን ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ዕንክሊል ከም ዝብል ክገብርዎ ዝጸንሑ ህዝቢ እዩ። መግዛእታዊ ሓይልታት ከምኡ ክገብርዎ ዘኽኣሎም ምኽንያታት ነይርዎም እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓይሉ ንኸይወጽእ፡ ናቱ ሃገር፡ ባንዴራን መንግስትን ንኸይተክል ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ናይ ድሕረት መንገዲ እናመዝመዙ  ከዳኽምዎን ሓድነቱ ከይሰጥም ክበታትንዎን ይጽዕሩ ነይሮም። እዚ ካብ ሓደ ባዕዳዊ መግዛእቲ ትጽበዮ ነገር’ዩ ዝኸውን። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኹሉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘቐመጥሉ መሰናኽላት ፈንጢሱ ቅልጽሙ ኣስሚሩ ተቓሊሱ ኣብ ስልጣን ዘምጽኦ ስርዓት ከኣ ተመሊሱ ጠላሚኡ ኮይኑ።  ኣብ ግዜ ባዕዳውያን ገዛእቲ ርእይዎ ብዘይፈልጥ መንገዲ ኣብ ድኽነትን ጭቆናን ክነብር ፈሪድዎ ኣሎ። እዚ ስርዓት እዚ ካብ ሃገራዊ መንግስቲ ክንብሎ መቐጸልታ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክንብሎ እቲ ልክዕ ስሙ እዩ ዝኸውን። ነተን ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝጥቀሙለን ዝነበራ ሜላታት ከም ዘለወን ቀዲሑ ሓድነት ህዝቢ ከዳኽም፡  ህዝቢ ሰሚሩ ነዚ መንግስቲ’ዚ ንእለዮ ኣብ ዝብለሉ ደረጃ ንኸይበጽሕ ብዙሕ መሳናኽላት’ዩ ዝገብር። ህዝቢ ኤርትራ ከም’ቲ ንባዕዳውያን ገዛእቲ ንምፍንጣስ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ ንክስምር ዝጽዕሮ ዝነበረ ሕጂ ‘ውን ከምኡ ንክገብር ይጽዕር’ዩ ዘሎ። ምናልባት እቲ ዓቕሚ ድሩት ወይ ውሱን ስለዝኾነ እቲ ዝድለ ለውጢ ቀልጢፉ ክመጽእ ኣይከኣለን።

 ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካዊ ንቕሓት ሽግራት ኣሎ ኢልካ ክዝረብ ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ተቓሊሱ ሃገር ዘምጽአ ህዝቢ እዩ። ናይ ፖለቲካዊ ንቕሓት ሽግር ዘለዎ ህዝቢ ድማ ተቓሊሱ ሃገር ከምጽእ ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ ናይ ንቕሓት ሽግር ዘይኮነ ኣብቲ ንቕሓት ንኸይሰምር እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ብትምክሕቲ ዝተላዕጠጠ ጉጅላዊ መንግስትን ካልኦት ናይ ድሕረት ሓይልታትን  በቲ ዘይመሰረታዊ ኣሉታዊ ስምዒታት እንዳኣተው ኣብ ረብሕኦም ንምውዓል ይምዝምዝዎ ስለዘሎ እዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ሓደ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ወይ ‘ውን ብሓደ ቋንቋን ክዛረበሉ ኣብ ዝጅምር ግዜ እቲ ስርዓት  ከም ዘየለ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ህልውንኡ ከረጋግጽ እንተኾይኑ ህዝቢ ሓድነቱ ከየረጋግጽ፡ ኣብ ሓደ ናይ ለውጢ መኣዲ ክዓስል ወይ ‘ውን ብናይ ደሞክራሲ ቋንቋ ክዛረብ የብሉን። ነዚ ክገብር ከኣ ንቕሓት ህዝቢ ክዳኸም ኣለዎ። ንቕሓት ዘዳኽም ድማ ምጉጅጃል’ዩ። እቲ ስርዓት ድማ ነዘን ናይ ምጉጅጃል ረቛሒታት እናምጸአ ነቲ ህዝቢ ክበታትኖ እዩ ዝፍትን። ሕጂ ዋላ’ኳ ክንድ’ቲ ንደልዮ እንተዘይሰጎምና እቲ ህዝቢ ግን ሓያል እዩ ዘሎ። ህዝባዊ ግንባር /ህግደፍ/ እታ ሓንቲ ሕጂ ዝሽቅጠላ ዘሎ ሜላ ናጽነት ኣምጺአልካ እየ እሞ ከም ድላየይ ገይረ ረጊጸ ክገዝኣካ እየ ትብል እያ። ናጽነት ዋንነቱ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ናይ ማንም ኣይኮነን። እዚ ስርዓት እዚ ኣብ እንግድዓ ናይ ህዝቢ ተጸይሩ ዝመጸ ስርዓት ድኣ’ምበር ናጽነት ዘምጽአ ስርዓት ኣይኮነን። ታሪኽ ኤርትራ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ዘይኮነ ታሪኽ መላእ ሰውራታት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን እዩ። ዋንኡ ኸኣ ህዝቢ ኤርትራ ዩ። ህግደፍ ህዝቢ ከፋንዎ ምዃኑ ስለዝፈልጥ ንህዝቢ ብኣውራጃ፡ ሃይማኖት፡ ብሄር ክኸፋፍሎን ብትንትን ከብሎ ዝጽዕር ዘሎ። ኣብ ሓደ ናይ ምስማር ሽግራት ከም ተርእዮ ኣሎ፣ ግን እቲ ንፈልጦ ትሪ እቲ ንፈልጦ ሓድነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጠቕሊሉ ሃሲሱ እዩ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ኣነ ከም ጋዜጠኛ መጠን ሓንቲ ኣብነት ክጠቕሰልካ፡ ኣብ ሜድያ ወትሩ ለካቲት ክመጽእ እንከሎ ኣብ መስኮት ቴለቭዥን ኤርትራን ድምጽ ሓፋሽ ኤርትራን ብዛዕባ ሻድሻይ ወራር ስርሒት ፈንቅል እዩ ዝመጽእ። ወርሒ መጋቢት ክመጽእ እንከሎ ብዛዕባ ናደው ትዛረብ፡ ሕጂ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፈ ወተሃደራዊ ጅግንነት ምዝንታው ኣይኮነን ዘድልዮ ዘሎ። እቲ ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ጅግንነት ‘ውን እንተኾነ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ‘ምበር ናይ ህዝባዊ ግንባር /ህግደፍ/ ጅግንነት ኣይኮነን። ንሳቶም ግን ከም ናታቶም ገይሮም ክቐርጽዎ ስለዝደልዩ፡ ኣብቲ ታሪኽ ንሳቶም ላዕለዋይ ኢድ ከም ዝነበሮም ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ብሓፈሻ ኣብ’ቲ መንእሰይት ትውልዲ ድማ ብፍላይ ከስርጽዎ ስለዝደልዩ፡ ንሕና እኮ ከምዚ ኢና፡ ንሕና እኮ ናጽነት ዘምጻእና ኢና ይብሉ። ንመን ሒዞም ኣብ እንግድዓ መን ተጸይሮም ድዮም ኣምጺኦሞ። ታሪኽ፡ ታሪኽ ውድባት ወይ ጉጅለታት ኣይኮነን ታሪኽ ህዝቢ እዩ።

ስለዚ ብኹሉ ነገር ህዝቢ ርሒቕዎም ከም ዘሎ ህዝቢ ይፍንፍኖም ከም ዘሎ፡ ካብ ህዝቢ በብመዓልቱ ብማይላት እናረሓቑ ይኸዱ ከም ዘለው ይፍለጦም ስለዘሎ፣ ከምዚ “ዝኸሰረ ነጋዳይ ናይ ሕሉፍ መዛግብቲ ይግንጽል” ዝበሃል፡ ነቲ ናትና’ዩ ዝብልዎ ግን ከኣ ናይ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ሰውራ ኤርትራን ዝኾነ ጅግንነት ንቕድሚት እናምጽኡ ኣብ’ታ ናጽነትን ልዑላውነትን ትብል ነገር ተንጠልጢሎም ክነብሩ ይደልዩ። ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ጸላእቲ ኣለውኻ እናበሉ ጸላእቲ ይፈጥሩ’ሞ፡ እዞም ጸላእቲ ንልዑላውነት ኤርትራ ክግህሱ ንኤርትራ ናብቲ ዝነበረቶ ክመልሱ ዝደልዩ ‘ዮም ኢሉ ነቲ ህዝቢ ይነግሮ። ብድሕር’ዚ ኣብ ክንዲ ጸላኢኡ ኣብ ውሽጢ ከም ዘሎ ዝፈልጥ ጸላኢኡ ኣብ ግዳም ከም ዘሎ ጌይሩ ከም ዝሓስብ ምግባር እዩ እቲ ተልእኾን ስትራተጂን ናይቲ ሚኒስትሪ። እቲ መንግስቲ ‘ውን ብኸምዚ እዩ ክቐርጾ ዝደሊ ነቲ ሚድያ። ከምዚ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ሓያል እዩ ዘሎ። ዝመርሖ፡ ዝውድቦ ከም ሕመረት ኮይኑ ዘማእክሎ ዘንቀሳቕሶ ሓይሊ ይደሊ። ስለዚ  ሽግርና  ናይ ጥርናፈ ጸገም’ዩ እየ ዝብል ኣነ።

ሕቶ፡- ብሓቂ ናይ ጥርናፈ ሽግር እዩ! እንተዘይኮነ እቲ ሓያልነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ትማሊ ብተግባር ዝተመስከረ ስለዝኾነ ድኹም ህዝቢ እዩ ኢልካ ክትገልጾ ዝከኣል ኣይኮነን። ናብ ካልእ ሕቶ ከስግረካ፣ ነጻነትና ዘይከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብመስዋእቲ ዘምጻእናዮ’ዩ ዝብል ብተደጋጋሚ ዝስማዕ ነገር ኣሎ። ቀዳማይ ነገር ንምንታይ ምስ ካልኦት ክወዳደር ይድለ? ካልኣይ ይብዛሕ ይውሓድ መስዋእቲ ከይከፈላ ነጻነተን ዝተጎናጸፋ ሃገራት ኣፍሪቃ’ኸ ኣለዋ ድየን፣ ኣብዚ ገለ ኣፍልጦ እንተለካ?

ኣማኒኤል፡- ሕጂ ‘ውን ናብታ ምውድዳር ትባሃል ኢና ክንመጽእ፡ ኩሉ ግዜ እቲ ስርዓት ነቲ ህዝቢ ኣብ ናይ ምውድዳር ስነ-ኣእምሮ ኣእትዩ እዩ ከንብሮ ዝደሊ። እቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ቃልሲ ተዓዊቱ ሃገር ኣምጺኡ። እዚ ድማ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ እዚ ታሪኽ እዚ ታሪኽ ህዝቢ እዩ። ሃገራት ኣፍሪቃ ነጻነተን ብትካቦ’ዩ ተዋሂብወን ንሕና ግን ብመስዋእቲ ኢና ኣምጺእናዮ ይብሉ። ልክዕ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ ብቕልጽሙ’ዩ ነጻነት ኣምጺኡ። ህዝብታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ‘ውን ልክዕ ከም ህዝቢ ኤርትራ ብቕልጽሞም ‘ዮም ኣምጺኦሞ ብትካቦ ዝመጽእ ነጻነት የለን። እዚ ግን እንታይ እዩ ታሪኽ ጠጠምዚዝካ ነቲ ህዝቢ ንነብሱ ከም ፍሉይ ህዝቢ ገይሩ ከም ዝርእያ ምግባር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ እየ ኢሉ ዝሓስብ ህዝቢ ኣይኮነን። እቲ ስርዓት እዩ ፍሉይ ህዝቢ ጌይሩ ክቐርጾ ዝደሊ። ህዝቢ ኤርትራ ጭዋ ህዝቢ እዩ። ጭዋ ህዝቢ ግን ኣብ ኤርትራ ጥራይ ኣይኮነን ዘሎ ኣብ ካልእ ‘ውን ኣሎዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓያልን ተቓሊሱ ናጽነት ዘምጽአን ህዝቢ እዩ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎው ህዝብታት’ውን ከምኡ ተቓሊሶም ባንዴርኦም ዘምጽኡ ህዝብታት’ዮም። ንምንታይ እዩ ግን ኣብ ምውድዳር ክእቶ ዝደሊ ዘሎ ንህዝቢ ኤርትራ ብትምክሕቲ ዝሰኸረ መን ከማይ በሃሊ ህዝቢ ጌርካ ንምቕራጽ እዩ። ትምክሕታዊ ኣተሓሳስባታት ዘለዎ ህዝቢ ድማ ንቕሓቱ እናበረኸ ዘይኮነስ እናተሓተ’ዩ ዝመጽእ። ትሑት ንቕሓት ዘለዎ ህዝቢ ድማ ነቲ ስርዓት ኣስጋኢ ኣይኮነን።  ዜርካ ዜርካ ነታ ካብ ህዝቢ ከይትመጾ ዝፈርሓ ዘሎ ስግኣት ንምእላይ’ዩ እቲ ዕላማ።

ሓንቲ ኣብነት ከምጽኣልካ ብዛዕባ ኔልሰን ማንዴላ ዘይፈልጥ ሰብ የለን። ኔልሰን ማንዴላ ንኣፍሪቃውያን እንታይ እዩ ዝውክል ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባ ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ማዕከናት ዜና ስርዓት ህግደፍ  ክንድቲ ክትገልጾ ትኽእል ኣይትዛረብን ኢኻ ክልኩል እዩ። ምኽንያቱ ናይ’ዞም ሰባት ታሪኽ ምምጻእ ማለት ታሪኽ ኢሰያስ ከም ምህሳስ’ዩ ዝውሰድ። ዋና ታሪኽ ህዝቢ ክነሱ ህዝባዊ ግንባር /ህግደፍ/ ጨውይዎ። እቲ ጭውያ ተጠቕሊሉ ናብ ሓደ ሰብ ኣትዩ። ሕጂ ነዛ ናጽነት ኣዋዲኣ ህዝቢ ዘይኮነ ኢሰያስ እዩ ኮይኑ ዘሎ። እቲ ምውድዳር ቀጻሊ እዩ። ሃገርና ደሴት ሰላም እያ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ዘይብሉ ዞባ ንበይንና ደሴት ናይ ሰላም ፈጢርና ንነብር ዘለና ህዝቢ ኢና። ኣብ ዝጠመየ ቦታ ንበይንና ርህዩና ጸጊብና ንነብር ዘለና ህዝቢ ኢና፡ እናበልካ ንሰብ ኣብ ሃለውለው ከም ዝህውትት ምግባር እዩ። ዝሃውተተ ኣእምሮ ኸኣ ሰሚሩ ንመንግስቲ ኣይቃወምን እዩ። ስለዚ እቲ ምውድዳር ነዚ እዩ ተደልዩ። እምበር ከም’ቲ ዝበልካዮ ዋጋ ከይከፈለ ነጻነት ዘምጽአ ህዝቢ ይትረፍ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝኾነ ካልእ ከባቢ ዓለም ‘ውን ክርከብ ኣይክእልን እዩ። ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ዋጋ ዝኸፈለሉ ካልኦት ‘ውን ንነጻነቶም ይብዛሕ ይውሓድ ዋጋ ከፊሎምሉ እዮም። ከምዚ ዓይነት ትምክሕቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክቕረጽ ስለዝድለ ዘሎ እዩ እቲ ምውድዳር ዝመጽእ ዘሎ።

ሕቶ፡- ሕራይ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ዝሓዝክዎ ሕቶታት ኣብዚ ወዲአ ኣለኹ። ምናልባት ዘየልዓልናዮም ክበሃሉ ኣለዎም ትብሎም እንተለካ  ዕድል ክህበካ?

ኣማኒኤል፡- ኣነ ኣብ መወዳእታ  ብሓንቲ ዝዝክራ ዘረባ ገይረ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይደሊ። ንሳ ኸኣ እንታይ እያ፡  ህዝባዊ ናዕቢ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ዝተላዕለሉ ግዜ መራሒ ናይ ሊብያ፡ ህዝቡ ካብ ስልጣን ውረድ ሃብቲ ሃገርን ሃብቲ ህዝብን ምምዝማዝ የብቅዕ፣ ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ ኢሎም ጭርሖታት ከስምዑ እንከው፡ ሙዓመር ቓዛፊ ኣብቲ ኣደባባይ መጺኡ መጀመርያ ብላግጺ ገይሩ እዚ ህዝቢ’ዚ ሓሽሽ ድኣ ወሲዱ እንተኾይኑ እምበር፡ ንዓይን ንመንግስተን ንምልዋጥ ብኸመይ ይብገስ ኢሉ ተዛሪቡ። ዳሕራይ ግን እቲ ህዝቢ ለውጢ ይደሊ ከም ዘሎ ብድምጹ ከስምዕ ምስ ጀመረ ሙዓመር ቃዛፊ ነቲ ናይ ብሓቂ ትምክሕታዊ ባህርያዊ ኣውጺኡ፣ ኣበይ ዘለኹም ድዱዓት ህዝቢ ኢኹም ንመንግስተይ ትብድህዎ ኢልዎም። ኣብቲ ቕንያት እቲ ኣብ ቴለቪዥን ኣልጀዚራ ኣብ መደብ ኣልትጃ ኣልዓክስ ክልተ ተማጎቲ መጺኦም ብዛዕባቲ ኣብ ሊብያ ዝነበረ ኩነታት ይዛረቡ ነይሮም። እቲ ሓደ ተማጓቲ እዝ’ስ እንታይ ዓይነት መራሒ እዩ ንህዝቡ ድዱዕ ኢሉ ዝገልጾ ኢሉ ተዛሪቡ። እቲ ሓደ ኸኣ ትቕብል ኣቢሉ ህዝቢ ሊብያ ድኣ ድዱዕ እኳ ክውሕዶ ን42 ዓመታት ብሓደ መራሒ ዝምራሕ ኢልዎ። እቲ ካልኣይ ዝተዛረቦ ዘረባ እንቋዕ በሎም ወይ ‘ውን ብሓደ ውልቀ መላኺ ን42 ዓመታት ምግዝኦም ደስ ስለዝበሎ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ወጽዓ ናይ’ቲ ህዝቢ ተሰሚዕዎ ብሕርቃን ዝተዛረቦ ዘረባ እዩ። 

ንሕና ‘ውን ብድምጽና ብዘይ መረጽናዮ ሰብ ን21 ዓመታት ተገዚእና ኣለና። እዚ ኣካይዳ’ዚ ከም ዘለዎ ንክቕጽል እንተድኣ ኣፍቂድና ድማ ክቡራት ህዝቢ፡ ዲሞክራስያዊ መሰል፡ ለውጢ፡ ፍትሒ፡ ምዕባለ፡ ልምዓት ንደሊ ህዝቢ ምዃና ተሪፉ፡ እቲ ስርዓት ደረት ኣልቦ ትምክሕትን ትዕቢትን ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ እናማዕበለ ክመጽእ ከም ዝኽእል ፍሉጥ ነገር እዩ። ስለዚ ከምቲ ህዝቢ ሊብያ ድዱዕ ዝተባህሎ ድዱዕ ንበሃለሉ ግዜ ከይመጸ እንከሎ ነዚ ስርዓት ክንኣልዮ ኣለና። ድዱዕ ክንብሃል ዘይኮናስ ክቡራት ህዝቢ ምዃና ብተግባር ከነርእዮ ኣለና። እቲ መንገዲ ድሮ ተጀሚሩ ኣሎ ናብ ማዓልብኡ ዝበጽሓሉ መንገዲ ክቀላጠፍ ድማ ናይዛ እዋን እዚኣ መድረኻዊት ሕቶ እያ። ህግደፍ ከዐርዮ እየ እንተበልካ ‘ውን መዐረይ ዝኸውን ሃጓፋት የብሉን። ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ ብገበን ዝጠስጠሰ ስርዓት ስለዝኾነ፡ ምስዚ ስርዓት እዚ ዝኾነ ይኹን ዝርርብ ኣየድልን እዩ ነውኒውካ ምጽዳፉ ጥራሕ እዩ ዘድሊ። ነዚ ስርዓት ኣጽዲፍካ ድማ ህዝባዊት ዲሞክራስያዊት ሃገር ምህናጽ።

ሕራይ እምበኣር ዝኸበርካ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ንስለ’ቲ ዝሃብካኒ ሰፊሕን ዝርዝርን ሓበሬታ ብስመይን ብስም ሰማዕቲ ሬድዮ ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ የመስግነካ፡ የቐንየለይ።

 ኣነውን ንስለቲ ሓሳባይ ከካፍል ዝረኸብክዎ ዕድል የመስግን።

                            E-mail address ( hdemocrasia@yahoo.com)