ምስ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ዝገ&#470
δΤΡ γδ ήΘα omaal έν 07:41 ΥΘΗΝΗ - 18 09 1433 εά (05 08 2012 γ)

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ምስ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ዝገብረቶ ቃለ-መጠይቕ

ራብዓይ ክፋል


ΚέΗΥνα ΗαΞΘΡ

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ምስ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ ዝገብረቶ ቃለ-መጠይቕ

ራብዓይ ክፋል

Journalist Amaneal.jpg

ሕቶ፡- ወኪላት ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ካብ ዞባታት ኮነ ካብ ወጻኢ ዘመሓላልፍዎ ጥረ ሓቅታት ከም እንደገና ተጸሚቑን ተመላኺዑን እዩ ዝቐርብ ብዛዕባ ዝብሃል ጉዳይ’ከ እንታይ ክትብለና ትኽእል?

ኣማኑኤል፡- እዚ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ሓቂ እዩ። ኣብ ነፍስ-ወከፍ ንኡስ-ዞባ ናይ ኤርትራ ሓደ ወኪል ዜና ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ዞባ-ደቡብ 12 ንኡሳን ዞባታት እንተሃልየን ኣብ 12 ንኡሳን ዞባታት 12 ወከልቲ ዜና ኣለው። ነዚኣቶም ዘማእክሎም ከኣ ኣብ ማእከላይ ዞባ ናይቲ ቦታ ኣሎ። ንዕኡ ዘማእክልዎ ድማ ኣብ ኒውስ-ሩም ዝተባህለ ኣሃዱ ሚኒስትሪ ዜና ኣለው። ካብ ነፍስ-ወከፍ ንኡስ ዞባ ዝተላእከ ጸብጻብ ኣብቲ ማእከላይ ቦታ ናይቲ ዞባ ይምልኣሉ፡ ካብኡ ምስ ሓለፈ ኸኣ ኣብቲ ኒውስ-ሩም ዝተባህለ ቦታ ይውሰኸሉ። ሕጂ እንታይ ይብሉ እቶም ጋዜጠኛታት ኣነ ዝጸሓፍክዋን ዝለኣኽክዋን ከምዚ እያ ትብል ነይራ ኣብ ዜና ዝተመሓላለፈ ድማ ዝተፈልየ እዩ ይብሉ። ብድሕር’ዚ ኣሃ! ከምዚ እናበልካ እዩ እምበኣር ዝጽሓፍ፣ ከምዚ እዮም ዝደልዩ እናበልካ ንነብስኻ ሳንሱር ክትገብራ ትጅምር። ምኽንያቱ ዝጸሓፍካዮ ጽሑፍ ተቖራሪጹ እዩ ዝኸይድ። ምስ ግዜ እቲ ወኪል ወይ ጠርናፊኻ እንታይ ይብለካ፡ ኣነ ዜናኻ ከምእንደገና ክጽሕፎ ኣይኮንኩን ከምዚ ጌርካ’ዩ ዝጽሓፍ ከምኡ ጌርካ ጽሓፎ ይብለካ። ብድሕር’ዚ እቲ ጋዜጠኛ ከምዚ ዓይነት ቃላትን ሓረጋትን’የ ክጥቀም ዘለኒ ብምባል ምስ ግዜ ከምቲ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ዝደልዮ ምስራሕ ይጅምሩ። ብኸምዚ ኣገባብ ዘጽረይዎም ሕጂ ብዘይ ኣሰናዳኢ ዕሉላት ካድራት ኮይኖም ነዚ ዜና ከምቲ ዝድለ ጌይሮም ይሰርሕዎ። ሓደስቲ ጋዜጠኛታት እንተድኣ ኮይኖም ድማ ዘዝሰደዱልካ ዜና ኣብ ማእከለይ ቦታ ኮይንካ ጸሚቑኻ ኣመላኺዕኻ ሓረጋት ወሲኽኻ ዝጎድል ኣጉዲልካ ዝውሰኽ ወሲኽኻ ትሰዶ።

ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ሓቲትካ ዝስራሕ ዜና የለን። ወግዓዊ ምንጪ ናትካ ኣማሓዳሪ ናይቲ ትነብረሉ ቦታ እዩ። ኣመሓዳሪ ዝበሎ ዜና ይኸውን። ወይ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ምምሕዳር ዝሰርሑ ሓደ ሓደ ንጥቕምን ካልእን ኢሎም ለቑመጽመጽ ዝብሉ ካድራት ከኣ፡ ወኪላት ቤት ጽሕፈት ክነሶም ከም ወኪላት ናይ ህዝቢ ጌርካ ቃለ-መጠይቕ ትገብረሎም። ብድሕር’ዚ እዚ ድምጺ ናይ ህዝቢ’ዩ እዚ ኸኣ ድምጺ ናይ መንግስቲ ‘ዩ ኢልካ ኣወሃሂድካ ዜና ትሰርሕ። ስለዚ እቲ ተዋስኦ ናይ ሚኒስትሪ ዜና ብዝለዓለ ኣገባብ እዩ ዝስርሓሉ። ኣተሃናንጻን ኣሰራርሓን ናይ ዜና ከምዚ እዩ ዝመስል።

ሕቶ፡- ኣብ ኤሪ-ቲቪ ዝቐርብ ሓደ ዘብለጭልጭ ናይ ልምዓት መደባት ኣሎ፣ ከምዚ ኣቐዲምካ ዝገለጽካዮ ናይ ልምዓት ፖሊሲ ዘለዎ መንግስቲ የለን፣ ዝሓትት ባይቶ ‘ውን የለን ኣብ ኤርትራ፣ ግን ድማ ኣብ ወጻኢ ዘለው መጋበርያታት ናይ ህግደፍ ክብሎም ይደፍር፡ ሃገር ትለምዕ ኣላ፣ መንግስቲ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ ዝብል ወረታት ከናፍሱ ይስምዑ’ሞ ነዚ ከመይ ክትገልጾ ትኽእል?

ኣማኒኤል፡- እወ እዚ ኣብ ደገ ዝግበር ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩልካ ተልእኾ ናይ 03 ስርሒት እዩ። 03 ዘይጭበጥ ዘይድህሰድ ግን ድማ ዓቢ ባጀት ዝስልዓሉ ዓቕሚ ሰብ ዝምደበሉ ዓቢ ትካል እዩ። መንግስቲ ህግደፍ እኮ ብ03 እዩ ዝናበር ዘሎ። ሕጂ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብመደብ ወይ ብተልእኾ ‘ዮም ዝፍጽምዎ። ንኣብነት ሓደ ኣብ ደገ ንጡፍ ኣባል ኤምባሲ ዝኾነ ካድር፡ ሓደ ክረምቲ ስድርኡ ክርኢ ኢሉ ናብ ኤርትራ በጺሑ ናብቲ ዝቕመጠሉ ሃገር ምስ ተመልሰ ዝረኣዮን ዘይረኣዮን እዩ ነቶም ምስኡ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣባላት ማሕበረ-ኮማት ክሳብ ናይ ዓይኒ ምስክር ተባሂሉ ኣብ ኣኼባታት መብርሂ ዝገብር። እዚ ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ናይ ማይክሮፎን ወይ ቪድዮ ካሜራ ባዕላቶም እቶም ሓለፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝነግሩና ሓበሬታ እዩ። እዞም ናይ ዓይኒ ምስክር ኢና ዝብሉ ሰባት ዝተዛረብዎ ዘረባ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ይቐርብ፡ በቃ ሽዑ መረጋገጺ ዝኾነካ ባጅላ ረኺብካ ማለት እዩ። 

ሓደ ሓደ ግዜ ቴለቪዥን መደናገሪ እዩ፡ ናይ ግራፊክስ ቴክኖለጂ ተጠቂምካ ብዙሕ ምምልኻዓት ስለዘሎ ነቲ ሓቀኛ ከውንነት ኣይገልጾን እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ መታን ከይመጽእ፣ እነሆ እኳ እከለን እከሊትን ተዓዚቦም መጺኦም እናበልካ ህዝቢ ናይ ምድንጋር ሜላታት ኣሎ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ‘ውን ንስድርኦም ክርእዩ ኢሎም ዝመጹ ዜጋታት ወዲብካ ናብቲ ናይ ልምዓት ዝብሃል ቦታ ወሲድካ ዲጋታት ተርእዮም፡ ናብ ሓንቲ ፍርያታ ናብ ህዝቢ ዘይተብጽሕ ናይ ሕርሻ ቦታ ወሲድካ ተርእዮም። ብድሕር’ዚ እቲ ኣብዚ ዝፈረየ ፍርያት ማዕረ ክንደይ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ህዝቢ ተጠቃሚ ይኸውን ከይበሉ ዝተዓዘብዎ ነገራት ከይዶም ናይ ዓይኒ ምስክር ኢሎም ህዝቢ ኣኪቦም የውርዩ። ስለዚ እቲ ዝብሃል ብዝተወደበ መንገዲ እዩ ዝካየድ።

ሕቶ፡- መንግስቲ ህግደፍ ንኤርትራ ካብ ዘመሓድር ዳርጋ 21 ዓመታት የሕሊፍና ኣለና፡ ክሳብ ሎሚ ግን ንናይ መንግስቲ ጉድለታት ዝነቅፍ ብማዕከናት ዜና ህግደፍ ክቐርብ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። እንተቐሪቡ ‘ውን ኣብቲ ታሕተዋይ ክፍልታት ዘሎ ኣብ ቤት-ጽሕፈታት እከለ ዞባ እከለ ዝብል እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ወሳኒ ኣካል ኣይውቀስን እዩ ክውደስ ጥራሕ እዩ ዝስማዕ፣ የብሉን ድዩ ዘውቅስ ነገራት? እቲ ህዝቢ ከይብለኒ ኢሉ ከመሓይሾ ኣይክእልን ድዩ? ከም ኣባል ናይቲ ሚኒስትሪ መጠን ከመይ ኢኻ ትርእዮ ነዚ?

ኣማኒኤል፡- ዜርና ዜርና ናብቲ ተልእኾ ዝብሃል እንዲና ክንምለስ፡ እቲ ተልእኾ ምድንጋር ክሳብ ዝኾነ ሓቂ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እታ ሕመረት ጉዳይ እታ ተልእኮ እያ፡ እንታይ ዓይነት ተልእኾን ስትራተጂን ክኽተል ምስ ተዋህቦ እዩ’ሞ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታት ኣውጺኡ ክመሚ። እታ ተልእኮ ንሳ ክሳብ ዝኾነት ዝሰማዕካዮ ገዲፍካ ዘይሰማዕካዮ ዝረኣኻዮ ገዲፍካ ዘይረኣኻዮ ትጽሕፍ። ሓንቲ ኣብነት ከምጽኣልካ፡ ብዛዕባ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ሳዋ ከመይ ኣሎ ዝብል መደብ ንምስራሕ፡ ምስ ሓደ ካሜራ ማን ኮይንና ናብ ሳዋ ኬድና። ኣብ ሳዋ  ብዙሕ ብዙሕ ዘሕዝን ኣተሓሕዛ ናይ ተመሃሮ ኢና ተዓዚብና። ንሕና ግን ተልእኾና ንሱ ኣይኮነን ተልእኾና ምስሊ ናይ ሳዋ ምጽብባቕ እዩ። ተማሃሮ ናይ ሳዋ ብሓቂ ደስ ኢልዎም ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ብትግሃት ተሳቲፎም ብትምህርቲ ጽቡቕ ተስፋን ራእን እናተራእዮም ይመሃሩ ከም ዘለው ኣምሲልካ፡ ሳዋ ከም ማእከል ወተሃደራዊ መዓስከር ዘይኮነስ ከም መኣዲ ፍልጠትን ሞያን ጌርካ ምቕራጽ እዩ እቲ ቀንዲ ተልእኾና። ስለዚ ብእዝንና ዝሰማዕናዮን ብዓይንና ኬድና ዘረጋገጽናዮን ሕማቕ ነገራት ኣብ ካሜራና ኣይንቐድሖን ኢና ምኽንያቱ ተልእኾና ንሱ ኣይኮነን።

 ኣብቲ ቦታ’ቲ ሓደ መማህርተይ ዝነበረ መምህር ረኺበዮ፡ እሞ ከዛውረካ  ኢሉ ኣብ ሳዋ የዛውረኒ ነይሩ። ከዛውረኒ ደልዩ ዘይኮነስ ኮነ ኢሉ ኣነ ዘይረኣኽዎን ዘይፈለጥክዎን ግን ድማ ክርእዮ ዝደለዮ ነገር ስለዝነበረ እዩ ዘዋውረኒ ነይሩ። ምሸት ምስ ኮነ ናብቲ ክፍላተ ሰራዊት ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ከድና፡ መብዛሕትአን ደቂ-ኣንስትዮ ካብቲ መንበሪኤን ሃንገር ወጺኤን ኣብቲ ጎልጎል ኣንሶላ ወይ ጨርቂ ኣውጺኤን ይድቅሳ ነይረን፣ እተን ተመሃሮ ኣባላት 25 ዙርያ እየን። ኣነ ድማ ሃሩር ስለዝኾነን እየን ኢለ። እቲ መማህርተይ ኣማኑኤል ኢሉኒ እዞም ኣባላት 25 ዙር ጠቕላላ ቁጽሮም 17.000 እዩ። ከባቢ ፍርቂ ዝኾና ድማ ደቂ-ኣንስትዮ እየን። እዘን ከባቢ ሸውዓተ ሸሞንተ ሽሕ ዝኣኽላ ደቂ-ኣንስትዮ ንምንታይ እየን ኣብ ደገ ደቂሰን ዘለዋ ኢሉኒ? ኣነ ድማ እንድዒ ንስኻ እምበር ንገረኒ ኢለዮ፡ ኣየ እንዳዜና እታ ዓይኒ ናይ ካሜራኹም ዝረአ ገዲፋ ዘይርአ እንድያ ትርእይ ኢሉኒ፣ እዘን ወጺአን ኣብ ደገ ደቂሰን ዘለዋ መደቀሲአን ብቑንጭን ቁማልን መሊኡ መደቀስን መጽንዕን ስለዝሰኣና እየን ኣብዚ ኮይነን ዘጽንዓን ዝድቅሳን፡ ዓይኒ ካሜራኹም ግን ነዚ ኣይትርእን እያ ኢሉኒ። ኣነ ግን ተሓንጊጠዮ ዝመጻእኹ ተልእኾ እዚ ኣይኮነን፡ መሊአዮ ሒዘዮ እንተኸድኹ ‘ውን ዘምጽኦ ለውጢ የለን ንነብሰይ ኣብ ሓደጋ ንምእታው እንተዘይኮይኑ ፋይዳ ዘለዎ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ጉዳይ ኣይኮነን ትንእድ ዘለኻ መሲሉካ ነቲ ድኹም ጎኒ ዘርኢ ቃላት ተተጠቒምካ፡ ወይ ‘ውን ኣብ ካሜራኻ እንተቀዲሕካ፡ ንምንታይ ነዚ ስእሊ’ዚ ክትቀድሕ ካሴታት ወዲእኻ መጺእካ ይብሉኻ። ስለዝኾነ ዝተመርጻ ዘረባታት ዝተመርጻ ስእልታት ዝተመርጻ ቃለ-መጠይቓት ሒዝካ ኢኻ ትምለስ፡ ምኽንያቱ  እቲ ስትራተጂ በዚ ተልእኾ ዝተቓነየ ስለዝኾነ።

ሕቶ፡- ብዛዕባ ናይ መንግስቲ ህግደፍ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ማለት ኣብ ፖለቲካን ዲፕሎማስን ኣመልኪቱ ሚኒስትሪ ዜና ከመይ እዩ ዘቃልሖ?

ኣማኒኤል፡- ፖሊሲ ወጻኢ ዝምድናታት ናይቲ ስርዓት ከምቲ ኣቐዲምና ክንገልጾ ዝጸናሕና ፖሊሲ ቁጠባ ፖሊሲ ህንጸትን ልምዓትን ክንብሎ ዝጸናሕና፡ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ዝምድናታት ‘ውን ብተመሳሳሊ እዩ። እቲ ስርዓት ሓደ ክሳብ ዝኾነ እቲ ፖሊስታቱ ‘ውን ሓደ እዩ። ቀዳማይ ነገር እቲ ስርዓት ዝጥቀመሉ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኣብ ሰናይ ጉርብትናን ሰላምን ዝኣምን ኣይኮነን። ብመሰረቱ ናይ በለጽ ፖሊሲ እዩ። ከምቲ ንጉልበትን ዜጋታትን ሃብቲ ሃገርን ተበሊጹ ንጉጅላዊ ረብሕኡ ከዕቢ ዝጽዕሮ፡ ብጸጋታትን ሃብትን ጎረባብቲ ሃገራት ተበሊጾም መንግስታዊ ርእሰ-ማሎም ወይ ውድባዊ ርእሰ-ማሎም ከጎልብቱ ሃነፍነፍ ዝብሉ ውልቀ ሰባት ወይ ጉጅለታት ዝተኣኻኸብሉ ስርዓት እዩ። ክብረት ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራትን ዞባዊ ውድባትን ዓለማዊ ውድባትን የብሉን። ነዚ ይመርሖ እየ ዝብሎ ህዝቢ ዘየኽብር ንህዝቡ ብትምክሕታዊ ዓይኒ እናረኣየ ዝንዕቕ ስርዓት ንካልእ ከኽብር ዝሕሰብ ኣይኮነን። መበገሲ ባህሪ ናይ ዝኾነ ስርዓት ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘለዎ ኣረኣእያ እዩ ዝምንጩ።

ንዞባዊ ውድባት፡ ዓለማዊ ውድባትን ጎረባብቲ ሃገራትን ብትምክሕቲ ኢጋድ ትብሃል ውድብ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ትብሃል ውድብ፡ ከዳሚ ወዘተ ክትደግሞ ከለኻ ዘጸይፍ ቃላትን ሓረጋትን ኣብ ተራ ጽሑፋትን መደባትን ዘይኮነ፡ ኣብ’ቲ መርገጺ መንግስቲ ዝግለጸሉ ሰሙናዊ ሓተታን መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻእን ከይተረፈ ዝወጽእ ክትሰምዖ ከለኻ እዝንኻ ዝኹርክሓካ፣ ካብ ቃል ሓደ መንግስትን ህዝብን ይመርሕየ ዝብል መራሕን ስርዓትን ዘይኮነስ፡ ካብ ሓደ ተራ ሰብ ዘይትጽበዮ ቃል ኣብ መግለጺ ይኣቱ። ደቂ-ኣንስትዮ ብዝኸፈልኦ መስዋእቲ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ስርዓት ክነሱ፡ ነተን ዝጸልአንን ክጸርፈን ዝደልን ጎረባብቲ ሃገራትን መንግስታትን ብኣነስታይ ጾታ እናላበሰ እዚአን እናበለ ይገልጸን። ብኣንጻሩ ኸኣ ህዝቦም ምስ ዝፈንፈኖም ስርዓታት ይመሓዞ ህዝቡ ዝፈንፈኖ ስርዓት ስለዝኾነ። እዚ ዝምድናታት መንቀሊኡ እቲ ባህሪ እዩ። ንኣብነት ምስ ስርዓት ቃዛፊ ዝነበሮ ዝምድና ኩሉ ህዝቢ ዝፈልጦ እዩ። ስርዓተ ቃዛፊ 42 ዓመታት ዝገበረ ውልቀ መላኺ፡ ህዝቡ ዓኽ ኢሉ ዝተፍኦ መራሒ፡ ኣብ ሚድያ ስርዓት ህግደፍ “ሙዓመር ኣል-ቃዛፊ መራሒ ሰውራ ሊብያ” ይበሃል። ሰውራዊ መራሒ ድዩ? ሰውራዊ ባህሪ ከምዘይብሉ እኮ ምስክር ከይደለና እቲ ህዝቡ ባዕሉ መስኪሩልና ኣሎ። ምስ ሱዳን ክመሓዞ እንከሎ ንመራሒ ሱዳን “ጀነራል ማርሻል ዑመር ሓሰን ኣልበሽር” ይብሎ። በቲ ጻሕታሪ ባህሪኡ ምስ ሱዳን ምስ ተባእሰ ድማ “ስርዓት ካርቱም” ይብልዎ ሽሙ ይፍንፍንዎ። ሓደ ግዜ ይዝከረኒ ሸኽ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ መራሒ ሕብረት እስላማዊ መጋባእታት ሶማል ኣብ ኤርትራ ነይሩ። ኣካይዳን ራዕን ናይ’ቲ ስርዓት ህዝቢ ሶማል ሰላም ንኸይረክብ ከም ዝኾነ ምስ ተረድአ፡  ራሕሪሕዎ ከይዱ። እዚ ሰብ እዚ ሸኽ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ እዩ ዝብሃል ኣብኡ ሸኽ እዩ ንሱ ‘ውን ሸኽ እዩ። ጽባሕ እቲ ንሱ ንስርዓት ህግደፍ ዝራሕርሓሉ ዕለት፡ ኣብ ሚድያ ህግደፍ ሸሪፍ ኣሕመድ ኢሎም ኣቃሊሖሞ። ሸኽነት ሃይማኖታዊ ማዓረግ እዩ። ብትምህርትን ብመንፈሳዊ ኣገልግሎትን ዝርከብ እዩ። እዚ ስርዓት እዚ ግን ኣብ ዲፕሎማሲ ኣካይድኡ ልክዕ ከም ናይ ቆልዓ ስለዝኾነ፡ መሓዙቱ ክኾኑ እንከለው ስሞም ሰማይ ይሰቅል ፍሕፍሕ ክፍጠር እንከሎ ድማ ስሞም ምዝንጣል ከም ሓደ ፍሉይ ክእለት እዩ ዝቖጽሮ።

ብሓፈሽኡ ኣብ ሰናይ ጉርብትና ብዘይኣምን ስርዓት ሰላም ዝሰኣና ጎረባብቲ ሃገርና ከም ዘለዋ ርዱእ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ዶብ ጎረባብቲ ሃገራት ሰጊሩ ሰላምን ምርግጋእን ዞባና ክዘርግ እንከሎ ብሂወት መንእሰያትና’ዩ። ንሶም ናይ ማዕዶ ተመልከቲ’ዮም፡ እቲ ሓዊ ንዕኦም ኣይረኽቦምን ‘ዩ። እቲ መንእሰይ ግዳይ ናይ’ቲ እቲ ስርዓት ኣብ ውሽጢ እቲ ሃገር ዝኽተሎ ፖሊሲ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዝምድና ጎረባብቲ ሃገራት ዝኽተሎ ፖሊሲ ‘ውን ግዳይ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣብ 1993 ኤርትራ ረፈረንደም ጌይራ ኣብ ካርታ ዓለም ካብ ዝሰፈረትሉ ግዜ ጀሚርካ፡ እዚ ስርዓት እዚ መንገዲ ልምዓት ገዲፉ ወተሃደራዊ ህንጸት እዩ ጀሚሩ። ካብቲ ግዜ’ቲ ኣትሒዙ እዩ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝበሃል ወፍሪ ባርነት ሓደ ኢሉ ጀሚሩ። ብናይ 30 ዓመት ኲናት ዝባደመት ሃገር ምስ ተረከብካ ናይ ልምዓት ባጀት ወሲኽኻ ወተሃደራዊ ባጀት ኢኻ ትንኪ እምበር ልምዓት ገዲፍካ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣይትሃንጽን ኢኻ። ኣብ’ቲ መጀመርያ እዋን ነጻነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ባህጊ ናይ ናጽነት ስለዝነበሮ እቲ ባህጊ ኣእምርኡ ሒዝዎ ስለዝነበረ ከየቃለበሉ ጸኒሑ እምበር፡ እዚ ስርዓት እዚ ፍጥር ካብ ዝብል ናይ ጸረ-ዲሞክራሲ ኣካይዳ ዘለዎ መንግስቲ ‘ዩ። ኣብዚ ውሽጢ 21 ዓመታት ዘምጽኦ ሓድሽ ባህሪ ኣይኮነን መፋጥርቱ ‘ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ደቅና መሊሶም ይጠልሙና ‘ዮም ዝብል ሓሳብ  ስለዘይነበሮ ኣካሉ ከፊሉ ሂወቱ በጃ ሃገር ኣሕሊፉ ዘምጽኣ ናጽነት ሕጂ ብህግደፋውያን ተጨውያ መቐጸልታ ባዕዳውያን ገዛእቲ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ምሕረት ዘይብሉ ጨፍጫፊ ስርዓት ወዲቑ ይርከብ። ስለዚ ህዝቡ ዘየኽብር ህዝቡ ዝገፍዕ ንጎረባብቲ ሃገራት ከኽብር ኣይክእልን እዩ። ዋጋ ናይ’ቲ ንሱ ዝፈጥሮ ዘይምርግጋእ ዝኸፍሎ ከኣ መንእሰይ ኤርትራ እዩ።

ሕቶ፡- መንግስቲ ህግደፍ ምስ ገንዘብ ዘለዎ ኣምልኾን ምስኡ ዝተኣሳሰረ ብልሽውናን ብዝምልከት ኣብ ህዝቢ ብዙሕ ክበሃል ይስማዕ እዩ። ብወገንካ ኣብዚ ነጥቢ’ዚ እንታይ ትዕዝብቲ ኣለካ?

ኣማኒኤል፡- ኣብ ልዕሊ ኮለኔል ስምኦን ገብረድንግል ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ነይሩ። ምናልባት ኣነ ብዛዕባቲ ፈተነ ቕትለት ዝርዝር ሓበሬታ የብለይን። ግን ምስኡ ብምትእስሳር ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ዜና ንዝተሰርሐት ሓንቲ ጉዳይ ክገልጽ ደልየ። ሓደ እቲ ተግባር’ቲ መን እዩ ፈጺምዎ? ብኸመይ ተፈጺሙ ንጹር ሓበሬታ ንህዝቢ ከስንቕዎ ኣይደለዩን። ኣብ ውሽጢ ጸላኢ መጺኡ ድዩ ፈጺምዎ፡ ነንሕድሕዶም ድዮም ፈጺመሞ ንህዝቢ ከይተነግሮ እንከሎ፡ እቲ ተግባር ዕለት 10 ምስ ተፈጸመ ብዕለት 23 እዩ ብደረጃ መንግስቲ መግለጺ ተዋሂብዎ። ኣብቲ መግለጺ እቲ ንጹር ዘይኮነ ቃላትን ሓረጋትን ነይሮሞ። መጸይቲ ደም ህዝቢ ከምዚ ከምዚ ገይሮም ዝብል ነይሩ። መን እዮም እቶም መጸይቲ ደም ህዝቢ ዝብል ኣስማት ክርቋሕ ኣይተደልየን ንሶም ብንሶም ስለዝኾኑ። ቀዳማይ ነገር ነቲ ጉዳይ እቲ ንህዝቢ ንምንጋር ስለምንታይ ክንድዚ ዝኣክል መዓልታት ኣድለየ። ካልኣይ ነገር እቲ ድሒሩ ዝወጸ ሓተታ ንምንታይ ንጹር ከይከውን ተደልዩ። ብሳልሳይ ደረጃ ኸኣ ኣብ መወዳእታ ናይ’ቲ ሓተታ ንዝያዳ መብርሂ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ዝርዝር ሓበሬታ ሒዝናልኩም ክንመጽእ ኢና ተባሂሉ ኣብ ጋዜጣ፡ ቴለቪዥንን ሬድዮን ምስ ተሓበረ ስለምንታይ ዝርዝር ሓበሬታ ከይመጸ ተዓፊኑ። እቲ ጉዳይ ምስ ብልሽውና ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣብቲ ሓተታ ብንጹር ቃላት’ዩ ተቐሚጡ። መን ‘ዮም ነዚ ብልሽውና ፈጺሞሞ ንዝብል ግን ኣብኡ ኸሎ ብድብድቡ መጸይቲ ደም ህዝቢ ተባሂሉ እዩ ተሓሊፉ። ሃገር ብብልሽውና ደምያ እናሃለወት ኣብ ውሽጢ እቲ መንግስቲ መን ንመን’ዩ ብምምጻይ ደም ህዝቢ ዝኸሶ? መን ካብ መን ስለዝሓይሽ እዩ? ካብቲ ኣብቲ መግለጺ ኣትዩ ዝነበረ ዝገርም ነገር ኣብ ብልሽውና ኣቲኻ ቆምጣዕጣዕ ምባል ማለት መብጽዓ ሰማእታት ምጥላም’ዩ ዝብል ቃል ነይሩ። መብጽዓ ሰማእታት ዝጠለመ ጠላም ስርዓት ክነሱ ካልእ መንነት ተላቢሱ ጥዑይ ስርዓት መሲሉ ብዛዕባ ብልሽውና ክዛረብ ክትሰምዖ ከለኻ ኣዝዩ ዝገርም እዩ። ጠላሚ ስርዓት ብዛዕባ ጥልመትን ብልሽውናን ክዛረብ መሰል የብሉን።

ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ይኹን ናይ ተሓታትነት መዋቕር የለን። ላዕለዎት መኾንናት ናይ’ቲ ስርዓት ዝገብርዎ ምብኻን ገንዘብ መሊኡ’ዩ ዋና የብሉን። መርመራ ብልሽውና ዝገብር ነጻ ዝኾነ ኣካል  የለን። ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ካብ ዝቐውም ጀሚሩ ብወግዒ ዝግለጽ ባጀት የለን። ብሚኒስትሪ ፋይናንስ ዝወጸ መምርሒ ምሕደራ ፋይናንስ ዕሽሽ ተባሂሉ ዝትግብሮ ኣካል የለን። ውጥን ባጀትን ኣተገባብርኡን ገምጋምን ዝበሃል የለን። ብሓጺሩ ገንዘባዊ ፖሊሲ ዝበሃል ነገር የለን። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ብሃሰሰ ለባም ገንዘባዊ ሃብቲ ሃገር ዘመሓድር ስርዓት ብዛዕባ ብልሽውና ከምዚ ማለት እዩ ኢሉ ክነግረካ እንከሎ እዋእ እቲ ንፈልጦ ህግደፍ ድዩ ዋላ’ስ ካልእ ኢልካ ኢኻ ትግረም። እዚ ድማ ነቲ ህዝቢ ኮነ ኢልካ ንምድንጋር ተባሂሉ ዝእለም ተግባር እዩ። ካልእ እቲ መንግስቲ እንታይ ዝብል እምነት ኣለዎ ገንዘብን ስልጣንን ብማዕረ ክኸዳ ኣለወን እዩ ዝብል። ገንዘብ እንተዘየለ ስልጣን ድልዳለ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ ስለዝብል፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ስግረ-ዶባዊ ንግዲ እናተዋፈረ መንግስታዊ ርእሰ-ማሉ ከዕቢ ላዕልን ታሕትን እዩ ዝብል። ገንዘብ ምስ ዝምውልዎ መንግስታት ክመሓዞ ድማ ጸገም ዝበሃል የብሉን። ንኣብነት ኣብ ማእከል ኣስመራ ሓወልቲ ፑሽኪን ከም ዝተሃንጸ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ሓወልቲ ፑሽኪን ፍርቂ ኣካላቱ እዩ ዘሎ ልዕሊ መዓንጣ ወይ ጉርዲ። ኣብ ኤርትራ ግን ንመጀምርያ ግዜ ምሉእ ኣካላት ፑሽኪን ዘርኢ ሓወልቲ ተሃኒጹ። ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ ክትኣምኖ ዘጸግም ቅያን ጅግንነትን ዝፈጸመ ሓወልቲ ዘይቆመሉ ታሪኽ ክነሱ፡ ፑሽኪን እንታይ ይብጽሓና ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ዝህነጽ ዝብል ካብ ህዝቢ ሕቶታት መጺኡ እዩ። ሓወልቲ ናይ ብዓል ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ሸኽ ዓብደል-ቃድር ከቢረ ክተክል ዘይደሊ ስርዓት፣ ይትረፍ’ዶ ሓወልቶም ኣብ ሚድያ ብዛዕብኦም ብዙሕ ክብሃል ዘይደሊ ስርዓት፡ ፑሽኪን ንህዝቢ ኤርትራ ብምንታይ ስለዝብጽሖ’ዩ ኣብ ማእከል ርእሰ ከተምኡ ሓወልቲ ዝተኽለሉ? መመረቕታ ናይ’ቲ ሓወልቲ ኣባል ፓርላማ ሩስያ ዱማ ተወኪላ ዝመጸት ሩስያዊት እያ ነቲ ጽምብል መሪቓቶ።

 ብዛዕባ’ቲ ኣብቲ ጽንብል ዝነበረ ሪፖርታዥ እንተዘይኮይኑ ብዛዕባ ሓወልቲ ፑሽኪን ብዙሕ ኣይትዛረቡ ዝብል መምርሒ ናብ ኩሎም ኣሃዱታት ሚኒስትሪ ዜና’ዩ ተበቲኑ። ምኽንያቱ ህዝቢ ብውሽጢ እንታይ ይብል ከም ዘሎ በቶም ኣብ ከተማ ዘዋፈርዎም ኣከብቲ ዘረባ፡ እቲ ረስኒ ናይ’ቲ ህዝቢ ኣብ ፈቐዶ ካፈታትን ባራትን ኣብ ዕዳጋታት ይእክብሉ ስለዝነበሩ፡ ብዛዕባቲ ሓወልቲ ጸብጻብ ጥራሕ ይዳሎ እምበር ብዙሕ ከይበሃል ተባሂሉ። ስለምንታይ ምስ ተባህለ ንሕና እኮ መንግስቲ ሩስያ ብስም መጸገኒ ጎደናታት ኣስመራ 12 ሚልዮን ዶላር ስለዝሃበና ነቲ መንግስቲ ከነሐጉስ ኢልና ኢና እምበር ፑሽኪን ከም ዘይብጽሓናስ ልዕሊ ማንም ንፈልጥ ኢና ኢሎምና።  ገንዘብ ምስ ዝህቦ ክመሓዞ ጸገም ዘይብሉ ስርዓት ምዃኑ እዚ ጭቡጥ ኣብነት እዩ። ናይ ገንዘብ መሓውራቱ ዘየደልደለ ስርዓት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ኣይክእልን እዩ ካብ ዝብል  እምነት’ዩ ንመትከል ረጊጽካ ደድሕሪ ገንዘብ ዞኽ ዞኽ ዝበሃል ዘሎ። ሓደ መዓልቲ ‘ውን ካብ ኣውስትራልያ ዝመጸ መርከብ ምልእቲ ኣባጊዕ ነይረን። እዘን ኣባጊዕ እዚእን ብሳይንሳዊ መንገዲ ተመርሚረን ንመግቢ ኣይበቕዓን እየን ተባሂለን። ይኹን እምበር ህዝቢ ኤርትራ ክቕለበን ተባሂሉ ኣብ ወደብ ባጽዕ ተራጊፈን። ስለዚ እዚ ስርዓት እዚ ገንዘብ ጥራሕ እንተዘይኮይኑ ጥዕና ህዝቢ በፍጹም ዘይግድሶ ስርዓት ምዃ&#