ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 03:40 مساء - 09 09 1433 هـ (27 07 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 54 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 54 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ኡይ በሊ ኤረትራዊት ኣደ

ዓለም ኣራጋጊጹ ዩ ንደቅኺ

ኢሰያስ ከም ዝሓረደ

ናውቲ ኣካላቶም ናብ

ዕዳጋ ከም ዘውረደ//

21 Years of torture 012.jpg

እወ ኤረትራዊት ኣደ ኡይ በሊ

 ነቲ ወሪዱና ዘሎ ክተቕልሊ  

መንእሰይ ኣብ ገዛእ ዓዱ ሲኢኑ መጽለሊ

ኣራግጽ በዚሕዎ ብህግደፍ ኣድገ በቕሊ//

ኤረትራዊ ውራይካ ኣይትረስዕ

ተዓዛቢ ኣይትኹን ህዝቢ ደም ክነብዕ

ኣብ ዳስ ከዳዓት ኣይትሳዕስዕ

ኣይውክለናን ንበሎ 

ንሉኡኽ ኣስራተካሳ ማዓስከሩ ባጽዕ//

በለጽ ምውርዛይ ገዲፍካ ኤረትራዊ

ክንዲ ህዝቢ ብሓባር ነእዊ

ኣብ ቅርዓት ውጻእ ሃገራዊ

ምድጋፍ ግደፎ ነቲ ፋሽሽታዊ

ምሩጻት ዝተኸፍላ ሃገር መዕነዊ…

ዓወት ጊሰን ኣብ ስቶኮሎም

መታን ክድገም

ሓዲሽ ወለዶ ምስ ሰብ ቀደም

ትም ኣይትበል ግፍዕታት ክዳጋገም

ንዳሎ ኣብ ስቶኮሎም

ንህግደፍ ክንብድሆም//

ሰሚዕኩም ዶ ድሮ

እታ ዋዕሮ ምስ ተረዳኣ

ንጭፍራ መኪታቶም ግደኣ

ንፍትሒ ተሲኣ

ንዕሮታት ኣደታታ ተኪኣ//

ብ ደለይቲ ፍትሒ

እንታይ ዩ ዝበሃል ዘሎ

ካብ ሙሉኡ ኣውሮጳ

ንስቶኮሎም ኮይኑ ንቑሎ

ኢሰያስ ዘድመየና ያኣኽሎ

ምስ ጭፍሩኡ ሓሕ ክንበሎ//

ሳዓብቲ ህግደፍ ግደፉ ተሓንበለ

መራሒኹም ህዝቢ እንዳ ቀተለ

እንታይ ክትብሉ ምስ ተኸንበለ

ተረሲዑ እቲ ዕርዲ ኣፍሪሱ ዝዓለለ

ዓዲ ምስ ኣተወ መሰልይ እንተበለ

ብዑሱባት ኢሰያስ ዝተቐንጸለ//

ኣስተባህሉ መናእሰያትና

መንዩ ጠንቂ ናይ ምፍልላይና

ዓበይቲን ናእሽቱን

ኢሉ ዝፈላልየና

ውድባት እንታይ ኣበሳና

ካብ ማዓልቲ ናብ ማዓልቲ

ተንኮል ይኣልሙ ጸላእትና

ዓበይትና ናእሽቱና

መንዩ ጸረ ሓድነትና

ክነለሊ ይግባኣና//

ሻዓብ ኤረትራያ ሰብር ውደ

ህለና ሰብ በዲር ኢንበደ

ብጉሳም ህለና

ማሓዝ ባርካ ግልንትዓደ

ነቐብሉ ምድርና

ሻዓብ ኤረትረያ ኢበደ//

ኮፎ ሃላ ዓድና

ዉላድ ከበር ሃቡና

ህግድፍ ኢንሓዘ ከፈና

ዉላድ ሸሂድ ዓዋተ ህለና//

እዚ እዩ ጭርሖና

ካብ ቀደምና ኣትሒዝና

ንስምረት ምስ ጨራሕና

ሰሚርና ክነድሕኖ ንህዝብና

ኣብ ጥርናፈ ምዃኑ ዓወትና

ስለ ዝኣመና ኣቀዲምና

ንስመር ክንብል ኢና ኣሪግና…

ስለዚ ሰሚርና

ነድሕኖ እባ ነዚ ህዝቢ

ደላይ ፍትሒ ልብኻ ይዓቢ

ሃገር ናይ ኩሉ ያ ናይ ንእሽቶ ዓቢ

ኣይትታሃወኽ ግበር ቀልቢ//

ህዝቢ ኤረትራ ኣስትውዒልካ

ፋታዊኻን ጸላኢኻን ኣለሊ

ወይለኻ ንበሎ ነቲ ዝፈላሊ

ናይ ደለይቲ ፍትሒ

ተወዲኡ እዩ ቲ ዓቕሊ…

ደቂ ኤረይ

ኣስተውዕሉ መናእሰይ

ያዕ በልዎ ንምፍልላይ

ፍለጥዎ ንሕቡእ መንደላይ//

ዝፈላልየና ንጎኒ ሓዲግና

ነዚ ህዝቢ ነድሕኖ እባ

ከይጸነተ ኮሎ ኣብ ቀረባ

ንፍትሒ ንበገስ ገዲፍና ዘረባ

ህዝቢ ክጋላገል ካብ ጸበባ//

ነዚ ህዝቢ ነድሕኖ

ይጽበሎ መድሕን ዝኾኖ

እንታይ ንጽበ ኢሰያስ

ብሂወቱ እንዳ ደፈኖ

ተጥርኒፍና መድሕን ንኹኖ

ጾርና ህግደፍ ዩ ሚሒና ንድፈኖ

ንድሕኖ እባ ነዚ ህዝቢ

ውድባይ ውድብካ //ሰልፈይ ሰልፍኻ ደሓር ነርክበሉ //

ሰራዊተይ ሰራዊትካ ኸ ክሳብ ማዓስ

እንታይ ንጽበ መሰል ህዝብና ክጋሃስ

የድሊሎ ምስ ምክልኻል ሓይልታት

ሓቦርካ ሃገር ምስ ህዝባ ምውሓስ//

//ያኣክል//

ሰራዊተይ ሰራዊትካ

ሰሚርካ ተጠርኒፍካ

ኣድሕን ህዝብኻ

ደሞክራስያዊ ኪዳን

ሓናፍጾ ኣሃዱታትካ

ህዝቢ ብስራት ይጽበሎ ካባኻ//

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን