ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 07:16 صباحا - 19 08 1433 هـ (08 07 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 51 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 51 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

From Berha Oq Jul 012.jpg

ንበገስ ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዓሚ

ኣብ ጊሰን ታሪኽ ክንሰርሕ ከኣ ሎሚ

ሃሞም ቀልቦም ክጠፍኦም

///ሳዓብቲ  ጉጅለ ቲ ጠላሚ///

ንስርዓት ህግድፍ ንምጉሓፍ

ሕጂ ንበል ሓፍ ሓፍ

ኣብ መቃብሩዩ ሓቀኛ ታሪኽ ዝጻሓፍ…

ያኣክል ንብዓት ሓርገጽ ምንባዕ

ስመር ኣይትበል ቀልባዕባዕ

ንድሕነት ህዝብና ሕጂ ንሳማማዕ

ስመር ኣይተማዕዱ ህዝቢ ክግፋዕ…

ንሰላማዊ ሰልፊ ንዳሎ

ኣብ ስቶኮሎም ኣብ ጊሰን ተዳልዩሎ

ድሎ ከይትዕሎ እዩ ዝበሃል ዘሎ

ስመር ተጸጊዕካ ኣይትጠምት ብኣንጎሎ…

ኣብ ማእከልና ኮንካ

ኣይትበል ቑጭምጭም

ወይ ሳዓብ ናብኦም

ወይ ሰሚርካ ድልየት ህዝቢ ፈጽም

ተዳሎ ዳሳት ህግደፍ ክትሃጅም…

እወ

ወይ ኢድካ ሓውስ ወይ ተኣለ

ዳስ ኣይምቅርን ዘይብሉ ኣውሎ ለለ

ብዘይ ኮቦሮ መን ኣሎ ኣብ ጓይላ ዝዘለለ

ኣብ ሕይሊ ዝኣምን ብሓይሊ እዩ ዝእለ…

ከም ዓሚ ኣብ ጊሰን ታሪኽ ክስራሕ

ንደጀናት ህግደፍ ክነብሎ ፋሕ ፋሕ

ስመር ኣበይ ነርካ ከይትበሃል ጽባሕ

ብጭፍራ ህግደፍ ዝጸልመተት

ጻሓይ ቀሪባ እያ ክትወግሕ…

ኣስተውዕሊ

ኣቲ ዓዲ ጽቡቕ ኣላ ትብሊ

ንበተንቲ ሃገር ተገልግሊ

ኣደብ ግበሪ ተወዲኡ ዩ ቲ ዓቕሊ

ገዛ ገዛ ከድኪ ኣይትመቓቕሊ…

ደቂ ኤረይ ብማዕዶ ኣይትጠምቱ

ምስ ደለይቲ ፍትሒ ክተቱ

ስሚርኩም መክቱ

ኣይትተዓዘቡ መናእሰይ ክካላበቱ

ኣይተሰቆረኩም ዶ ናይ ኢሰያስ ግፍዕታቱ

በብሓደ ይግለጽ ኣሎ ክፍኣቱ

ሑቡእ ምስጢራቱ

ሕጂ ግን ክስጎድ ዩ ምስ ዑሱባቱ

ኣኺሉዩ ሰዓት ውድቀቱ…

ዘገርም ዩ ትእዛዛቱ

እሰሮ ረሽኖ ወጊሑ ጸቢሑ

እንዳ በለ ህዝብ ኣሰኪሑ

ህግደፋዊያን ማዓስ ኢኹም ትናስሑ

ተጋጊና ኢልኩም ምስ ደለይቲ

ፍትሒ ተጸንቢርኩም ትሰርሑ…

ኣስመላሽ ክሻ ማንኪ

ተፈሊጡ ዩ ናታትኩም ሽርሒ

ንደቀባት ንምጽናት ናታትኩም መምርሒ

ደም ተሓሊብና ብረቂቕ ብልሒ

ብጅግንነት ኤረትራዊያን ኢሰያስ ተሰምዩ

ንደቀባት ኣጽኒቱ ናይ ሃገር ምውግሒ…

ደጊምስ ሸርሒኹም ተበሊሉ

ደም ዝቐለቦምም ዕልላት ተዃሉ

መራሒኦም ንሜዳ ወሪዱ

ብኣስራተካሳ ተመዊሉ

ንኤረትራዊያን መቓቒሉ

ንህዝብና ይመርሖ ሎ ብሕጊ ዓዋሉ

ሕጂ ግን ንኽሉ ወዲ ሃገር በሪሁሉ

ንህግደፍ ክድምስሶም ወሰን ኢሉ

ተላዒሉ

መተካእታ ናቶም ህዝብና ባዕሉ

ክመርጽ ቆጽሊ ዘንበረሉ…

ሳዓብትን ተዳናገጽትን

ህግድፍ ሕጂ ተናዘዙ

ሻዓብና ሱሙድ ሃላ ከም በዲሩ

ኣብ ጉኒ ውጹዓት ስመሩ

ህግደፍ ቀሪቡዩ ክሓጽር ዕምሩ

እቶም ንገፋዕቲ ትግብሩ

ምስ ወግሒ ከይትብህርሩ…

            ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ  

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን