ሳልሳይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ ሓዲሽ መሪሕ&#
نشر من قبل omaal في 05:44 مساء - 16 08 1433 هـ (05 07 2012 م)

ሳልሳይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ ሓዲሽ መሪሕነት ብምምራጽ

 ስርሓቱ ብዓወት ዛዚሙ።

 


تفاصيل الخبر

ሳልሳይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ ሓዲሽ መሪሕነት ብምምራጽ

ER Federa slogan Jul 012.jpg

 ስርሓቱ ብዓወት ዛዚሙ።

ኣድራሽ ሆተል ሰቲት-ሑመራ

ኣብ ራብዓይ ውዕሉ ሳልሳይ  ውድባዊ ጉባኤ ፈደራልዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣብ ነድፊ ደምዳሚ መግለጺ ዓሚቕ ክትዕ ብምክያድ ኣርማትን ምምሕያሻትን ድሕሪ ምግባር ኣጽዲቁዎ። ስከረታርያ 3ይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ ካብ 5ተ ሰባት ዝቁመት ሽማግለ ሕጸ ኣባላት ፈደራላዊ ባይቶ ብምሕራይን ብጉባኤኛታት ድሕሪ ምጽዳቁን ኣስማት 35 ሑጽያት ብምቅራብ መድረኽ ደሞክራስያዊ ምርጫ ተኽፊቱ። ኣመራጺት ሽማገለ ከኣ፡ ካብ ተዓዝብቲ ውድባትን ደጋፊ ኣባልነትን ብምቋም ንመስረሕ ምርጫን መቁጻር ድምጽን ኣድላይ ምጽራይን ምጽፋፍን ብምካይድ ስርሓታ ዛዚማ።

በመስረት ጉባኤ ዝጽድቁ ሕጊ ህንጻ 31 ምሉኣትን 4ተ ተጠባብቅትን ዝካተተ ፈደራልዊ ባይቶ በጃካ እቶም 4ተ መንባራት ባይቶ ብሎጂስታዊ ምኽነያት ከሳትፉ ዘከኣሉ ጨናፋራት ብምግዳፍ 27 ምሉኣትን 4ተ ተጠባብቅትን ብምምራጽ ቱማሊ ዕለት 04/07/2012 3ይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ ስርሓቱ ብዓወት ዛዚሙ። ተመሪጹ ዘሎ ሓዲሽ መሪሕነት ከኣ፡ ብጀካ 2ተ ኣባላት ንቀዳሙት መሪሕነት ዝጠቓለለ ኮይኑ ዓይነታዊ ተሳትፎ መንእሳያትን ደቂ ኣንስተዮን ብምርግጋጽ ተመክሩን ብቅዓትን ብምስነናቕ ፖለቲካዊ መሪሐነት ናብ ሓዲሽ ውልዶ ንመሰገጋር ዝዓልመ'ዩ። በዚ መስረት ፈ.ደ.ም.ኤ ካብ መድረኽ መስረታ ናብ መድረኽ ህንጽትን ምምዕባል ዓቕምታትን ክስጋገር ኽኢሉ።

ኣብ መዕጽዊ ጽንበል 3ይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ ናይ መስጋና ቃል ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ድሕሪ ምቅራቡ ጉጅለ ባህሊ እቲ ውድብ መሳጢ ተርኢትን ሃገራዊ ሙቅር ዜማታን ብምቅራብ ንጉባኤኛታትን ዕዱማት ኣጋይሽን ብምዝንጋዕ ጉባኤ ስራሓቱ ብድቅትን ዓወትን ዛዚሙ።

ምስ ሰናይ ሰላምታ፡

ሽማግለ ዜና 3ይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ