መሪሕነት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣ&#470
نشر من قبل omaal في 08:31 صباحا - 26 04 1433 هـ (19 03 2012 م)

መሪሕነት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ሑቡራት ሃገራት ኣመሪካ

ብዕለት 10 መጋቢት 2012 ዘካየድዎ ህዝባዊ ኣኬባ ጹማቕ ጸብጻብ

ER NATIONAL CO . USA.jpg


تفاصيل الخبر

መሪሕነት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ሑቡራት ሃገራት ኣመሪካ

ብዕለት 10 መጋቢት 2012 ዘካየድዎ ህዝባዊ ኣኬባ ጹማቕ ጸብጻብ

                  ER NATIONAL CO . USA.jpg

መሪሕነት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ብ ኣቶ ኢሳቕ ይሕደጎ ብ ኣቶ ወልዴሱስ ዓንደማርያም ዝተመርሔ ህዝባዊ ኣኼባ ብ ዕለት 10 መጋቢት 2012 ጹማቕ ነዚ ዝስዕብ ይመስል ነይሩ።

      ኣባላት መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ካሊፎርነያ U.S.A ንካላኣይ ግዜኦም ንህዝቢ በይ ኤርያ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይድም።መሪሕነት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣብቲ ቦኽሪ ኣኼቦኦም ካብ ሃገራዊ ጉባኤ ምስ ተመለሱ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም፤ውጺኢት ሃገራዊ ጉባኤ ዝነበረ ድማ ብዝርዝር ሰፊሕ መግለጽን መብርህን ሂቦም ካብ ህዝቢ ዝቀረበሎም ሕቶታትን ብዘዕግብ መልሲ ከም ዝመለሱ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ኣብ ዜና ብዘይ ምቅላሕና ይቕሪታ እና ሓተትና፤ ን ካላኣይ ግዜ ብ ዕለት 10 መጋቢት 2012 ኣብ በይ ኤርያ ዘካየድዋ ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ጹማቕ ነዚ ዝስዕብ ይመስል ነይሩ።

       ኣባላት መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ነቲ ኣኼባ ክኸፍትዎ ኸለው ህሉው ክነታት ሃገርና ኣብ ትሕቲ ሓደሰብ ውልቀ መላኺ ብናይ ሓደ ሰብ ውሳኔ እናኸደት ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ተሳጢሕና ከም ዘለና ክብሉ ሰፊሕን ዓሚቕን መግለጺ ክህቡ ከለዉ፤ብ ኣንጻሩ ንሕና ካብዚ ዝተጠቕሰ ሓደጋ ተሳጢሕናዮ ዘለና ንምልቓቕ ነዚ ዲክታይተር ውልቃዊ ምልካዊ ስርዓት ከነልግሶ ንሳማማዕ ዲና እናበሉ ድልውነት ናይ ህዝቢ ናብ ቃልሲ ንምጽማድ ጸቂቶም ናይ ምልዕዓል መግለጺ ሂቦም።

     ካብዚ ቐጺሊጾም ንሃገራዊ ባይቶ ንምዑዋት ተሞኩሮን ዕዮ ሽማግለ ናይ ጨንፈር ናይ ኮምሽን ዝሰርሓቶ ስራሕ ዑውት ስራሕ ስለ ዝነበረ ከም ጸብጻብ ክንማሃረሉን ን ኣሳራርሓና ድማ ሓጋዚ ኩኾውን  ተባሒሉ  ተመኩሮ ብሓላፍነት ተመዚዞም  በቢ ተሸኪሞሞ ዝነበሩ ሓላፍነት ከመይ ከም ዝሰርሑን ዝተንቃሳቐሱን  ውጺኢታዊ ስሮሖም ናይ ስርርዕ ሃላፊ ናይ ፖሎትካዊ ሓላፊ ናይ ቆጠባ ሓላፊ ናይ ባህልን ዜናን ሓላፊ ነናቶም ስራሕ ከም ኑኡስ ጫንፈር ናይ ኮምሽን ኮይኖም ዘፍረይዎ ምስ ገለጹ ተሳተፍቲ ኣኼባ ናይ ዕግበት ስርሖም መርኣያ ጣቂዒት ጨብጨባ ተለጊሱሎም።

 ካብዚ ቀጺሎም ኣብላት መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ኢዚ ቃልሲ እዚ ህዝባዊ ቃልሲ ስለ ዝኾነ ካብ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ኮይና እትነጥፍ ሽማግለ የድሊ ስለ ዘሎ ስርርዕ ከነካይድ ንስራሕ ክንዋፈር ዝብል ሓሳብ ናብ ኣኼበኛ ኣቕረበት፤  ብወገን ኣኼበኛ ንኣባላት ንመሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ዝተለገሰ ምኽሪ ብብዝሒ ንሃገራዊ ጉባኤ ዝድግፉ ህዝቢ ብዝተፋላለየ ምኽንያት ዘይ ጠዓሞም ንፈልጦም ሎሚ ኣብዚ ኣኼባ  ዘይ ተሳተፉ ስለ ዘለውና ንምርጫ ሽማግለ ኣልዕልና ንዛረብ ስለ ዘለና ንስራሕ ኣድማዒ ክኸውን ምእንቲ  ነዖኦም ዘስተፈ ኣኼባ ንዝመጽእ ሰፊሕ ኣኼባ ንግበር ዝብል ሓሳባት ተለጊሱ።   

ER NATIONAL CO . USA 1.jpg

     ብድሕሪ እዚ ኣባላት መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ናይቲ ኣኼባ ሓሳባት ተቀቢሎም ንሰፊሕ ኣኬባ ን 3/31/2012 ናይ ምርጫ ሽማግለ ስርርዕ ክካየድ ኣስሚረምሉ ካብኡ ንስራሕ ክንዋፈር ብዝብል ነቲ ናይ ህዝቢ ሓሳባት ተቀቢሎም ኣኼባ ብምርድዳእን ባኽብሮትን ናይ ቃልሲ ቁሩብነትን መንፈስ ዝዓሰሎ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።