ናይዚ ኹሉ ኣብ ማእሰርቲ ዝሓቅቕ ዘ&#46
نشر من قبل omaal في 08:50 مساء - 15 04 1433 هـ (08 03 2012 م)

Dagafte Asyas1.jpg

 ካብ ገብሪሂወት ኣብዓሸራ 3/4/2012  


تفاصيل الخبر

Dagafte Asyas1.jpg                

  ካብ ገብሪሂወት ኣብዓሸራ 3/4/2012  

 ናይዚ ኹሉ ኣብ ማእሰርቲ ዝሓቅቕ ዘሎ

 ናይዚ ኹሉ ኣብ ባሕሪ ዝጥሕል ዘሎ

ሂወት ኣብ ምድረ በዳ ሲናይ ተሰጢሑ ዘሎ

ሂወት ኣብ ባሕሪ ጢሒሉ ስድራ ሓዚኑ ዘሎ

 ናይዚ እና ተሳሕለ ኩሊቱ ዝቕንጠብ ዘሎ

 ተሓላቂ ናይዚ ዓይኑ ኣፍቲጡ ይጽበ’ዩ ዘሎ

 ሕብረተ ሰብና ኣዋሪድኩም

 ፈላሊኹም መቓቂልኩም

 ኣብ ኤርትራ ዘይ ነበረ ባህሊ

ነውራማት ትድግፉ ነቲ ዝፈላሊ

ዓገብ ዘይ ተማሃርኩም ሙሁራት ደናቁር

 መንእሰይ ካብ ዓዱ ንድገ እና ተጸረገ

 ዓሳ ክይኑ ግፋ ኣብ ቤቱ ኣብ ኣፍ ደገ

 ምእመናና ምስልምና ክርስትና ምስ ተጋህሰ

 ኣብ ርእሲ ውጉኣት ሓርነት ተኹሲ ምስ ተኮሰ

 ሬሳ ንዕዲ ከይ ቅበር ተኸልኪሉ ዓገብ ዘይ ይብሉ

 ወዳጀ ሙሁራት ተመዚኖም ዲግሪ ዝሰቀሉ

ንጓሳ ይመርጽ ተኻናኪኑ ንትሪት ዝሑሉ

 መራሒኦም ሓንካስ ዳሕረዋዮም ደልፋጽ

ዓገብ እንዳፈለጥካ ብህዝቢ ምልጋጽሲ

 ጻድቅ ዶ ምዃንድዩ ዋስ ፈላሲ

 በሉ በሉ ተኻታተሉ ናይ ፍትሓዊ ቃልሲ

 ረጽሚ ምዃኑ ናታትኩም ፈውሲ

 ይዋደድ ኣሎ እቲ ዘይ ምሕር ቶኽሲ

 ተሞኩሮ ይኹንኩም ናይ ልብያ ቃልሲ

 ልቢ ዘለዎ ሕጂ ውን ግዜ ኣሎኩም’ዩ

 ምስ ህዝቡክም ተጸጉዑ ካብ ምስ ገበነኛ

 ምስ ሬሳ፥ሱንክላት ዝዋጋእ እዚ ተኮለኛ

 ሽፍታ ብሕጊ ዘይ ከይድ ዘይ ቡሉ ዳኛ

ሃገር ዘዋረደ እዚ ጠላም ውርደተኛ

የእዳዉ ብደም ዝተሓጽበ ኩላትና ንፎልጦ

                            ስልጣን ህዝቢ ባዕሉ ዝባሓቶ ሓቢርና ንቐንጡጦ                              

 ስብ ክሕረድ ኣይ ነብርን’ዩ ከም ምክት ዎጦጦ

ኩሊት ህዝቢ ምሒቖም ዝሸጡ ጋንየናት ሸቃጦ

 በሉ ኢድ ጸናሒት ሸናሒት ስለ ዝኾነት

ዝካላኾሉልካ እና ዓደልካ ሽመት

ኣታሊልካን ኣሚጽካን ተካዲንካ ቆርበት

 መልእክትና ኣይ ተርፈኩምን ኢዩ ዘበት

 እወ ኣይ ተርፈኩምን አዩ ዘበት