እውይ  እውይ ኣብየት ኣንታ ጌታ ብዋ&
نشر من قبل omaal في 05:40 صباحا - 10 04 1433 هـ (03 03 2012 م)

እውይ  እውይ ኣብየት ኣንታ ጌታ

 ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ተሰቒሉ

 ምኽላእ ዓዱ ከይ ቅበር ናይዝጊ ኹፍሉ

 ሕልና ዘይቡሉ ህዝቢ ስቅ ኣስቅጥ ኣቢሉ


تفاصيل الخبر

  እውይ  እውይ ኣብየት ኣንታ ጌታ

 ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ተሰቒሉ

 ምኽላእ ዓዱ ከይ ቅበር ናይዝጊ ኹፍሉ

 ሕልና ዘይቡሉ ህዝቢ ስቅ ኣስቅጥ ኣቢሉ

 ኣቱም ሰራየ ካብ ናብ ዕጦቑ ዑጦቑ

 ኣንቱም ኣኮሎጉዛይ ዑጦቑ ዑጦቑ

 ኣንቱም ሎጎጭዋ ዑጦቑ ዑጦቑ

 ኣንቱም ሓማስየን ዑጦቑ ዑጦቑ

 ኣንቱም ደንገል ዑጦቑ ዑጦቑ      

 ኣቱም ሰምሃር ሳሕል ዑጦቑ ዑጦቑ

 ኣቱም ጋሽ ባርካ  ዑጦቑ ዑጦቑ

 ኩሉ ምእመናታት ብሓበራ ዑጦቑ

 ስርዓት ኢሳያስ ክብርና ረጊጹ ሰንጢቑ

ብእከይ ተግባሩ ብጣቒዒት ሓንቂቑ

 ባህሊ ምክብባር እጥፊኡ ምድፍፋር ኣጽዲቑ

ታሪኽ ሓርበኛታት ጀመርቲ ሰውራ ጨፍሊቑ

 ንህዝቢ ኣብ ዘይ ፍትሓዊ ናብ ኲናት ደቕዲቑ

 ንምንዋሕ ስልጣኑ ህዝቢ ከይ ይሳማማዕ ኣራሓሒቑ

 ጥሪት ውልቀሰባት ምዃን ክሳብ ምዓስ

 ውግእ ኣብ ርእሲ ስንኩላትና 

  ውግእ እብ ሪሳታትና

 ወረግ ዘይ ንማራመር እንታዩ ወሪዱና

 ኣንም ደገፍቲ ኣገልገልቲ

 ሰብ ዲኩም ጋንየናት ደቂ ሕድርቲ

 ዘይ ትሓቱ ናይ ሬሳ መዋቲ

 ህልና ምጥፋእ የብለካ ሽንቲ

 ሜትሮ ምቕበሪ ንሪሳ ዝተሓርሞ ርስቲ

 እዋይ ውርደት ሃገር ብምልእታ ተዋሪዳ  

 ምዓሰይ ኢዩ ክኽፈል እዚ ኹሉ ናይ ወንጀል ዕዳ

 ሓንቲ ብርጌድ እንተ ተስምዕ በርቃዊ ነጎዳ

   ብዘይ ጥርጥር ኩሉ ምሳዓባ ጓላ ምስ ወዳ 

 ህግደፍ ምስ ተኣሰረት ብወጀላ ክትቅበል ፍርዳ

 ኣብየት ተራየኒኳ ትኪ ኽመስላ

 ህዝቢ ክድሰት ብጓይላ ብ ሓፍላ

 እታ ወሊዳ ዘጽነትዋ ኣደ ደስ ክብላ

 ኣጆኹም ህዝበይ ክኸውን ክኣዩ ከመይ ዘይከውን

 ጥራሕ ኢድን ጓንትን ኴና ንቃለሶም!!!

 በዚ ኣጋጣሚ ንቤተሰብ ናይዝጊ ኩፍሉ ጽንዓት ይሃብኩም

ኣብ ርእሲ ሓዘንኩም ብ ህግደፍ ኣብ ርእሲ ሪሳኹም ዝተወሰደ

ኢ ሰብኣዊ ዝኾነ ኣረዊታዊ ፈጽሚ ኣጥቢቀ ይኹንን።

 ካብ ገብሪሂወት ኣቡዓሸራ።

 3-2-2012