ጋዜጣዊ መግለጺ
نشر من قبل omaal في 06:06 صباحا - 05 04 1433 هـ (27 02 2012 م)

ERITREAN NA COUNCIL MIDDLE EAST.jpg

ጋዜጣዊ መግለጺ


تفاصيل الخبر

 ERITREAN NA COUNCIL MIDDLE EAST.jpg

ጋዜጣዊ መግለጺ

ብሓሙስ ዕለት 16/02/2012 ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ተቀማጦ ማእከላይ ምብራቕ ብቤትጽሕፈት ፈጻሚት ኣካል ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝተሓለለፉ መምርሒ ንምትግባርን ዞባዊ ሽማግለ ንምቛም ካልኣይ ኣኼቦኦም ኣካይዶም።

ኣብቲ ኣኼባ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ቅርጺዊ ምምሕዳር ብምቛም ኢንጅኔር ኑር መሓመድ ኢድሪስ ኣቦ-መንበር ኣቶ ዑስማን ኣሕመድ ምክትል ኣቦ-መንበርን ሓላፊ ዝምድናታት ወጻኢ-ጉዳታትን መሪጾም ከምኡ'ውን ውሽጣዊ-ሕጊ ብዝምልክት ኣብ ዝስዕብ ኣኼቦኦም ክዛተዩን ንምጽዳቑ ናብ ፈጻሚት ኣካል ከምዘቕርብዎ ተሰማሚዖም

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ መጻኢ መደባቶም ንምስልሳል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርክብ ህዝቢ ኤርትራ ብምጥርናፍ ውልቀ-መላኺ ዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ማዕርነትን ፍትሕን ዝነግሰላ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ተሓቛዊፉ ዝነብረላ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምህናጽን ብጽዑቕ ስረሖም ከሰላስሉ ይርከቡ

ኣባላት ሽማግለ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያን ተቀማጦ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሰያዊ ለውጢ ተወዲቦም ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምቅላስ ዘለዎም ድልየትን ድልውነትን ብዝተፈላለየ መንገድታት ገሊጾም እዚ ኻኣ ኣሰር ናይዚ ኣብ ከባቢና ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ህዝባዊ ናዕቢ ኣንጻር ገፋዕቲ ስርዓታት ኢዩ

ክፍሊ ዜና

ሽማግለሃገራዊባይቶንዲሞክራሲያዊለውጢ

ዞባ ማእከላይ ምብራቕ