ተዛረብ ኤረትራዊ
نشر من قبل omaal في 04:26 مساء - 02 04 1433 هـ (24 02 2012 م)

ተዛረብ ኤረትራዊ

ብ.ገብረምካኤል ሃብተጽዮን (ቆሪጀ) ሃገር ጀርመን)

 


تفاصيل الخبر

ተዛረብ ኤረትራዊ

ብ.ገብረምካኤል ሃብተጽዮን (ቆሪጀ) ሃገር ጀርመን)

ንመንእሰያትና ዝቐንጸሎ ዘሳቐዮ

ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ኣእትዩ ዘድመዮ

ተዛረብ ተዛረብ ኩሉ ኣቃላዓዮ

ትፈልጦ ተዛረብ ኩሉ ደርጉሓዮ

ንሕጂ ዘይኮነ ንማዓስ ኢልካዮ

በቲ ዝርድኦ ቋንቋ ኣላህዮ

ንምልኪ ቀቢርካ ብፍትሒ ተካኣዮ

ንእሾኽ ምሒኻ ዕንባባ ዝርኣዮ።

እቶም መጋበርያታቱ ሽግር ህዝቦም ዘይዓጦም

ምስማዕ ዝኣበዩ ተመኺሮም ተማዕዶም

በብሓደ ብእዝኖም ወጥጦም

ኣጸቢቅካ ቀንጥዎም ክሳብ ዝፍለጦም

ክሳብ ማዓስ ክነብሩ ሪዒዶም

ሞስ ህዝቦም እንተወገኑዩ ቲ ረብሓኦም

ይዕጠቕዋ ሸጥ ኣቢልኩም ዝፈትሕዋ ስርኦም

ከምኡ ምስ ዝገብሩ ተረዲኦም ጌጋኦም

ቅሳነት ውን ይረክብ ሕልንኦም።

ንስድራ ቤታት ብኣፍሙዝ እንዳ ርዓዶም

ካብ ኢዶም እንዳ መንጠሎም ንጓሎም ንወዶም

መከይን ጺዒኑ ንሳዋ እንዳ ጓረቶም

ኣብ ዘዝወልዖ ኩናት እንዳ ኽተቶም

ጠዋሪ ዘይብሎም ወለዲ ተዀርሚዮም ኣብ ቤቶም

ሕቶ ዝሓቱ ብዱላ እንዳ ኸትከቶም

ረሻይዳ ኣዕሲቡ እንዳሸጦ ኩሊቶም

ካብ ኣስመራ ዘውጽእዎም ባዕላቶም

ኣሻሓት እንዳ ኣኸፈሉ ኮረነላታቶም

ኣብ ሱዳን ከኣ ይጽበዩ እቶም ደለልቶም

ኣብ ሲናይ ከኣ ይጽበዩ እቶም ኣሰርቶም

ኣሸሓት ዶላራት ክኸፍልዎ ይሓቶም

ወይ ቈርጹ ይወስዶ ኩሊቶም

ምጸታትዩ ምጸታት ናይ ዚኣቶም

ዝጠልዑ ብኰለሊት ኣሕዋቶም

ክትሰምዮ ዘስደምምዩ ተግብስራቶም።

ፈተውትና ዝብል ንጸላእቱ

ኦነግን ቅንጅትን ቅን ዓቱ

ዓባይ ኢትዮጵያ ኣንድነት ሕብሪ ቅናቱ

ተረፍ መረፍ    ንህዝብና ዘጽነቱ

ልእላውነትና ዘይተዋሕተሎም ጌና ዝማጎቱ

ንሳቶም ኣብ ሕቅፋ ህዝብና ኣብ ስደቱ

ንዕኦም ክትክእ እዩ ሕልምታቱ

ኣቱም ጭንጋዓቱ እትን ጭርንዓቱ

ዓገብ እባ በሉ ሕተቱ ባ ሕተቱ

ክሳብ ማዓስ መልሓስኩም ክትልከቱ

ናይ ነዊሕ ሕሰቡ ምስ ህዝብም መክቱ

መንእሰይ እንካብ ተበገሰ ካብ ኣልዓለ ብረቱ

ደንበ ህግደፍ መሽሚሹዩ ሞይቱ

ትቃራረብያ ዘላ ዕርበት ውድቀቱ።

ኣዕንቶም ዝዓወሩ ኣእምሮኦም ዝተደፈኑ

ላንጋ ላንጋ ትብዓት ዘይውንኑ

ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ንህግድፍ ንምድሓኑ

ዘገርምዩ ክትሰምዖ ንምእማኑ።

ኣብ ሲናይ ዝኣስርዎ ንወዱ ንጓሉ

ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ገንዘብ ዝኽፈሉ

ዝተባህሎ ዘይከፈለ ኩሊቱ ዝምንጥሉ

እዚ ሓላል ህዝቢ እንታዩ በዲሉ

ሕድሪ ስውኣትና ዝጠለሙ ብህዝብና ዘሽካዕልሉ

ንመጽነቲ ህዝብና ኣሸሓት ዝኸፍሉ

ኣብ ክንዲ ንሰላም ንውግእ ዝምህለሉ

ብዘይ ውግእ ክነብሩ ዘይክእሉ

ናይ ኩሉ ተሓታቲ ኢሰያስ ባዕሉ።

ዓወት ንዉጹዕ ህዝብና

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ሞት ንጠለምቲ ሕድርናን ንጭርናኣቱን

ክንዕወት ኢና