ዕውት ዞባዊ ጽንብል ሰልፊ ናህዳ ኤ&#46
نشر من قبل omaal في 09:37 صباحا - 01 04 1433 هـ (23 02 2012 م)

ERITREA NAHADA PARTY.jpg

ዕውት ዞባዊ ጽንብል ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኤሮጳ አብ ሸወዴን

 


تفاصيل الخبر

ERITREA NAHADA PARTY.jpg

ዕውት ዞባዊ ጽንብል ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኤሮጳ አብ ሸወዴን

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ሽወዴን ብዕለት 11.02.2012 ብመሰረት እቲ አብ አዋሳ እቲዮጵያ ዝተኻየደ ዕዉት ታሪኻዊ ሃገራዊ ጉባኤ አጋጣሚ ብምጥቃም ንኹለን ጨንፈራት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ናይ ኤሮጳ ብምዕዳም ዓቢ ዞባዊ ጽንብል አካይዱ።

ከምቲ ኩልና ንዝክሮ እቲ ካብ ዕለት 21.11.2011 ክሳብ 31.11.2011 ዝተጋበኤ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራ፡ አብ ኤርትራዊ ህብዝባዊ ፖለቲካዊ ታሪኽ ሐድሽ ምዕራፍ ብምኽፋት፡ ንኹሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝሐቖፈ ካብ ውልቀ ሰባትን ሰልፍታትን መራሕቲ ሀይማኖታትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ዝተኻፈልዎ ዕዉት ጉባኤ አሞጊሱ፡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ህዝብና አብ ምፍልላይ ፋሕ ፋሕ ናይ ምባል ዝተጻወቶ ተራ፡ ከምኡውን ነቲ ብኢደወነኑ ሕጊ አልቦ ዝኾነ ዘይፍትሐዊ ዝወሰዶም ፖሊስታት ምዝራፍ መሰል ሀይማኖታትን ብሄራትን መሰል ስነጽሑፋትን ብነጻነት ሐሳብካ ናይ ምግላጽ መሰላትን ግዴታዊ ብሄራዊ ጽንበራን ፍሩስ ገይሩ ንህዝብና ከተአማምንን ከቀራርብን ብዝኽእል መልክዕ መሰጋገሪ ዝኸውን ሕግታት ብምንዳፍ ዓቢ ናይ ተስፋ ጩራ ንህዝብና ዝኸፈተ ብምዃኑ ከም ዓቢ ታሪኻዊ ኤርትራዊ ተርእዮ ክግለጽ ዝግበኦ ጉዳይ ስለዝኾነ ዓቢ ናይ ጽንብል ዕለት ገይሩ ውዒሉ።

ከምኡውን አብቲ ጽንብል ዝተኻፈሉ ማሕበር ጀበርቲ ኤርትራውያን ሽወዴን ነቲ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዘካየድቶን ተካይዶ ዘላን ሀገራዊ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ጀበርቲ ነቲ ብስርዓት እሰያስ ዝተገብረ ናይ ዓመጽ ግዴታዊ ብሄራዊ ጽንበራ፡ ከም ሕቶ ተላዒሉ መዕለቢ ከምዝግበረሉ ምግባሩን፡ ጉዳይ መንነት ሐደ ህዝቢ ነቲ ህዝቢ ጀበርቲ ባዕሉ ዝምልከትምበር አብ ምይይጥ ክአቱ ዘለዎ ጉዳይ ከምዘይኮነ፡ ሐደ ሐዱሽ ምዕራፍ አብ ዴሞክራስያዊ ፍትሐዊ መሰል ደቂ ሰባት ዘረጋገጸ ብምዃኑ ንሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዓሚቕ ልባዊ ምስጋንኦም ገሊጾም።      

አብቲ ካብ 300 ሚእቲ ዘይውሕዱ ዝተሳተፍዎ ናይ ድራር ግብጃ ምሸት፡ ዓበይቲ ዓድን ደቂ አንስትዮን መእሰያትን ተኻፊሎም ብሰፊሕ ታሕጓሶም ዝገልጽሉ ምሸት እዩ ነይሩ። 

መኽፈቲ ጽንብል ብቃል አቦወንበር ጨንፈር ሽወዴን ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ካብቲ ዝተፈላለየ ተዳልዩ ዝነበረ ናይ በዓል ፕሮግራም፡ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ካብ ዝምስረት አብ ቃልሲ ዘመዝገቦም ዓወታት ብዘደንቕ ስእላዊ ቅርጻ ተሰንዩ ቀሪቡ፡ ከምኡውን ዝተፈላለዩ ሀገራውያን ምሁራትን ተቓለስትን አብ ጉዕዞ ቃልስን ሕብረተሰብአዊ ናብራ ኤርትራዊ ሂወትን ጠቓሚ ዝኾነ አስተምህሮታት ብምሀብ ንሀገራውነትካ ዘሕብን ዓቢ ፍርያት ሐዘል መግለጽታት ብምብርካት፡ ተሳተፍቲ ታሕጓሶም ብስነ ጽሑፋትን ብቃልን ክገልጹ አምስዮም፡

ካብኡ ብምቕጻል ድማ አብ ተራ ቃልሲ ህዝብና ዘይሕለል ቃልሲ ዘካየዱን ዘካይዱ ዘለውን ባእታታት ጨንፈር ሽዌደን ንሸውዓተ አባላት ሰልፍን ካብ ሰልፊ ወጻእን ንዘለው ሀገራውያን አሕዋት ንዝገበርዎ ጻዕሪ ብምምጓስ ናይ ክብሪ ብልጫ ሽልማት አወፍየሙሎም።

አብ መወዳእታ ዝቐረበ ለበዋታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ንኽገላገል ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኢድ ንኢድ ተተሐሒዙ ምእንቲ ህዝባዊ ፍትሕን ሐርነትን ፍቕሪ ሀገሩን ህዝቡን መንፈሱ ብምሕዳስ ካብ ጭቆና መላኺ ስርዓት እሰያስ ብኢዱምበር ደንጊጹ ዝህቦ ከምዘይብሉ ብምርዳእ ኩሉንትንኡ ከምዚ ሕጂ ተላዒሎሞ ዘለው መንእሰያት አሕዋትና ሐቢርና ንሀገራዊ ሐድነት ንገስግስ ብማለት በዓሉ ዛዚሙ።

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ክፍሊ ዕዮ ዜና።