ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 07:05 صباحا - 23 03 1433 هـ (15 02 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል  26 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል  26 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ገበናቶም ታሪኽ ኮይኑ ከይተርፍ)

ሸየጦም ክፍለጡ ነቶም

እዚ ውን ይሓልፍ ኢሎም

ብደሞም ኣብ ሲናይ ጺሒፎም

ዝረከቡና ሰኒዶም

ናብ ማፍያ በደዊን መን ከም ዘረከቦም

ይግብኣና ነቶም ዝተረፉ ክነጋልጾም

ከይሞቱ ይተንተን እከይ ታሪኾም።

ኣኽራናት ስንጭሮታት ኤረትራ ተዛረቡ

ናይዝጊ ክፍሉ ክንደይ ጀጋኑ ቀንጺሉ ኣዝጊቡ

ገበን ተቖጺሩ ናይ ቶም ተቓውሞ ዘቕረቡ

እዚ ወሪድና ዘሎ ከይከውን ኣቕልቦ ዝሃቡ

ጀጋኑና ብናይዝጊ ክፍሉ ብሓዊ ዝተለብለቡ።

ናይዝጊ ክፍሉ ክንደይ ከይትድቅስ

ሐደ ካብቶም ናይ ጀጋኑ ቀንጸልቲ ማሃንድስ

ብሰንክኹም ክሳብ ሎሚ እንሆለይ

ደም ኤረትራዊያን ኣሎ ይፈስስ።

(ብዘይ ፍርዲ)

ከም ናይዝጊ ክፍሉ ከየምለጡ

ገበናቶም ከይተርፍ ተዓቢጡ

ከምቲ ዝቀጥቀጡና ክቅጥቀጡ

ማፍያ ናውቲ ኣካላትና ዝሸጡ

ኤረትራዊያን በትርኩም ኣዋጣውጡ

ብህዝባዊ ናዕቢ ሽመቶም ክቕንጠጡ።

ፍርዶም ከይተቀበሉ ከይከዱ

ጀጋኑ አሲሮም ዝሰወዱ

ኢሰያስ ዝመራሒኦም ሓደ ካብቲ ሓደ ዝገደዱ

አብ ኢድ ህዝቢ ክወድቁ እኒ ዓሊ ዓብዱ።

ደም ዝለመዱ ከም ድራኩላ

ንደምስሶም ንሃገርና ክሓልፈላ

ነታ ሰብ ጹሩራ ዝተጻወቱላ

ንዓመጽታ ሕነ ክንፈድየላ

ፍርዶም ክቅበሉ በዓል ዕዋላ

ወይልኤን እተን ንዖኦም ዝዕልላ።

ንሰራቂ ስረቆ ማዓት እዝጊ ክወድቆ

ዘይናቱ ዝበልዕ መታን ክስርንቆ

ንመእሰያት ብዘይ ውዕለት ዝሰብር ሕቖ

ማንኪ ናይ ኢሰያስ ወቃዕ መሰንቆ

እከይ ታሪካ ኣይትፈትን ክተጸብቆ።

ክሳብ ማዓስ እናሻዕ

ብጭፍራ ንጽፋዕ

ክም በጊዕ ንብል ዓዕ

ብበደዊን ንግፋዕ

ያኣክል ሕጅስ ንሳማማዕ

ሰሚርና ንሶጉም ንምጽዋዕ።

(ኤረትራዊት ዋዕሮ ተዛረቢ)

ተዛረቢ ኣይትጨነቒ

ንዳሕዳሓዮ ኩሉ ክፈልጦ እቲ ሓቂ

ናይታ ዎዕሮ ዕትቂ ዕጠቒ

አጋልጽዮም ጭፍራ ምዃኖም ናይ ምጽናትና ጠንቂ።

ንኢሰያስ እንታይ ክንብሎ

ኣብ ዓለም ንወድሰብ ዘይተባህሎ

ካብ ዲክታቶር ንላዕሊ ሓብሩኒ እንተሎ

ኣነሞ ከምቲ ዘሕረረና ከምዚ እብሎ

ቢሂወቱ ኮሎ

እንዳ ሰምዔ ኣብ መቑሎ ክልሎ

እዩ ዝራኣየኒ ኣሎ

ብድሕሪኡ እዩ ወደባት መሰሉ ዝሕሎ

እወ ኤረትራዊ ከምዚዩ ዝብል ዘሎ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን