ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝመርሕዎ ኣ&#470
نشر من قبل omaal في 06:50 صباحا - 23 03 1433 هـ (15 02 2012 م)

ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝመርሕዎ ኣብ ሆላንድ ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ።


تفاصيل الخبر

ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝመርሕዎ ኣብ ሆላንድ ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ።

   ትማሊ ቀዳም ዕለት 11/02/2012 ኣብ ሆላነድ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ዝተሳተፍዎ  ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ።እዚ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝመርሕዎ ኣኼባ፡ ብዛዕባ ኣብ ከተማ ኣዋሳ ኢትዮጵያ ካብ ዕለት 21 ካሳብ ዕለት 31 ውርሒ 11/2011 ዝተኻየደ ዕውት ሃገራዊ ጉባኤ ሰፍሕ መብርሂን ንጹር ሓበረታን ናብ ህዝቢ ኣቅሪቦም።እዚ ካብ  ዝተፈላለየ ከተማታት ሆላንድን በልጂካን ዝመጹ ኤርትራዊያን ዝተሳተፍዎ ሰፍሕ ህዝባዊ ኣኼባ፡ታሪኻዊ ጉባኤና ብዓወት ምዝዛሙ ሐጉሶም ዝገልጹሉ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡

ደንበ ተቃውሞ ሳላ ሐቢሩ ዝስረሔ ዝተመዝገበ ዓወት ምኽኑ ሓቢሮም።

 ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ኣቶ ኣሕመድ ነጋሽ ዋና-ጽሓፊን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክርስያዊ ለውጢ ንኩሎም ተሳተፍቲ ኣኼባ እንቃዕ ደሐን መጻእኩም ድሕሪ

ምባል፡አብ ጉባኤ ዝነበረ መንፈስን ዝነበረ ቅድመ ምድላውን ናይ ስራሕ ምምቃልን

ዕውት ኮይኑ ንክወጽእ ዝተኻየደ ጻዕርን ብሰፍሑ አብሪሁ።ብድሕሪኡ ድማ አቶ መስፍን ፍትዊ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ነቲ ዝነበረ ሃዋህው ዘንጸባርቅ ስፍሕ መብርሂ ኣቅሪቡ።

ኣዚ ድሕሪ ነውሕ ግዜን ጻዕርን ድኻምን ዝተዓወተ ጉባኤን ተረጋጊጹ ዘሎ ስራሕን ኣብ ኤርትራዊ ፖሎቲካዊ ክውንነት ቀጻልነት ክህልዎ ዓወትና ምቅልጣፍን እንታይ ክንገብር ኣለና ዝብል መሃሪ ጽሑፍ ንሆላንድ ብምውካል ንጉባኤ ተሳቲፊ ዝነበረት ኣባል ሽማግለ ኣቶ ኢብራሂም ማሕሙድ ቀሪቡ።ነቲ ዝነበረ ኩነታት ንምብራህ ብተኸታታሊ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣቶ መኮነን ተኽለን ወይዘሮ ኣስገደት ተስፋዮሃንስ ተዛሪቦም፡ ኣስዒቦም ድማ ኣብ ጉባኤ ተሳቲፎም ዝነበሩ ኣቶ ዑቅባእዝጊ ደቡስን ኣቶ ዑመር ዓሊን

ኣቶ ሕሴን ማሕሙድ ብተመሳሳሊ መገዲ ተወሳኺ ሐበረታ ኣቅሪቦም።

ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ነቲ ዝተኻየደ ጻዕሪን ዝተረኸበ ዓወታትን ኣመልኪቶም ሓጎሶም ዝገልጹ በብተራ ተዛሪቦም ምስኡውን ንኩሉ ክፍልታት ሕብረተ-ስብናን ፖለቲካዊ ኩውንነትናን ተንጸባርቅ መርሕነት ምምራጻ ኣመጉሶም።ምስዚ ኣትሒዙ ዝቀረቡ ሕቶትት ነሮም፡ ንኣብነት አብዚ ቀረባ ግዜ ዝተራእየ ናይ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪድን ፖሎቲካዊ ምንቅስቃስ ንስርሓት ናይ እዚ ሐድሽ ባይቶ ብኣሉታዶ ኣይጸልዎን? ዝብል ሕቶ ነሩ። ነዚ ብህዝቢ ዝቀረበ ሕቶ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክርስያዊ ለውጢ ኣዕጋቢ ዝኾነ መልሲ ብምሃብ ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ጥርጠራ ንምእላይን ብዛዕብኡ ናይ ሓባር ዕግበት ክጥረ ሐጊዙ። 

ኣኼቤኛ ኣስዒቡ ብዛዕባ ምንቅስቃስ መንእሰያት ተመያይጡ።ኣንጻር ስርዓት ህግድፍ ብመንእሰያት ዝካየድ ቃልሲ ክሕይል ምግባሩ።ኤርትራዊያን መንእሰያት ኣብ ኩሉ ዘካይድዎ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ እኹል አፍልጦ ክውንኑን ስጢም ዝምድና ክፈጥሩ ምግባር።ምስ ኩሎም ዝተፈላለዩ ተቃልስቲ ሐይልታት ኣድላይ ምርድዳእን ሐቢርካ ምስራሕ ከምዘድሊን፡ ስርዓት ህግድፍ ሰሊኹ ብምእታው ኣብ መንጎ ተቃለስቲ ሐይልታት ነቃዕ ከይፍጠር ተግህና ምስራሕ ከምዘድሊ ተራእዩ።ኣስኢቡ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ተነጽሎ ስርዓት ህግድፍ ኣብ ማሕበረ-ስብ ዓለም ተጠቂምና ተወሳኺ ተነጽሎ ክበጽሖ ዲፖሎማሲያዊ ጻዕሪ ምክያድን ዝምድናና ምሕያል ከምዘድሊ ተላቢዮም።

ክብርን ዝኽርን ንስዋኣትና!                    

 11/02/2012 ሆላንድ