ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 06:37 صباحا - 20 02 1433 هـ (14 01 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 23 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 23 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(እዚ ዘበን ዘበን በሎ በሎ እዩ ዘበኑ)

ነዚኤን ውን የድልየን ኣሎ ጠፍ

ንሳዓብቲ ጃንዳ ህግደፍ

ድምብርጽ ዘይብለን መንእሰይ ክቅዘፍ

ከም ኣምላኽ ዘምልኻ ንውልቀ ሰብ።

Orthodox HEAD 1.jpg

ንመጽነቲ ህዝብና መስቀል መሲልወም ኢዱ ዝስዕማ

ጭርናዓቱ ኣደታት ጀጋኑ ዘሕመማ

ንውልቀ መላኺ ኢድ ነሲኤን ዝሳለማ

ወዲ ኣፎም እንዳላ ኣእዛና ዘጽመማ

ሰብ ክልብም ዘይልብማ

ኣይማሃራንየን ከይተጨልገማ።

እዚ ዘበን ዘበን በሎ በሎ እዩ ዘበኑ

መንእሰይ ን.20 ዓመት ተጸሚሙ ደኒኑ

ሕጂ ግን ያኣክል ኢሉ ሓሪኑ

ኢሉ ህግደፍ ዝህደንሉ ሕጂዩ እዋኑ

ንጭፍራን ሳዓብቶምን ሃዲኑ

ደጊም ምሕረት የሎን እመኑ ኣይትእመኑ።

ዋላ ውን ተጋዳላይ ይንበር

መሰል ህዝብና ክሳብ ዝክበር

ዕምሪ ዲክታቶር ከናውሕ ዝጽዕር

ምስ ደለይቲ ለውጢ ክሳብ ዝሓብር

ጥፍ ኣብልዎ መታን ክማሃር

ተረዲእዎ ኣብ ደንበ ስመር

ንፍትሒ ክቃለስ ኣብ መስመር።

እዚ ዘበን ዘበን በሎ በሎ እዩ ዘበኑ

እቲ ዘይኣምን ዝሕጭጭ ዝዋዘ

ኣእምርኡ ደንዚዙ ዝፈዘዘ

ኣብ ዘበን ውርውራ ዘይንብረቱ ዝሓዘ

ድንብርጽ ዘይብሎ ደም ንጽሃት እንተ ወሓዘ

ብጾቱ ረሲዑ ገንዘብ ሰሲዑ ዋኒኑ ዘዕዘዘ

ሕጂ ኣዕጽምቲ ሰማእታትና ወጊእዎ ይቆንዘ።

መንእሰይ ይብል ኣሎ ክፍደዩ እቲ ሕነ

ኣብ ጎኒ ደለይቲ ለውጢ ኮይነ

ኢሊ ውሑድ ዶ ርእሰይ ኣድኒነ

ደጊም ካሃድኖምየ ንሰብ ደመይ ኣነ

ንህግደፍ ብመንግስትታ ኣፍሪቃ ዝተፈንፈነ

ብመንግስትታት ዓለም ዝተኾነነ

ነበረያ ነበረ ክገብሮ ወሲነ

ደጊም ኣብኣ ይረኽባ ንጭፍራ ዝኣመነ።

(እዚ የዋህ ህዝቢ ዶ ከምዚ ይፍደ)

ነጻነትና 20 ዓመት ኣቑጺራ ፈኸም እንበለት

ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንዳ ኣንቆልቆለት

መንእሰያት እንዳ በልዔት

ኣብ ሕንብርታ ኣብቍላ ኣሰለት

እንታዎት እዮም እዞም ሰባት

ዘፍስሱ ደም ንጹሃት

ዘይስከፎም ናይ ህዝብና ኣውያት

እዞም ኩሎም ጀጋኑ ዝኸፈለት

ሃገር ዶ መፍተት ዋህዮታት

ተረፍ ደርጊ ቅንጅት ምኾነት።

ሳዓብቲ ጃንዳ ይመስሎም እቲ ናይ መንእሰያት ባርነት

ሃገር እንዳ ተሃንጸት ብዘይውዕለት

ብሃገራዊ ኣገልግሎት

ይመስሎም ብመንግስቶም ዝተሃንጸት

ገለ ብፍልጠት ገለ ብዘይፍልጠት

ዝተዋፈሩ ኣብ ምጽናት ደቀባት።

ስለዚ የድልየናሎ ስምረት

ንናይ ህዝብና ንድሕነት

ኣብ 2012 ክንከውን ወነንቲ ሓርነት

ተዛቲና ንረጋግጾ ናይ ኤረትራዊያን ሓድነት።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንልብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን