ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ &#47
نشر من قبل omaal في 10:48 صباحا - 07 02 1433 هـ (01 01 2012 م)

መግለጺ

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

 


تفاصيل الخبر

መግለጺ

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ድሕሪ ምዝዛም ዕውት ሃገራዊ ጉባኤ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኩሉ ዓቅምታት ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ይረባረብ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ መደረኻዊ መደብ ዕዮኡ ቀሪጹን ኣወዳደብኡ ሰሪዑን፡ ንምዕዋቶም ተለሙ ይነጥፍ ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ፡፡

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት 2012 ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ተቃለስቲ ሓይልታቱን እንቋዕ ናብዚ ሓዲሽ ዓመት ዝሰፈሐ ናይ ቃልሲ ሃገራዊ ግንባር ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ዝተመሰረተሉ ዘሰጋገር መድረኽ ኣብቃዓና እንዳበለ ዓመት 2012 ናይ ጽዕጹዕ መኸተን ዓወትን ናይ ሰላምን ዲሞክራሲን ራህዋን ዓወት ክትኮነልና ልዑል ምንዮቱ ይገልጽ፡፡ ንመላእ ምእመና ክርስትና ከኣ ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልኩም ይብል፡፡

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

29 ታሕሳስ 2011-12-31