ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 05:43 صباحا - 23 01 1433 هـ (18 12 2011 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 18 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

BRHE OQBAZGE.JPG

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 18 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

BRHE OQBAZGE.JPG

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ሕጂስ ህዝቢ ይፍለጦ እቲ ሓቂ)

ትም ይኣኽለና

ናብቶም ተቃወምቲ ክነቅንዖ ብርዕና

ንጃንዳ ህግደፍ ክንስዕሮም እንተኮና

ውሽጥና ይጽረ ህዝቢ ክስዕቦ ንቃልስና

ን30 ዓመት ንነጻንነት ተቃሊስና

ምስ ኣራጋገጽና ልእላውነትና

ህግደፍ ምስ ጨወይዎ ነጻነትና ግና

ድሕሪ ነጻነት ብዙሕ ተማሂርና ኢና

ስለምንታይሲ ተቃወምቲ መሲሎም ኣብ ሞንጎና

ኣብ ጉባኤ ሃዋሳ ብዙሕ ተዓዚብና

ዘረግቲ ከም ዘለውና ገና።

ኢትዮጵያዊያን ን.ሃዋሳ ወሲዶምና

መታን ንትምህርቲ ክኮነና

(56) ቀብላታት ብሓባር ምንባረን ተሓቢርና

እዛ ንእሽቶ ኤረትራ ሃገርና ግና

ትሽዓተ እየን ቢሄራትና

ንጠቕሚ መን ኢና

ንማናጨት ዘለና

ቅድሚ ዝኣገረ ንሕና

መግዛእቲ ስለ ዝመረረና

ኣስላምና ክስታና

ኩለን ቢሄራትና

ሓቢርና ተሰዊእና ደሚና

ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊልና

ድሕሪ 30 ዓመት ኣራጋጊጽናዮ ነጻነትና

ብቅልጽምና ሓራ ኮይና ሃገርና።

(ሕጂ ግና)

ንኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ምእላይሲኢና

ሕጂኸ ደኣ እታይዩ ሽግርና

ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢልና

ዶላራት ኦይሮ ፓውንድ ብር ርያል እንዳ ኣከብና

ደቅና እንዳ ኣምሃርና

በለካ ለኽዓካ ኮይኑ ስራሕና

ኢሰያስ እንዳ ኣጽነቶ ንህዝብና

ውድባት ሰልፍታት ነራብሕ ኣለና።

(ደጊም ህዝቢ ይፍለጦ እቲ ሓቂ)

ያኣክል ምርባሕ ውድባት

ኣብዛ ንእሽቶ ሃገር ክንድዚ ሰልፍታት

ሳላሳን ኣርባዕተን 34. ኣቦ ወንበራት

ክሳብ ማዓስ ንኸውን መጻወቲ ዉሑዳት

ህዝቢ ከየድሓንካስ ናብ ስልጣን ምቁማት።

ስምረት ሓዲግካስ ምብትታን

ክንድዚ ምቅድዳም ናብ ስልጣን

ክነጋልጾም ይግባእ ህዝቢ ንምድሓን።

ክፈላሉዩና ክነብሩ እንዳ መቓቐሉ

ዕስራ ዓመት ህዝቢ ሰኣን ስምረትና ተበዲሉ

እዚኦም ከይተመከቱ ህዝቢ ዘበት ክሓልፈሉ።

መንእሰያት መክትዎም ኣይትበሉ ትም

ያኣክል በልዎም

ብ.20 ብ.30 ተሰሪዕኩም

ናብ ስልጣን ቅድድም

ህዝብና ንድሕኖ ንበሎም ቅድም

ግደፉዎ ከም ኢሰያስ ናይ ስልጣን ሕማም።

ዘዝኮረዩ እንዳ ፈጠሩ ውድባት

ላሕ ኣቢሎምና እዮም ሓግዙና መንእሰያት

ክሳብ ሎሚ ክንቃወም ኢልና ከርተት

ንስኻትኩም ኢኹም ናይ ለውጢ ሓይልታት።

ሓዲሽ ጭርሖ ህግደፋዊያን

ኮይኑ ዘሎ ናይዚ እዋን

ህዝቢ እንተ ዝከፍኦ ደኣ ዘይቃወም

ሕጉሳትዮም ብመራሒኦም

ተቃወምቲ እንታይ ግበሩ ትብልዎም

ወዲ ኣፎ ክመርሖም ዘይትሓድግዎም

ሓዲሽ ጭርሖ ካድራት ጃንዳ ህግደፍ።

ወዲ ሃገር ተጨኵኑ ኮሎ ኣብ ሃገሩ

ብጭፍራ ይነብር ኣሎ ሓሪሩ

ውድባት ተራብሑ ክንዲ ትሰምሩ

ሓንቲ ከይሰራሕኩም ኣብ ጥራይ ጎልጎል ትጃሃሩ

ህዝቢ ከየድሓንኩም ናብ ስልጣን ትማጣጠሩ።

ህዝብናሞ ተሳማሚዕና ነድሕኖ ብሓባር

ድሓር ግን ሃገር ስለ ዝኾነት ናይ ሓባር

ብውልቀ ይኹን ብሓባር ይዋዳደር

ወይ ክመርሕ ወይ ክምራሕ ኣብ ሃገር

ሕጂ ግን ንጃንዳ ክንጸርግ ንስመር።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብ ዕዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን