ኣብ ስዊዝ ዝነብሩ ኤርትራውያን 3 ወ&#4
نشر من قبل omaal في 06:48 صباحا - 12 12 1432 هـ (08 11 2011 م)

swiss 1.jpg

ኣብ ስዊዝ ዝነብሩ ኤርትራውያን 3 ወከልቲ ንሃገራዊ ጉባኤ መሪጾም

 


تفاصيل الخبر

The ER NCDC Octo 2011.jpg

ኣብ ስዊዝ ዝነብሩ ኤርትራውያን 3 ወከልቲ ንሃገራዊ ጉባኤ መሪጾም

swiss.jpg

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብን ኮሚሽንን፡ ከም ድልድል ንኸገልግላ ምእንቲ፡ ሽማግለታት ህዝቢ ከም ዝቖማ፡ ምግባሩ ይፍለጥ። ብመሰረት’ዚ፡ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ - ስዊዝ ብ 27 ለካቲት 2011 ተመስሪታ፡ ዕማማታ ከተሰላስል ጸኒሓ።

እታ ሽማግለ፡ ቅድሚ ቑሩብ መዓልታት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ፡ ንህዝቢ ዝዓደሎ ናይ መወዳእታ ብጽሒት 3 ወናብር ንኽምላእ፡ ኣኼባ ኣብ ከተማ በርን ን30 ጥቅምቲ 2011 ብምጽዋዕ፡ መደብ ምርጫ ተሳተፍቲ ሰሪዓ። ኣብቲ ኣኼባ፡ እታ ሽማግለ ጸብጻብ ዘሰላሰለቶ ዕማምን፡ ዘጋጠማ ጸገማትን ኣቕሪባ። ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበላ ሕቶታት ብምምላስ፡ ርእይቶታት እውን ተቐቢላ።

ብድሕር’ዚ፡ ኣብ መስርሕ ምርጫ ወከልቲ ብምእታው፡ 3 ሰባት ንምምራጽ 10 ሕጹያት ቀሪቦም። እቲ ምርጫ፡ ኣስማት ናይቶም ዝምረጹ ሕጹያት፡ ኣብ ወረቀት ብስቱር ብምጽሓፍ፡ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ መስርሕ ምቑጻር ድምጽን ምሕባር ውጽኢትን ድማ፡ ብኣኼበኛታት ብዝተመርጸት፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትርከባ ሽማግለ፡ ኢዩ ተጻፊፉ። 

swiss 1.jpg

እቶም ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ ወከልቲ ህዝቢ ድማ፡-

ሓው ዑመር ጣሃ - ካንቶን ኒዩ-ሻተል

ሓው መድሕን ክፍሎም - ካንቶን ጀነቭ

መንእሰይ መሓመድ ኣማን (ኣንጀባ) - ካንቶን ቱርጋው

ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ፡ ነዞም ወከልቲ ህዝቢ፡ እንቛዕ ሞገሰኩም እንዳበለት፡ ህዝቢ ንዘንበረሎም ሓላፍነት ብግቡእ ንኽፍጽሙ፡ ዘለዋ እምነት ብምግላጽ፡ ኣሳልጦ ትምነየሎም።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ!!

ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ - ስዊዝ

31 ጥቅምቲ 2011

Email: nshmagleswiss@yahoo.com