ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 08:58 صباحا - 10 12 1432 هـ (06 11 2011 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 13 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 13 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

መንዩ መሳርሒ ኣንድነት

መንከ ብጥልመት ብክድዓት ይሕተት

ሊኡኽ ኣስራተካሳ ዘጽንት ዘሎ ናይ ኢረትራ ህዝብታት

ንሕናዶ ቶም ምስ ኢሰያስ ዘጣቕዑ ሃሱሳት

ወናኒ መስከረም ዝርከብዎም ዎይጦታት

እንታይ ዘየዛርብ ዓቅሊ ጽበት

ሃተፍተፍ ጀሚሮም ናይ ጭፍራ ዑሱባት።

ነጻነትና ኣይተረኽበን ብትካቦ

ኣየናይ ቦታ ኤረትራሎ ደም ጀጋኑ ዘይነጠቦ

ሩባ ስንጭሮ ይተሓተቱ እንተላይ ቲጎቦ

መጻወቲ ውሑዳት ኮይኑ መረት ዓደቦ

ወደባት ስመር ንጃንዳ ኣሊኻ ዓደቦኻ ክትርከቦ።

ኤረትራዊ ሰሚርካ ሓቢርካ

ዘረባ መዳናገርቲ ከይሰማዕካ

ወስ ኣብሎ በትርኻ

ናብቲ ደም ዘንበዓካ

ንዑኡ ምስ ኣባረርካ

ክቀስኑ ስውኣትካ

መስተርሆት ክሰፍኖ ዓደቦኻ

ኤረትራዊ በለጽ ያኣኽለካ

ተባራበር ካብ ድቃስካ

ተቃሊስካ ኣራጋግጾ ሓርነትካ

ስመር በላበሎው ይትረፍካ

ንለውጥ ኣበርክት እጃምካ።

ክወግሕዩ ከመይ ዘይወግሕ

ክቅንጠጥዩቲ ጸልማጥ ጽባሕ

ጠለምጢ ሕድሪ ክብሉ ቀባሕባሕ

ግብራዊያን ንኹን ዘረባ ኣይነብዝሕ

ሓርነት ኣይራጋገጽን ብዘረባ ጥራሕ።

ንህዝቢ ዝገፍዕ ከም በጊዕ ይነቅዕ

ኣይድሕንንዩ ዋላ እንተተሓኤ ባጽዕ

ኣቱም ምስ ዲክታቶር ትብሉ ጽግዕ

ብሰንክኹ ህዝቢ ደም ይነብዕ

እቅረታ ክትሓቱ ሕጂ ንጽውዕ።

(ክፍደዩ ቲ ሕነ)

ኣብ ልዕሊቲ ንህዝቢ ዝኸድዔ

ኣብኣ ይረኽባ ምስ ህግደፍ ዘጣቐዔ

ጻውዒት ደለይቲለጢ ዘይሰምዔ።

በደልትና ክነብዑዮም ማንታ ማንታ

ነጻነትና ኣይትተርፍን ብሸፋቱ ተባሒታ

ህዝቢ ኤረትራ ክረክብዩ ሩፍታ

ኤረትራዊት ኣደ ክሕበስ ንብዓታ

ኣደታት ጀጋኑ ክይሞታ

ጸልማት ተቀንጢጡ ክርእያ ወጋሕታ።

መንእሰይ እንተ ተላዒሉ የብሉን ዓጋቲ

ንቃልሲ ድሉው ይክእል ውን ክዝቲ

ምስ ቶም ቀዳሞት ተቃለስቲ

ውይልኦም ናይ ጃንዳ ሰዓብቲ

ኣንባሳደራት ኢና ባሃልቲ

ምስ ደለይቲ ለውጢ ስመሩ ከይትኾኑ ተሓተቲ።

ስምረት ዋጋ ሓርነት

ብስምረት ይራጋገጽ ቅሳነት

ወጊድ ንተንበርካኽነት

ብየዋህነት ኣይስዓርን ምልክነት

ብቃልስና ይራጋገጽ ደሞክራስያውነት።

ንሕና ንዛረብ መንእሰይ ተቃዊሙ ይቅዘፍ

ስርዓት ማፍያ ምፍራሱ ዘይተርፍ

ኤረትራዊ በለጽ ግደፍ

ሕበር በላበሎው ይትረፍ።

ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ

ሰሚርና ንዲክታቶር ምስ ሳዓብቱ ንጽረግ

ኣብ ሃገርና ደሞክራሲ ክራጋገጽ

ኤረትራዊ ተባራበር ኣይትበል ፈዘዝ

ዲክታቶር ኢሰያስ ቢሂወቱ ክተሓዝ

ዒራዒሮ ወሪዱ  ጥዒምዋ ክፍረድ።

(ይቅጽል)

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን