ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 12:47 مساء - 07 12 1432 هـ (03 11 2011 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 12 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክበር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 12 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክበር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ደም ስኒ ካብ ጡፍ ትብሎ ትውሕጦ ይበዝሕ)

ካብ ቶም ንፍትሒ ዝቃለሱ

ይበዝሑ ንምልኪ ዝውድሱ

ናይ ገዛ ተቃለስቲ ኣብ ቃልዕ ወጺኹም ተቃለሱ

ህዝቢ እንዳ ጸነተ ኣይተንባህቑ ድቁስ።

ተረዲእዎምዶ ንህግደፍ ምስ መራሒኦም

ከም ዝተቃራረበ ውድቀቶም

ኣሰር ገዳፊ ክስዕቡ ምስ  ምዃኖም

አብ ሎንዶን እንታይ ክብሉ ዊዒሎም

(አብ ሎንዶን ዝዋዓልኩም ኤረትራዊያን ከመይ ነበረ መኸተ)

ኤረትራዊት ዋዕሮ ምስቲ ነብሪ

ከመይ ነበረ መኸተ ንገሪ

ንህዝቢ ኤረትራ አበስሪ

ሰሚርካዩ ዝስበር ናይ ጃንዳ እግሪ።

ኤረትራዊት ዋዕሮ ስመሪ

ኣእጋር ጠለምቲ ሕድሪ ስበሪ

ንጃንዳ ህግደፍ አትይዎምዩ ቁሪ

ንመንእሰያት ምስ ሰምዕዎም ክጭርሑ ብነድሪ

ውድቀቶም ተራእይዎም ቶም ዘይፈልጢ ነውሪ።

(መንዮም እዚኣቶም)

ኣብታ ቤትና ርስትና

ኣቦሓጎታና ዝውረሱና

ዝኸፈልኩላ ኣሕዋትና ኣሓትና

ነጻነትና ዘራጋገጽናዮ ብመስዋእትና

ደቀባት ክነስና ኣውጺኦምና ካብ ቤትና

ሕጂሞ ስመር ኮይንሎ ጭርሖና

ካብ ሱሮም ክንምሕዎም ንሰብ ደምና።

መንዮም እዚኣቶም

ናትና መሲሎም

ነጻነትና ጨውዮም

ጀጋኑና ኣጽኒቶም

ሰሚርና ዘይንኣልዮም

እንታይ ክደግሙና ንጽበዮም።

(መንዮም እዚኣቶም)

ኣብ ገዛእ ርስተይ ትሕቲ መረት ተደፊነ

ዝበለ ፍትሒ መሰል ሲኢነ

ወደባት ክነሱ ይስመ ወያነ

መንዩ ወያነ

ንሶምዶ ቲ ንጃንዳ ዝኾነነ።

ሕጂ ግን፡

ተበጊሶም መናእሰይ

ህግደፍ ጀሚሮም ዋይዋይ

ምስ መራሒኦም ኣባሻውል ዕባይ

እኒ ማንኪ ክሻ ግብሮም ጠዋይ

ክዝበጡዮም ገሮም ሕርሕራይ

ኤረትራዊ ክጋላገል ካብ ባዓል ካሕዳይ።

ኣይኮነንዶ ሕጂ መንእሰያት ተጸንቢሮምና

ስመር ኮይኑ ጭርሖና

ኣብቲ ጽንኩር ኩነታት እኳ ኢና

ንስርዓት ሕጊ ኣልቦ  መኪትና

ሕጂሞ ክሳብ ሞት ጭፍራ ሰሚርና

ክነዕውቶ ኢና ሓርነታዊ ቃልስና።

ተሰጊሩዩ  እቲ ጸበባ

ክፍሪስዩ ናይ ጃንዳ እንባ

ኤረትራ ክትከውን ናይ ህዝባ

ወደባት ኤረትራዊ ሃገሩ ክርከባ።

ኢሂን ሚሂን ንባሃሃል ድልዋት ንኹን ንዘተ

ኣብ ቦቱኡ ክነብጽሖ ሕልሚ ዓዋተ

ነጻነቱ ከተማቅሮ እቲ ዘይሚተ

ኣብ ሕጊ ክቀርብ ደምና ኣፍሲሱ ንብረትና ዝዘመተ።

(ንድሕነት ህዝቢ ዓቢ ምስ መንእሽቶ ኤረትራዊ ወደባት ስመር ስመር)

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶም