ሓርበኛ ኣበድ ገብረጻድቕ ካብ ነቀ&#462
نشر من قبل omaal في 09:44 صباحا - 30 11 1432 هـ (27 10 2011 م)

ሓርበኛ ኣበድ ገብረጻድቕ ካብ ነቀልካ

እዛ ግጥመይ ተቀበል ካብ ናይ ዕላማ ብጻካ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ)

 


تفاصيل الخبر

ሓርበኛ ኣበድ ገብረጻድቕ ካብ ነቀልካ

እዛ ግጥመይ ተቀበል ካብ ናይ ዕላማ ብጻካ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ)

ሓርበኛ አበድ ገብረጻድቕ ወደባት

ተሰናቢትካ ካብዛ ዓለም ብሃንደበት

ከይተሰናበድካ ንስድራበት ንብጾት

ኣታ ሓርበኛ ኣብ ኩሉ ዝርከብ ብቅጽበት

ሓደ ካብቶም ዘይጠለሙ መብጸዓ ስዉኣት

ሓርበኛ ኤረትራዊ ከይተሓለለ ዝተቃለሰ ንዓመታት።

ናበይ ተሃዊካ ተቃላሳይ ኣበድ ወደባት ወዲ ርስቲ

አብ ቃልሲ በሊካ ብሃገር ክትዝቲ

ክሳብታ ዝተሰዋእካላ ማዓልቲ

ቅሰን አፍሪኻ ኢኻ ተካእቲ።

Flower 2011.jpg

(ነቲ ኩሉ ዝካኣሎ ፈጣሪ)

መብጸዓ ኣሎኒ ዘይበልካዮ

ዕድል ሃበኒ ንጣልማይ ክንኣልዮ

ተቓላሳይ ኣሎ ሓገዝና ዘድልዮ

ኣብ ቦቱኡ ክነብጽሖ ቲ ዝጀመርናዮ

ሹዑ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ጊሰን ምረኣኻዮ

መንእሰይ ንሳዓብቲ ህግደፍ ከብሎም እዝግዮ

እንታይ እሞ እዛ ዓለም ዎዮ

ወሲዳቶ ኣሎ እንዳ በልናዮ።

(ናበይ ተሃዊካ ተቃላሳይ ኣበድ)

ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዶ ኣይነበርካን ምሳይ

ኣውያት ህዝብኻ ክተስምዕ ብቀዳማይ

ንኮንስል ህግደፍ ክትምክት ነቲ ጣልማይ

ንደሞክራሲ ንፍትሒ ተማጓታይ

ይሕሸኒ ካብበልካስ ኣምላኽ ይቀበልካ ብሰማይ።

በል ቅሰን ኣብ ቦቱኡ ከነብጽሖ ኢና ዕላማኻ

መንእሰያት ተኪኦሞዮም ቦታኻ

ብዙሕ ሓዚነ ኣብ ጊሰን ዘይዋዓልካ

ንስውኣትና ብስራት ሕዝካሎም ምከድካ

ግን ንሳ ኮይና ጽሕፍቶኻ

ካብዛ ዓለም ብሃንደበት ተፈሊኻ

ጽንዓት ይሃቦም ንበተሰብካ

ጠሊግደፈሎም ንስድራኻ

(ሓርበኛ ተቃላሳይ ኣበድ ኣምላኻ ብ.መንግስተሰማያት ይቀበልካ)

ሞት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶም።