ናይ ሓዘን መግለጺ ብምኽንያት መጽዋእቲ ሓርበኛ ኣቦና ምሓመድ ዑመር ኣኪቶ ዝተሰማዓና ሓዘን ንገልጽ
ኣሎና ንሕና ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ተቀማጦ ሃገር ጀርመን ብቀዳምነት ንምሉኣት በተሰብ ኣቦና ምሓመድ ዑመር አኪቶ ጽንዓት የሃብኩም
ንብል ቀጺልና ናይ ሓዘንኩም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።
አቦና ምሓመድ ዑመር አኪቶ ሓርበኛ ወዲ ርስቲ
ካብቶም ደቀባት ተማጎቲ
ኤረትራ ንኤረትራዊያን ባሃልቲ
ወዲቃዶ አብ ኢድ ካሓድቲ
መንነቶም ዘይፍሉጥ ዓመጽቲ
ናእሽቱ አይብሉ ዓበይቲ
ብማዕረ ዓፈንቲ።
ወዲ ዓፋር ኤረትራዊ
ክሳብ ግዝየ መስዋእቱ ሓርበኛዊ
ወደባት ወዲ ርስቲ ሃገራዊ
ረቢ ይቀበልኩም አብ ሰማይ ሰማይዊ።
ዝኽርን ክብርን ንጃጋኑ ሰማእታትና
ብወኪል ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራ አብ ሃገር ጀርመን
በርሀ ዑቁባዝጊ።