ጋዜጣዊ መግለጺ ፌደራላዊ ደሞክራ&#4661
نشر من قبل omaal في 09:25 صباحا - 30 11 1432 هـ (27 10 2011 م)

Fedralia 2011.jpg

ጋዜጣዊ መግለጺ

ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ


تفاصيل الخبر

 Fedralia 2011.jpg

ጋዜጣዊ መግለጺ

ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ገለ ኣካላት ንፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ምጽላም፡ ንፖሎቲካዊ መትከላቱን መርገጻቱን ንምድንጋር፡ ብዝተፈላለዩ ድምጺታትን ብርዕታትን ብርቱዕ ጻዕርታት ይገብሩ ምህላዎም ብጽሞና ክንኸታተል ጸኒሕና ኣለና። ብፍላይ ከኣ፡ ብፖሎቲካዊ መትከላትናን መርገጺታትናን ዝርዕዱ ቀንጸልቲ ሓይልታት፡ ህላዊኦም ንምርግጋጽ ኣብ ከቢድ ጸለመታት ተዋፊሮም ይርኸቡ። ኣብ”ዚ እዋን”ዚ እቲ ጸለመታት እናጉለሐ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ ግዜ ዕላምኡ ከኣ ንምዝራግ ሰናይ ዝምድናታትና ምስ ተቓለስቲ ሓይልታት ኤርትራን ፈተውትናን ክሳብ ዝኾነ፡ ካብዚ ብምብጋስ፡ ማእከላይ ስክረታርያ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ነዞም ዝስዕቡ ሓቅታት ከብርህ ይደሊ።

·             ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ከም ደሞክራስያዊ ውድብ መጠን ኣባላቱ ኣብ ገለ ሃገራዊ ጉዳይ ኣገዳስነት ምስ ዝርእዩ ውልቀ-ሰባዊ ርእቶኦም ክህቡ ሓሳቦም ብነጻ ክገልጹን መሰሎም ዝሕሉ ውድብ’ዩ። ኣብ ገለ እዋናት እቲ ዝህብዎ ውልቓዊ ርእይቶታት ምስ መርገጽ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ክጣበቕን ክሰማምዕን ግድን ኣይኮነን። ስለዚ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣባል ዘንጸባርቑ ውልቓዊ ርእይቶታት ዝኾነ ኣካል ከም መርገጽ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ጌሩ ክትርጎሞ ሓላፍነት የብሉን። ምንቅስቓስና ሓላፍነት ዝወስደሉ ዕላዊ ኣርምኡን ብስም ማእከላይ ሰክረተርን ጠቕላላ ሰክረተርኡን ዝወጽእ ፖሎቲካዊ መርገጻት ጥራይ’ዩ።

·             ዝምድና ሓይልታት ገድሊ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ መትከላት ሓባራዊ ረብሓታት ዝተሞርኮሰ ኮይኑ፡ ሰላምን ምርግጋእን ዞባና ንምስፋን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ጥንቲ ዝሰረጸ ታሪኻዊ ምትእስሳራት ንምድልዳል፡ ከምኡ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ ልዕላውነት ኤርትራን ንምርግጋኣን ዘለዎ ንጹር መርገጽ ዝተሃነጸ’ዩ።

·             ብፍሉይ ዝምድና ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዝመደሉ ምስ ዝህሉ ፌደራላዊ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ከም ዝሓሸ መማረጺ ስርዓት ምሕደራ ብምእማኑ’ዩ። ንተሞክሮ ኢትዮጵያ ከም ዝሓሸ ኣብነት ክወስድ እንከሎ፡ ሓድነትን ርግኣትን  ኢትዮጵያ ምርግጋጽ ንሱ ምስ ዘይትግበር ኣጸጋሚ ምንባሩ ብምስትውዓል’ዩ። ከምኡ”ውን ፌደራላዊ ደሞክራሲ ከም ርትዓዊ መማረጺ ብሓሳብን ግብርን ኣብ ብርክት ዝብሉ ብሄራውን ባህላውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ዘለዎም ሃገራት ግርጭታቶም ንምፍታሕ ዘረጋገጸ ፍቱን ተሞክሮ ብምዃኑ’ዩ። ሰለዚ ፌደራላዊ ደሞክራሲ ምርጫና ኣብ ኤርትራ ክኸውን ዝገበረ፡ መፍትሒ ህላዊ ጸገማትናን መጻኢ ውሑስ ሓድነትናን ምዃኑ፡ ጽኑዕ እምነትና ሎምን ጽባሕን’ዩ።

·             ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ንተቓውሞ ኤርትራ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውሃብ ምሕዝነታዊ ደገፍ -ይውሓድ ይብዛሕ- ኣብ ዞባና ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ዓቢ ተራ ዘለዎን ንምሕዝነት ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘደልድልን ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ንረብሓታት መጻኢ ወለዶን ሕድሕድ ምድግጋፋትን ልምዓት ንምውሓስን ዓቢ ስትራተጂካዊ ኣስተዋጽኦ ዘለዎ ምዃኑ ይኣምን።

·             ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራን መሪሕነቱን ምስ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ሰናይ ዝምድናታት ዝሕበነሉ ኮይኑ፡ ወትሩ ንምዕቃቡ ክሰርሕ’ዩ።  ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ዝኾነ ዘዛምዱ ጉዳያት ንዘይዝኾነ ተዓቕቦ ኣብ ነቐፌታን ርእሲ ነቐፌታን ብዘይቀለዓለም ሕድሕድ ምምኽኻርን ኣብ ክሊ ተጋዳላይ-ንተጋዳላይን ሽርክነት-ንሽርክነትን ዝተሞርኮሰ ብምዃኑ፡ ስለዚ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ነዚ ዝምድናታት’ዚ ካብ ባህርያዊ መስመሩ ብካልእ ስያመ እናሰየሙ ንምዝራጉን ንምብርዓኑን ብተግባር ዝሰርሑ ብትሪ ይነጽግን ይኹንን።

·             መሪሕነትን መሰረታትን ወከልቲ ሃገራዊ ኮምሽንን ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣብ ዝርከቡሉ ዝኾነ ይኹን ከባቢ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምቕልጣፍን ኩሉ ውሳኔታት ሃገራዊ ኮምሽን ብምድጋፍን፡ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብቲ ዝተወሰነሉ ግዜን ቦታን ንምዕዋት ብትግሃትን ተወፋይነትን ይሰርሑ ኣለው። ከምኡ’ውን ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ካብቶም ቀዳሞት ደገፍቲ ሃገራዊ ጉባኤ ኮይኑ፡ ንውሳኔታቱን ውጽኢታቱን ዝድግፍ’ዩ።

·             ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ብኣግኡ ንትልሚ ሃገራዊ ዘተ ከፍርሱ ዝፍትኑ፡ ጽልእታት ኣንጻር ኢትዮጵያን ምትእትታው ወጻእን ብዝብል ታቤላ ሒዞም፡ ተረፍ መረፍ ትምክሕታውያን ጸቢብታውያን ሰለይቲ ስርዓት ህግደፍን ብምትእኽካብ ንፌደራልያዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ጸለሎ ክቐብእዎን ክዕንቅፍዎን ንዝፈተኑ፡ ዋጋ ከይሃበ ኣብቲ ዝሰርዖ ሃገራዊ መደባቱ ኣተኲሩ ይምርሽ ኣሎ። ንፌደራልያዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራን ሃገራዊ መንነቱን ንምክፋእ ገለ ገለ ወገናት ስነ-ኣእምራዊ ጭንቀት ዘለዎምን ነብሰ ምትእምማን ዝጎደሎምን ሞራላዊ ቀንጸላታትን ጸለመታትን ንዘካይዱ ቆላሕታ ከይሃበ ክስጉም ደኣምበር ክጭነቐሉ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ኣባላት ውድብ ዘለዎም ውልቓዊ ሓሳብ ናይ ምግላጽ መሰል ብምምዝማዝ፡ ውድባዊ ራእይ ጌርካ ብምወሳድ፡ ምስ ፖሎቲካዊ ውድባትን ኮምሽንን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንዘሎ ሰናይ ዝምድናታት ንምዝራግ ንዝግበር ብቀቢጸ ተስፋዊ ፈተነታትን ኣፍራሲ ምህዞታትን ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣይደሃልን’ዩ።      

·             ማእከላይ ሰክርታርያ ንመትከላትን መደባትን ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ንምክልኻል ብመሪሕነቱን መሰረታቱን ደገፍቱን ዝግበር ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ጻዕርታት እናነኣደ፡  ከም ወትሩ ካብ ጉጉይ ስምዒታዊ ግብረ-መልሲ ብምቁጣብ ተረጋጊኦም ብሓባራዊ መንፈስን ኣብ ክሊ ውድባዊ ስትራተጂን ስልትን መስኖን ተማእዚዞም ጥራይ ክሰርሑ ይጽውዕ።  

ማእከላይ ሰክረታርያ

ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

26 ጥቅምቲ 2011