اليوم الوطني للدعاء
نشر من قبل omaal في 07:09 صباحا - 26 11 1432 هـ (23 10 2011 م)

ሃገራዊ ናይ ጸሎት መዓልቲ

(ትርጉም ብዓረበኛ ኣብ ታሕቲ ርኤ)

اليوم الوطني للدعاء

 


تفاصيل الخبر

ሃገራዊ ናይ ጸሎት መዓልቲ

(ትርጉም ብዓረበኛ ኣብ ታሕቲ ርኤ)

ክቡር ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን እትነብር ፍቱው  ህዝቢ ኤርትራ ። ካብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣትሒዙ  ንህዝቢ ሃገረ ኤርትራ ገጢሞሞ ዘለው በዳህቲ ሽግራት ብርክት ዝበሉ ምዃኖም ንኹላትና ብሩህ‘ዩ።  ንምዝኽኻር ግን  ገለ ካብ’ቶም ንህዝብና ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያትና ገጢሞም ዘለው ስቅያት ክንጠቅስ።  እቶም ንስደት ብምኻድ ንሂወቶም ተስፋ ብምሃብ  ንስድራኦም ክናብዩን ክጥውሩን ብኡ ኣቢሎም ‘ውን ንሃገሮም ክሕግዙ  ዝተበገሱ ዕሸላት መንእሰያት ደቂ ህዝቢ፡ ገለ ኣብ ዶባት ኤርትራ ብሰንኪ ነቶግትን ካልእ ሰብን ተፈጥሮን ዘበገሶም ሓደጋታት ህይወቶም ይስእኑ ብምህላዎም፡ ገለ’ውን ኣብ ኣእዊኻ  ረዳኢ ዘይትረኽበሉ ሆሮርማ ምድረበዳ ሳሃራን፡ መዓሙቕ ቀላይ ማእከላይ ባሕሪን ብዘይ መላስ ኣውያት ሂወቶም ብዘይ ንቡር ምሕላፎም ገለ ካብ ኣብነታት እዮም።

 

ብፍላይ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኩሉና ብዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ንሰሞዖ ከምዘለና ኣብ መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ  ጽምጽም ብድረ-በዳ ሲናይ ብበድዊን ዝተባህሉ ተቀመጥቲ ናይቲ ከባቢ ዝወርዶም ዘሎ ኣስካሕካሕን ኣሰቃቕን ግፍዒታት ንኽትኣምኖ ዘጸግም‘ዩ። ከም ጊላ ተታሒዞም ብገንዘብ ክልወጡን ክሽየጡን ብሂወቶም እንዳራኣዩን እንዳሰምዑን  ኩላሊቶም ከም ዝምንዝዑ ኽትሰምዕ ከሎኻ ኣዝዩ ዘፍርሕን  ዘስካሕክሕን ኣረሚናዊ ተግባር ብምዃኑ ተስተንትንን ዝርንዛሕ ትነብዕን።  

ኣብ ሃገርና ብዙሓት ኣውንታውያን ባህላውን ሃይማኖታውን ልምድታት ኣለዉና። ሓደ ካብቶም ሃይማኖታውያን ልምድታትና  ከኣ አብ ግዜ ራህዋ ኮነ ኣብ ግዜ መከራ ብመራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ተመሪሕካ ሓባራዊ  ጸሎትን ምህለላን ናብ ሉዑል ፈጥሪ ምብጻሕ‘ዩ።  እዚ ዘለናዮ ፈታኒ እዋን ከኣ ሓደ ካብቶም ተደጋጋሚ  ሓባራዊ ምህለላን ጸሎትን ከነዘውትረሎም ዝግብኣና ግዜታት ሓደ‘ዩ። ገለ ካብቶም ኣብዚ ከቢድን ፈታትንን እዋን እዚ ናብ ቤት ኣምልኾና ብምምልላስ ክንጽልየሎምን ክንምህለሎሎምን ዘሎና ከኣ እዞም ዝስዕቡ ምጥቃስ ይከኣል እዩ፡፤    

1.   ሃገርና ኤርትራ ክባርኸልና

2.   ኣምላኽ ወይ ረቢ ሰላምን ፍቕርን ቅሳነትን ከውርደልና

3.   መንእሰያትና ካብ ጸበባ ሲናይን ሞት ማእከላይ ባሕርን ክሕልወልና

4.   ወረ ጥሜትን ዓጸቦን ክጥፍኣልና

5.   ሓሳብ ልብና ከስምረልና።

ሽግርን ጸባባን መኻይድቲ ወዲ-ሰብ‘ዮም። እንተኾነ ግን እዞም ኣብዚ እዋን እዚ  ብሓፈሽኡ ንሃገርና ብቐንዱ ከኣ ንመንእሰይና ኣጋጢሞሞ ዘለዉ ኣብዛ ምድራዊት ዓለም መዳርግቲ የብሎምን እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኩላትና ሰብ ትንፋስ መወትቲ ኢና። ዘልኣለም ዝነብር ትንፋስ የልቦን። እንተ ኾነ ግን እቲ ሞትን ኣደራዕን ኣብ መንእሰይ ብተደጋጋሚ ክኽሰት ክትርእዮ ከሎኻ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ከምዝኾነ ንምግማቱ ዘማትእ ኣይኮነን። እዞም ከምዚ ዝዓይነቶም ወጽዓታት ንኽእለዩ እቲ ናይ መጀመርታ ኣማራጺ ኩላትና ደቂ ሃገር፡ ዓቢይና ንኡሽተይና ፡ ሰብኣይና ሰበይትና፡ ወድና ጓልና ፡ አብ ውሽጢ ሃገር ንሃሉ ኣብ ስደት ብዘየገድስ ኩላትና ኣብ ሓደ ህሞት፡  ልብና ኣንጺህና ናብቲ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝኾነ አምላኽ ወይ ረቢ ጸሎትናን ምህለላናን ምብጻሕ እዩ። እዚ ክዉን ክንገብር ከኣ ኩለንትናዊ መንፈሳዊን ሞራላውን ግዴታ ኣሎና። ከምዚ ብምግባርና ኣምላኽ  ክሕግዘና እዩ። ሃገርና እውን ካብዚ ገጢምዋ ዘሎ ሽግራት ንኽትናገብ መንገዲ ከርእየና‘ዩ።ኣብ  ወሽጢ ሃገርና ዘሎኹም ኩሉኹም ምእመና ከአ ነዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ህዝባዊ ጸሎት ናብ አምላኽና ወይ ረብና ኣብ ምስግጋር መሪሕ ተራ ክትጻወቱ ሃይማኖታዊ ግዴታ ኣለኩም።  ነቶም ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ ኣብ ምድራዊ ሲኢኦል ኮይኖም ዝሳቐዩ ዘልዉ ደቅና፡ ኣሕዋትና ኣሓትና፡ ኣቦታትናን ኣዴታትን ንጸልየሎም። ነቶም ብዘይ ንቡር ነዛ እንነብረላ  ዓለም ዝተሳናበትዎ ኩላቶም ኤርትራውያን ከኣ  ኣምላኽ እቲ  ኣብ’ዛ ምድራዊት ዓለም  ዝሰኣንዎ ጥጡሕ ሂወት ኣብ  ሰማይ ንኽህቦም ብንጽህና ንለምን።

 

ኣመንቲ ምስልምና፡

ዕለት፡ ን ዓርቢ (28/10/2011- September 28, 20011) (04/11/2011- October 04, 2011) ብኹለን ኣብ ወሽጢ ሃገርን ኣብ ስደት ዝርከባ መሳጊድ ክካየድ ንጽውዕ።

 

ኣመንቲ ክርስትና፡

ዕለት፡ ንሰንበት (30/10/2011- September 30, 2011) ን (06/11/2011- October 06, 2011) ኣብ ኩለን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ስደትን ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ክካየድ ንጽውዕ።

 

ኣምላኽ ወይ ረቢ ን ሃገርና ሰላሙን ምሕረቱን የውርደልና፡ ኣሜን።

ብግዱሳት መንእሰይት ኤርትራ ዝተዳለዎ ጻዊዒት ኮይኑ እዋናዊ ስለ ዝኾነ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሱታፌ ዝሓትት እዩ።

 

 

اليوم الوطني للدعاء

 

شعبنا الإرتري الحبيب في الداخل والمهجر، انه لامر جلي ومنذ سنين عديده وحتى يومنا هذا يواجه شعبنا الإرتري كثيراً من التحديات والصعاب. نود زكر بعضاً منها ولكن ليس علي سبيل الحصر بل لتسليط الضؤ اكثر علي حال الشباب الارتري اليوم الذي هو اكثر عرضة للشقاء والعزاب لاسباب واضحه للكل. يغادر شبابنا الوطن مُكرهاً للبحث عن ملاذ امن حيث يمكنهم تطوير انفسهم وتحسين مستوي معيشتهم ودعم اسرهم والوطن. في طريقهم من اجل تحقيق هذا الحلم يمر الشباب بكثير من الصعاب والمآزق يفقد فيها البعض الحياة في اطراف الحدود بسبب الالغام والمتفجرات وبفعل الطبيعه واخطار اخرى سببها الإنسان. والبعض الاخر يكون مصيره الموت والضياع في الصحراء التي لا ترحم وفي اعماق بحار المتوسط غرقاً حيث لا معين ولا مغيث. في مطلع هذا الاسبوع فُجعنا بخبر عبر وسائل الإعلام المختلفه عن مصير اخواننا واخواتنا الذين يوجدون تحت القيد من قبل جماعات البدو في منطقة سيناء المصريه والمعامله السيئه التي يتعرض لها شبابنا من قِبل هذه المجموعات. انه امرمخيف ومفزع جداً ولا يمكن تصوره اليوم بان نري شبابنا يُباع ويُشترا بالمال كالرقيق وليـــــــس هذا فحسب بل تنتزع من اخواننا واخواتنا الاعضاء كالكلي وهم احياء مما يزيدنا المًا وغضباً وتتقطع لها القلوب وتذرف لها العيون دما.

الشعب الارتريي من قديم الزمان له عاداته وتقاليده الدينية والعرقية. ومن ضمن العادات الدينية التي اشتهر بها الشعب الارتري خروج المسيحيين والمسلمين معا للاماكن العامة ومعهم كبار القوم ورجال الدين منهم الشيوخ والقساوسة والدعاء لهذا البلد والتضرع للخالق عز وجل لحفظ هذا البلد من كل شر وإنعامه بالرخاء والسلام. في هذا الوقت بالذات لابد ان نكون يدا واحدة وان ندعو الخالق ان يرفع عنا معانات شعبنا وان يحفظ بلادنا من كل شر. نسأل الخالق عز وجل:

  1. ان يبارك في ارتريا
  2. ان يحفظ بلادنا من كل شر وان يحبب بين ابناء الشعب الواحد
  3. ان يحفظ شبابنا وشاباتنا الذين لاذالو يعانون في البر والبحر وان يرحم الاموات منهم
  4. ان يرفع عنا الجوع والقحط وان ينزل علينا من بركاته
  5. ان يحقق احلامنا

لايمكن لاحد الهروب من الموت ولاكن مايتعرض له الشعب الارتري بصفة عامة وشبابنا الارتري بصفة خاصة من معانة كبيرة يظهر مدى حجم هذه المأسة. وللخروج من هذا المازق يجب على جميع ابناء الوطن صغاراً وكباراً، رجالا ونسائن، شباباً وشيوخاً، فى داخل ارض الوطن او خارجها بان يقومو سويا بدعاء والتضرع الى الله سبحانه وتعالى. على عاتقنا واجب ديني واخلاقي من اجل القيام بهذا. سوف تستجاب دعواتنا انشاء الله. انه واجب مقدس ان يشارك جميع مسلمي ومسيحي ارتريا في هذه الصلوات. لابد من الدعاء لابنائنا، أخواننا وأخواتنا، ابائنا وامهاتنا الذين يعانون من البطش والاطهاض والذين يقبعون داخل المعتقلات وان نترحم على ارواح الذين فقدو ارواحهم في ظروف مأساويه.

المسلمين:

 يوم الجمعة الموافق ٢٨/١٠/٢٠١١ و يوم ٤/١١/٢٠١١ ندعو ان تقام الصلوات في جميع المساجد داخل وخارج الوطن.

المسيحيين:

 الاحد الموافق ٣٠/١٠/٢٠١١ ويوم ٦/١١/٢٠١١ ندعو ان تقام الصلوات في جميع الكنائس داخل وخارج الوطن

وليبارك الله لنا وطننا وشعبنا

أميــــــــــــــــــــن

هذه الدعوة مقامه من قبل بعض الشباب الإرترين ونرجو مشاركة الجميع