ኣገናዕ ሃብሮማት መንእሰያት
نشر من قبل omaal في 06:02 صباحا - 25 11 1432 هـ (22 10 2011 م)

ኣገናዕ ሃብሮማት መንእሰያት

ንስኽኻትኩም ኢኽም ናይ ህዝቢ መስትያት

ብ.ገብረምካኤል ሃብተጽዮን (ቆሪጀ) ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ኣገናዕ ሃብሮማት መንእሰያት

ንስኽኻትኩም ኢኽም ናይ ህዝቢ መስትያት

ብ.ገብረምካኤል ሃብተጽዮን (ቆሪጀ) ሃገር ጀርመን

መሓውራት ህግደፍ ፈርክሽክሽ እንዳበለ

ወይልኡ ጠላም ንህዝቢ ዝበደለ

መንግስትና እንዳበለ ዘውደልደለ

ሕድሪ ስውኣትና ዝጠለመ ከማዛ ዘይመሓለ

ንስነድ ሰውራና ዝጠለመ ነቲ ዝሰንከለ

ንመንእሰያትና ንምጽናት ገንዘብ ዝኸፈለ

ብበደዊ ራሻይዳ ኩሊቱ እንዳ ተመንጠለ

ኣብ ሳሃራ እንዳሞተ ኣብባሕሪ እዳጠሓለ

ጸጊቦም እንዳበለ ዘሽካዕለለ

ህዝቢ ክትጋደል ንኢሰፓ ዘገልገለ

ባህርያቱ ዝዓደሎ ጥረ ዘይበሰለ

መዓልቶሞ ይቁጸሩ ናይ ግህደፍ ቀበለ።

ሕጂ ግን መንእሰይ ብኩሉ ተበጊሱ

ንህዝቢ ንሃገር ንሱዩ ዋሕሱ

ሎሚ ዓመት ጽቡቕዩ ንፋሱ

ተበጊሶም ንህግደፍ ከፍርሱ

ንስማዊ ማሕበራቱ ንኽልምሱ

ሓርነት ማሕበራዊ ፍትሒ ንኽንግሱ

ንፍትሒ ዝጣበቁ ንጠላም ዝምልዕሱ

ብውሽጢን ብደገን ሓቢሮም ዝጉስጉሱ።

እልል በሊ ኣደ ጸሓይና በሪቓ

ጸልማት ተቀንጢጡ በሪቃ ደሚቓ

ንህግደፍ ንምልጋሱ መንእሰይ ዓጢቓ

ኣቅርንቱ ክሰብርዎ ብዝርድኦ ቋንቋ

ትጽብብያ ዘላ እታ መሸንቖቛ

ኣቦታት ኣደታት ለግስሎም ምርቓ።

ደንበና ማሚቑ ደንበኦም ቁሪሩ

መንእሰይ ተላዒሉ ጭዋድኡ ገትሩ

ክሳብ ማዓስ ክነብር ተሸቁሪሩ

ተበጊሶም ብኹሉ ከሕጽርዎ ዕምሩ።

እቶም ንኣመሪካ ንወያነ ዘማርሩ

እቶም ገዛ ገዛ እንዳከዱ ዝኹድሩ

ንዓኹምየ ኣቱም ተዳኹሩ

ኣዕንቶም እንዳረኣዩ ዝዓወሩ

ሕሰብሉ ካብ ሕጂ ብኹሉ ከይትከስሩ

ናይ ሓባር ጸላኢና ኢሰያስዩ ኣይትዳናገሩ

እዚ ፍንፍን ስርዓት ዓለም ዝኸዓቦ

ብጀካ ስልጣኑ ሽግር ህዝቢ ዘዓጅቦ

ዝማሻከን ዝጉምበስ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ

ዘይእሩም ቃላቱ ኩሉ ዝዛረቦ

ልኡኽ ግብረ ሽበራ ተጸባይ ትካቦ

ስሚ መንእሰያት ዓለቕቲ ዓደቦ።

ትምክሕቲ ዝሸንደሖም ድኽነት ዝሽምቱ

እዞም ዘይሓንኩ ልቅብቃብ ሸፋቱ

ብጾቶም ዝቅንጽሉ ስልጣን ንኽብሕቱ

ንገባር ኤረትራዊ መሬቱ ዝዘምቱ

ንመንእሰያትና ንውግእ ዘኽትቱ

ፍጹም ዘይንታዮም ይሰንክሉ ይምቱ

ንመንእሰያትና ገቢሪዎም ባሮቱ

ብኣፍሙዝ ኣርዕዱ ኣዕርብዎ ንያቱ

ዓዲ ማዕቢላ ከኣ ትብሉ እቶም ኣክላባቱ

ብህይወቶም ብደዎም ዝሞቱ።

ብ ኢሰያስ ዘይተፈጸሙ የለውን እንትርፎ ዘይተነግሩ

ብዛዕባ ደርቂ ተሓቲቶም ግምቶም ክሕብሩ

ብብደዔ መለስሎም እንዳ ጓረሩ

በዓል ዓሊ ዓብዱ ዘይሓፍሩ

ጥሙያት የብልናን ጾሞም ዝሓደሩ

ንሕና ኣይኮናን ከምቶም ረዲኤት ዝምእርሩ

መካዚኖታትና ኣለና እኽሊተኾሚሩ

ጃህራታት ዘብዝሕ ኣብ ጥራሕ መዓኮሩ

ረዲኤት ምቅባልስ ሓጥያት ተቈጺሩ

ይቅጽል

ዓወት ንውጽዕ ህዝብና

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍን ውሻላቱን