መግለጺ ምስጋናን አኽብሮትን ብማ&#4629
نشر من قبل omaal في 07:21 صباحا - 18 11 1432 هـ (15 10 2011 م)

መግለጺ ምስጋናን አኽብሮትን ብማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ


تفاصيل الخبر

መግለጺ ምስጋናን አኽብሮትን ብማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

       ሓቀኛ ቃልሲ ዊዒሉ ሓዲሩ ተዓዋታይ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዓወት ግና ቅልጡፍን ጋህድን ዝኸውን ሓፋሽ ህዝቢ ተጸንቢሩ ንትግባረኡ እጃሙ ምስዘበርክት ጥራይ እዩ ዝኸውን። ህዝቢ ዘይተሓወሶ ወይ ዘየጽለሎ ቃልሲ ንጹርነቱን ሸቱኡን ብዘየገድስ ንኽዕወት ዘለዎ ተኽእሎ አዝዩ ጸቢብ እዩ። ነቲ ጋህዲ ክኸውን ዓለም ዘይተጸበዮ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዝተዓወተ ድማ ጽላል ሓፋሽ ህዝቢ ስለዝረኸበ ጥራይ ኣዩ። ነዚ ስለዝፈልጥ’ዩ ማሕበርና ካብ ዝምስረት አትሒዙ አብ ጽላል ህዝቡ ኮይኑ ብዊንታን ድሌትን ህዝቢ ተደሪኹ ክጎዓዝ ዝመረጸ። ህዝብና አጆኹም አብ ጎኑኹም አለና ኢሉ ብሞራልን ንዋትን ስጋብ ሕጂ ንዝገበረልና ሓገዝ ድማ ዓቐኑ ብዘየገድስ ምስጋናና ወሰን የብሉን።

       አብ ዝሓለፈ ቅንያት ውልቀ መላኺ ኢሰያስ አብ ኒው ዮርክ ክመጽእ ምኻኑ ካብ ህዝቢ ቅልጡፍ ሓበሬታ ረኺቡ ምስ ካልኦት ጉዱሳት ኤርትራውያን ሲቪካውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ውሁድን ዕውትን ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ከዳሉን ክሳተፍን ምኽአሉ ድማ መርኣያ ምስ ህዝቡ ዘለዎ ጥቡቕ ዝምድና እዩ። አባላት ማሕበር ናብ ኒው ዮርክ ጉዕዞ ምስ አቕንዑ ህዝቢ ዓባይ ቤይ ኤርያን ካልኦት አብ ርሑቕ ዝቕመጡ ደቂ ሃገር አብኡ ምውዓል እንተተረፈናስ ገለ ክንገብር አለና ኢሎም ዘበርከቱልና ገንዘባዊ ሓገዝ አብ አሳልጦ መገሻና ዓቢ አበርክቶ ተጻዊቱ እዩ። መዛግብ ሰነዳትና ከም ዝሕብሮ ካብ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ኤርትራውያን 5,840.00 ዶላር ክዋጻእ እንከሎ ካብኡ እቲ 5,690.70 ዶላር ንመግዝኢ አየር ትኬት ሹዱሽተ አባላትን ንናይ ሆቴልን ንኻልእ ነአሽቱ ወጻኢታትን ከም ዘውዓልናዮ ምስናይ አኽብሮት ንሕብር።

       ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ከምታ ክንብገስ ከለና ሓሳብ ልብኹም የስምረልኩም ኢልኩም ዘፋነኹምና፣ ሓሳብ ልብናን ሓሳብ ልብኹምን ሰሚሩ ምስ ከማና ደለይቲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራውያን ሰሚርና ዝገብርናዮ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ አብ ታሪኽና ፉሉይ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ነቶም ንህዝብና ዘድምዩን ንሃገርና ዘጽንቱን ዘለው ገበርትን ሓደግትን እቲ ስርዓት ዲክታቶር ኢሰያስ አፈወርቂ፡ የማነ ገብረአብ(ማንኪን) ሓጎስ (ክሻን) አብ ጎደናታትን ቤት መስተታትን ኒው ዮርክ ቅድሚ ሕጂ ወሪድዎም ዘይፈልጥ ጽፍዒትን ውርደትን ንኽወርዶም ምስ መንእሰያት ብጾትና ዝገበርናዮ መስተንክር ስራሕ አብ ቃልሲ አንጻር ውልቀ ምልኪ ፈጢርዎ ዘሎ ጽልዋ ትስሕትዎ ኢኹም አይንብልን።

       አብዚ ፍርሒ ንሓዋሩ ዝቐንጠጠን መራሕቲ ህግደፍ ክድፈሩን ክዋረዱን ዝኽእሉ ከማና ፉጡራት ደቂ ሰባት ምኳኖም ዘግሃደ ስርሒት አብ ቃልስና ሓድሽ መድረኽ ዘበስር ቃታ ሲሒቡ ይርከብ። እቶም ብዝወረዶም ፍሽለት ሕርር ኩምትር ዝበሉ መጣቓዕቲ ጠላማት ከም አመሎም ከጉባዕብዑን ክህድዱን እኳ አንተፈተኑ ኩሉና ከምዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን ሓፍሽ ህዝብና አብ ጎድንና ኮይኑ ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን ምባሉ አዝዩ ከምዘሐበነና ክንገልጽ ንፈቱ። አንተ ንሕና ክንብገስ ከለና ንፍርሒ ዝኸውን ቦታ ስለዘይነበረና ህግደፋውያን ምፍራሕስ ናባኩም ተገልቢጡ’ሎ ንብለኩም።  

       ብህግደፍ ዝፍኖ ዘሎ ከንቱ ዘየለን ዘይተገብረን ሃተፍተፍ ህዝብና ፈልጥዎ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ናብ ሕጊ ዝቐርብ እቶም መጋበርያ ህግደፍ እምበር እቶም ወጽዓ ህዝቦም ዓዚዝዎም ዝቃልለሱ ዘለው ከምዘይምኻኖም ንጊዜ ዝግደፍ ኮይኑ ንረኽቦ። ነቶም ንውልቀ መላኺ ከውድሱን ከዳኽሩን ናብ ኒው ዮርክ ዝተጎዓዙ ሕልንኦም ዝሸጡ ኤርትራዊ ሕልናን ስነምግባርን ዘይብሎም ሰባት ተግባራቶም ዘሕንኽ እኳ እንተኾነ ጊዜኦም ምብቁዑ አተበስር ደወል ትድወል ስለዘላ ቡዙሕ ክንዛረበሉ አይንደልን።

      አብ መዛዘሚ ነቲ ኩሉ ዝተገብረልና ሓገዛት እንዳመስገንና ነቶም ሓገዛት ክትገብሩ ዝተወከስኩምናን እትደልዩን ሰባት በዚ ዝስዕብ ሕሳብ ቁጽሪ ባንኪ:

Eritrean Youth for Change - Chase Bank

Account# 4952866817

Routing# 32271627

Or our address is: 353 Euclid Ave. #309, Oakland, CA, 94610

ክትልእኩልና ከም እትኽእሉ አንዳሓበርና ንዝግበረልና ሓገዝ አቐዲምና ነመስግን። እቲ ብናይ ውሑዳት አባላት ዘይሕለል ጻዕሪ ዘገም ክብል ዝጸንሔ ማሕበርና ዘለዎ ሕጽረት ናይ ገንዘብ እንድሕር ተቓሊልሉ ካብዚ ዘሎዎ ንላዕሊ አበርክቶ ክገብር ምዃኑ ብሓበን ክንሕብር ንደሊ።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ሰማእታትና ንዘንተ እለት ይዘከሩ!

ቦርድ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

13 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም