ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ በርሚንጋሃም
ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ በርሚንጋሃም
ተሓጋጋዚት ሽማግሌ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ጨንፈር ዞባ ማእከል (The Midlands, UK) ነቲ ኣብ መጨረሽታ ሕዳር ዝጋባእ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንዞባ ማእከል (Midland) ወኪሎም ዝሳተፉ ኣባላት ንምምራጽ ንቀዳም 15/10/2011 ካብ ሳዓት 3፡00 ክሳብ ሳዓት 6፡00 ናይ ምሸት ህዝባዊ ኣኼባ ኣዳሊዩ ስለ ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ፈታው ሰላምን ደላይ ዲሞክራሲያዊ ለውጥን ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለትን ሳዓትን ምሳና ተሳትፈኹም ከተበርክቱ ብትሕትና ንሓትት። በዚ ኣጋጣም አቶም ክሳብ ሕጂ ናይ መመዝገቢ ዘይከፈልኩም ግቡእኩም ከተማልኡ ንምሕጸነኩም።
ቦታ:
25 Withmore Road, Smallheath
Birmingham. B10 0ND
ብሰላም ምጹ
ተሓጋጋዚት ሽማግሌ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ
ክፍሊ ዜና