ጋዜጣዊ መግለጺ ብጒዳይ ምቛም ኣወ&#461
نشر من قبل omaal في 08:00 صباحا - 17 11 1432 هـ (14 10 2011 م)

ጋዜጣዊ መግለጺ ብጒዳይ ምቛም ኣወሃሃዲ

ሽማግለ ምትእስሳር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት

 


تفاصيل الخبر

ጋዜጣዊ መግለጺ ብጒዳይ ምቛም ኣወሃሃዲ

ሽማግለ ምትእስሳር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት

13.10.2011   

ካብ መጀመርያ ወርሓት 2011 ጀሚሮም ርክብ ከካዝዱ ዝጸንሑ እተፈላለዩ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ: ብ9 ጥቅምቲ 2011 “ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኤርትራ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣካል ኣቚሞም ዘሎዉ። ናይዚ ህዝባዊ ምትእስሳር/network/ ሓፈሻዊ መትከላትን ዕላማታትን ዘነጽር መወከሲ ሰነድ እውን ጸዲቑ።   

እቲ ሰነድ ከም ዘነጽሮ፡ ቆይሙ ዘሎ ኣካል፡ ኣብ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ሰላማውን  ዲሞክራሲያውን ቃልሲ ናይ ዝኣምኑ ፓለቲካውን በርገሳውን ሓይልታትን ውልቀሰባትን ጥርናፈ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከረጋገጽን፡ ስርዓተ ሕጊ ዝገዝኦ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ንምትካልን ከኣ ይቃለስ።

ብኻልኣ ኣዘራርባ፡ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት፡ ኣብ ቃልሲ ንዘሎው ናይ ተቓውሞ ሓይልታትን፡ ኣብ ሓያለይ ኲርንዓት ዓለም ንጆግራፊካዊ ኣተሃላልዋ ኤርትራውያን ዝውክሉ ባእታታትን፡ ናይ ዜና መዕከናት ተዋሳእትን ዝሓቖፈ ኢዩ።  ኣባላት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት፡ ኣብ ህልው ኲነታት ኤርትራን ህዝባን፣ ኣብታ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ እትህነጽ ሃገረ ኤርትራን ሓደ ሚዛንን ራእን ይውንኑ፤  ቀንዲ ኣትኲሮኦም ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ንዘሎ መላእ ህዝቢ ኣወንታዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ምልዕዓልን ምቅላስን ኢዩ።

ቀንዲ መትከላት ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፡-

ሓዲሽ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ድሕሪ ምቛሙ፡ ንመዓልታዊ ስራሓት ብኣድማዕነት ንምስልሳል፡ ሸውዓተ ዝኣባላቱ ፈጻሚ ሽማግለ መሪጹ። ንሳቶም ከኣ፡ ኣምባሳዶር ሑመድ ኩሉ፡ ኣቦ መንበር፣ ወይዘሮ ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ምክትል ኣደ-መንበር፣ ኣቶ ኣማረ ገብረ፡ ጽሓፊ፣ ኣቶ ጸጋይ ነጋሽ፡ ተሓዝ ገንዘብ፣ኣቶ ረዘነ ሃብተ፡ኣባል፣ ኣቶ ወልደሱስ ዓማር፡ ኣባል፡ ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድ፡ ኣባል። ፈጻሚ ሽማግለ ብህጹጽ ከዐውቶ ትጽቢት ካብ ዝግበረሉ ዕማማት እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፡-

-       ተጀሚሩ ንዘሎ ህዝባዊ ምትእስሳር ብእተዓጻጸፈ መልክዕ ምስፋሕ፤

-       ነቲ ልዑል ዝኾነ ዕላማታት ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝያዳ ምግላጽ/ምብራህ፤

-       ንሓቀኛ ትርጉም ‘ወካሊ ዲሞክራሲ/representative democracy’ ኣብ ሓፋሽ ህዝቢ ምስራጽ፤

-       ኣባላት ምትእስሳር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት፡ ነቲ እተሰማምዑሉ ዕላማታት ንምዕዋት ዘድልዮም ኲለንትናዊ ሓገዛት ምብርካት።

ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት

9 ጥቅምቲ 2011

CCENDF@gmail.com