(ናጽነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#46
نشر من قبل omaal في 08:53 صباحا - 20 10 1432 هـ (18 09 2011 م)

(ናጽነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ)

ናይ ውሽጢ ሃገር ኣለና ማዓስዮም ዝትንሱኡ ምስ ጸነትና

ይ.7.ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

(ናጽነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ)

ናይ ውሽጢ ሃገር ኣለና ማዓስዮም ዝትንሱኡ ምስ ጸነትና

ይ.7.ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ንዝኽሪ ንመበል 10 ዓመት ንደለይቲ ለውጢ ሓርበኛታት ደቂ ኤረይ)

ንህልዋት ሓርነት እምነ) ንስዉኣት ካኣ ከምቶም ዝሓለፉ

ሰማእታትና ታሪኽኩም ይጻሓፍ ኣብ ወርቃዊ ብራና።

 (ዓገብ ያኣኽለካ ኣታ ባዓል ጹሩራ)

በዚሑ ዝሕምቖ ኣለኒ ኣይትሓዙኒ

ሕልናይ ድቃስ ሰለ ዝኸልኣኒ ዝብሎ ኣሎኒ

እንዳበልካ እንታይ ገደሰኒ

ኣብ ልዕሊ ቶም ተቃለስቲ ምውርዛይኩም ገሪሙኒ።

ኣታ ባዓል ጹሩራ ምስ ኢሰያስ ኮንካ ተጽንት ዓደቦ

ያኣኽለካ ወድኹም ሃዲሙ እንዳበልካ ምብላዕ ጉቦ

ዘይውግሕ መሲሉካ ኣፋራሪሕካ ገንዘብ ትእክቦ

ንህዝቢ ዝበደለ ኢድ ሸናሒት ንኹሉያ ትረኹቦ።

ትህንደዱ ድኽመትና ክነግረና

ውድባት ድኹማትዮም ትብሉና

እንታይ ስለ ዝሰራሕኩም ሕልፍና

ዘድምዕ ከይንሰርሕ ዕንቅፋት በዚሕና

ኣይትዘንግዑ ኣንጊህኩም ከም ዝበደልኩምና

እዚ ከይመጽእ ዓገብ ስለ ዝበልና

ሕጂ ኸ ኣደ መን ክተብክዩ ተባሂልና

ሳኣን ሓቆም ኢልኩም ትስዕቡና

እንተበለኩም ንሕና ኢና ነጻነት ኣምጺእና

ዘንጊዕኩም ንሕና ውን ብግደና

ንነጻነት ከም ዝተቃለስና ዝተሰዋእና ዝሰንከልና

ነቲ ሎክመኛ ሰሚዕኩም ከዲዕኩምና

ናዓኹም ጠሊሙ ንመላእ ህዝብና

ኣብ ኣስመራ ናይ ሸፋቱ ስርዓት ተኺልኩምልና

ሳኣን ሓቢርካ ዓገብ ምባል ብጃንዳ ንጸንዝ ኣሎና።

(ያኣክል ኣታ ባዓል ጹሩራ)

ንሕናን ዕላማናን እንተተረዲኡኩም ትርጉሙ

ዝሓለፈስ ሓሊፉ ሕጂ ለብሙ ክነድሕን ንዝተረፉ

ንኢሰያስን ጭፍርኡን ምሳና  ሓበርኩም ክተጽድፉ።

(ካብ 201 ክሳብ ሎሚ)

ነቐፈታ እመኑ

ምውርዛይ ሓሊፉዩ እዋኑ

ጉጅለ 15 ካብ ዝእሰሩ 10 ዓመት ኮይኑ

ናይ ውሽጢ ኣለና ህዝቢ ክተድሕኑ

ምስ ኤ.ዲ.ኪ ንለውጢ ክትብገሱ ሕጂዩ ኡዋኑ።

ጉጅለ 15 ብውሽጢ የብሎምን ዶ ሳዓብቲ

ሕነ ቶም ብቃጻ ዝሓቐቑ ፈደይቲ

ሕነ ቶም ንስለ ፍትሒ ተበጀውቲ

ሕነ ቶም ዝተኣሰሩ ሸኻት ኣቅሽቲ

ሕነ ተን ዝተኻላኸላ ንርስቲ

ሕነ ቶም ንደሞክራስያ ተኻላኸልቲ።

ሕነ ቶም ኣብ ደገን ውሽጥን ዝተቐንጸሉ

ሕነ ቶም ኣብ ኤረትራ እዚ ከይመጽእ ዝተኻላኸሉ

ሕነ ቶም ንሰለ ስምረት ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝተቀትሉ

ነዚ ዘይትገብሩ ዲኹም ናይ ውሽጢ ኣለና ትብሉ

ደለይቲ ለውጢ ሓርበኛታት እንዳ ተመንከሉ።

(ያኣክል ኣታ ባዓል ጹሩራ)

እንዳ ጸነቱ መንእሰያትና ብመልሓስ ኣለና

ዓድታት እንዳ ተበታተና

ህግደፍ እንዳ ኣባሳበሶ ህዝብና

እንዳ ተጋህሰ መሰላተን ቢሄራትና

እንዳ ተኣሰሩ ኣቕሽትና ሸኻትና

እቶም ደሞም ኣፍሲሶም  ዝረኸብና

ቀያሕትን ጸለምቲ ዝኸፈልናላ ናጽነትና

ሕድሮም ተጠሊሙ ጭፍራ ይዕንድርሉ ዓድና

እንታይ ትጽበዩ ናይ ውሽጢ ኣለና

ኣለና ብግብሪ እንበር ብዘረባ እንታይ ክኮነና

ብዙሕ ሰሚዕና ብዙሕ ኣንቢብና ግብሪ ጎዲሉና።

(መንእሰያት ጠርናፊ ሲኢኖም)

ኣጥፊኦም እንዳ ጠፍኡ

ማዓስዮም ናይ ውሽጢ ኣለና ዝትሱኡ

ነቀፈታ እመኑ ሓቂ ኣይትጽሉኡ

ሕጂ እዩ እዋኑ ክንገብር ሓዲኡ

ኣለናስ ሰሚዕና ንለውጢ ትንስኡ።

ናይ ውሽጢ ኣለና ዘይትዋሃሃዱ

ምስ ናይ ኤ.ዲ.ኪ ኣሃዱ

ኣለና ካብ ትብሉ ማዓስ ዊሒዱ

እንተ ንተሓጋገኡ ዶ ጭፍራ ምሰወዱ።

ኢሰያስ ማዓስ ምበለ ተሓንበለ

ንህዝቢ እንዳ መቃቀለ

ናዓይ እመኑ እንዳ በለ

ከይንሳነ እንዳ ፈላለ።

ኣብ ደገ ብሃሱሳቱ

ኣብ ውሽጢ ብሉኻቱ

በብሓደ ህዝቢ ጸኒቱ።

ነቲ ባዓል ሽዳዶ ባዓል ሰንዳሊ

ብማዕዶ ዝራጋሕ ከም በቕሊ

ተሳኢኑዶ ንዑኡ ዝኣሊ።

(ያኣክል ኣታ ባዓል ጹሩራ)

እቲ ትብዓት ኣደታት ኣበይ ኣበለ

ንወረርቲ ገዛእቲ ዝባህደለ

ኣጆኹም ዞም ደቀይ እንዳበለ

ሕጂ ዳኣ ንምንታይ ትም ዓገብ ዝብል ዘየለ

ሓርበኛ ብቃጻ እንዳ ተመንከለ

ቅናትክን ዶ ኣፍቲሑክን ብደም ደቅኽን ዝገበለ።

ሔቦ ኢልና ቶም ሕድሪ ዘይጠለሙ ሰብ ሓቦ

ንቃለስ ኣለና ሓራ ክሳብ ዝኸውን ዓደቦ

ንህግድፍ ስልጣን መንጢልና ንህዝቢ ክነረክቦ።

(ይቅጽል)

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን