ነጻነቱ ብደሙ አራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 06:56 صباحا - 10 10 1432 هـ (08 09 2011 م)

ነጻነቱ ብደሙ አራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

ይ5 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ አራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

ይ5 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ወዮ ሎክመኛ በሊዑ ኣሉ

ምስ ጃንድኡ ከምዘይጸንሑ ከታልሉ

ኣብ ኤረትራ ጥምየት የሎን ከምዘይበሉ ኣሉ

መራሒኹም ጥምየት ከም ዘሎ ኣሚንሉ

ዑሱባቱ ዓዲ ጽጋብ ኣሎ ትብላ ትብሉ

ሕጂኸ እንታይ ኢልኩም ክትካላኸልሉ

ብሕልፊ ተን ዋጭላቱ ትዕልላሉ

ጭፍራ ማዓስ ተሰዊኦምሉ ሰንኪሎምሉ

ባዓል ዋዕሮ ረባዕ ዝተሰዋኣሉ

ክሒድካን ንመራሒ ጭፍራ ትሰግዳሉ

ተረዲኡክን እንተኾይኑ ግዙኡ ኣኺሉ

ሕጂዩ ንጭፍራ ዓገብ ትብልሉ ትብላሉ።

እቶም ጥሩንባ ሓሶት ትነፍሑ

ገንዘብ ውጹዓት መንዚዖም ዝሰብሑ

ህግደፍ ወይ ሞት ትጭርሑ

ለኪምኩም ከይጠፍኤ ሕጂ ተናስሑ።

እቶም ብደም ንጹሃት ዝጻወቱ

ደሞክራሲ ከይትከል ኣብ ሳዓቱ

ብደገን ብውሽጥን ንኢሰያስ ዑሱባቱ

ብኣምዑት ኣሕዋቶም ትጻወቱ

ደም ንጹሃት ኣይተርፍን ንኮንቱ

ክትስሕንዋ ኢኹም ንምሸቱ።

ብደም ዝተሃንጽት ሃገር ተፍርሱ

ክብርናን መንነትና ከህስሱ

ተቃለስቲ መሲሎም ዝተሓወሱ

ጉድኩም ተቀሊዑ ኣይትደቅሱ

ደቀባት ኣለዉ ንድሕነት ህዝቢ ዝግስግሱ

ዘይከምቶም ንኽብሮም  ከይይካላኸል ደቂሱ

ሓቦ ሲኢኖም ሓሞቱ ፈሲሱ

ዘገርም ግን ይዋራዘ ብድቁሱ

ጓህሪ ረጊጽኩም ኣይትደቅሱ።

እቶም ከም ዝራብዕ ዝሰወዱ

ሕድሪ ጠሊሞም ዝካሓዱ

ኣብ ሕጊ ቀሪቦም ምስ ተፈርዱ

ደቂ ኤረይ ካብ ጉድጓድ ወጺኦም ክወዱ

ሕንጢት ዕንዱ

ሹዑዩ ሃገራዊ ዝሃንጽ ዓዱ።

ህግደፍ ዘይተርፎ ከም ገዳፊ ሃደሽደሽ

ምስ ሳዓብቱ እቶም ብሓሶት ዝብሉ ፈሸሽ

ነበርቲ ኣይኮኑን ሃገራዊያን ኣይትቀሸሹ።

(ኣቦታትና ከምዚ ናትካ ምስ ረኸቡ ኣተዓባቢያ ዝበደሎ ይብሉ)

ናይ መስከረም ሽማ ዝተሰከመ

ኣንጊሁ (ን.ተ.ሓ.ኤ) ዝጠለመ

ናይ ሕጂ ገደደ ንሰማዒኡ ዘስደመመ

ን.ተ.ሓ.ኤ ሃይማኖታዊ ውድብ ዝሰመ

ካባኻስ ከልቢ እኳ ይሓይሽ ይጽገብ ይጥመ

ንዋንኡ ይሕሉ ከይከሓደ ከይጠለመ።

ወዲ ጀነራል ብሎቅመጽመጽ ዝዓበ

ኩሉ ፈንፊንኳ

ንኣብ መርበብካ ዝተለጠፈ ዘብንበበ

ንህግደፍ ዘሕጉስ ጽሑፍ ምስ ረኸበ

ንተቃወምቲ ኣጸሊሙ ሹዑ ይጽበ

ካብ ዓሊ ዓብዱ ዶላራት እንተረለበ።

(በል ስማዕ)

ተ.ሓ.ኤ ትኹን ተን ክልኡት ውድባት

ናይ ኣስላም ይኹና ናይ ብሄራት

ደምሲሰን ናይ ህግደፍ ስርዓት

ዕላምኤን ንጹር ህዝቢ ምውጻእ ካብ ጸልማት

ኣብ ኤረትራ ክሕልዋ መሰል ህዝብታት

ኣስላምይ ክስታናይ መሰሉ ክሕሎ ክረክብ ቅሳነት

ኤረትራ ክትማሓዳደር ብኣብዛሓ ሰልፍታት።

(ንስኻን ከማኻን)

ክሳብ ማዓስ ህዝቢ ክተታልሉ

ሓድነትና ክትብትኑ ትምህለሉ

ህዋሳትኩም ኤረትራዊ ደም ዘይብሉ

ክሳብ ሰማይ ንብላዕ ስርናይ ኣይትበሉ

ምስ ወግሔ ከቢድ ዋጋ ከይትክርፍሉ።

(ይቅጽል)

ዓወት ነቲ ደም ዝነብ ዕዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጃጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን