ቃል ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈ&#47
نشر من قبل omaal في 06:39 صباحا - 10 10 1432 هـ (08 09 2011 م)

Alaince 1.jpg

ቃል ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤ.ዲ.ኪ.

ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር

ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርት


تفاصيل الخبر

Alaince 1.jpg

ቃል ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤ.ዲ.ኪ.

ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር

ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርት

ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነት ውድባትን ሰልፍታትን

ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነት ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

ዝኸበርኩም ኣባላት ምምሕዳር ስደተኛታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ እዚ ታሪኻዊ ባዕል ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾንኩም ኣሕዋትን ኣሓትን

ዝኸበርኩም ዑዱማት ኣጋይሽን ወከልቲ ዜናን

ብቀዳምነት እንቋዕ ናብዚ ንመበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ጽንብል ወርቃዊ እዮበልዩ ኣብጸሓና እንዳበልኩ ነዛ ታሪኻዊት መዓልቲ እዚኣ ንምብዓል ዕድመና ኣኽቢርኩም ካብ ቀረባን ርሑቕን ንዝመጻእኩም ኣሕዋትን ኣሓትን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም እንዳበልኩ ብስም ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ክብ ዝበለ ሕውነታውን ገድላውን ሰላምታይ ከቕርበልኩም እፈቱ፡፡

ከምኡ’ውን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነዛ ታሪኻዊት መዓልቲ እዚኣ ብድምቀት ንምብዓል ከይተሓለሉ ጻዕርታት ንዝገበሩ ጨንፈር ኤ.ዲ.ኪ ኣዲስ ኣበባን፡ ተሓባበርቲ ኮሚቴ ምምሕዳር ስደተኛታት ኣ.ኣ ልኡል ምስጋናይ ከየቕረብኩሎም ክሓልፍ ኣይደልን፡፡

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ዑድማት ኣጋይሽን

ሎሚ ንመበል 50 ዓመት ባሕቲ መስከረም ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ወርቃዊ እዮበልዩ ነብዕል ኣሎና፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኹሉ ናይ ተኸታተልቲ ባዕዳውያን መግዛእቲ እናተቓወመ ብሰላማዊ ኣገባብ ንከባቢ 20 ዓመት ዝኣክል ድሕሪ ምቅላሱ ሕጋውን ፍትሓውን ሕቶኡ በዚ ኣገባብ እዚ ክፍታሕ ኣብ ዘይከኣለሉ ኹሉ ጻዕርታት ኣብ ዕጹው ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ ምእንቲ ሰብኣዊ ክብሩን መንነቱን ክብል ብዓመጽ ሓርነቱ ከረጋግጽ ዝተበገሰላ ታሪኻዊት መዓልቲ እያ፡፡ በዚ ዕጥቃዊ ኣገባብ ቃልሲ እዚ ንገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያን ልዕሊ ሓያላን ተሓጋገዝቶምን ከይተንበርከኸ ን30 ዓመታት ተቓሊሱ ነጻን ልዑላውነትን ሃገረ ኤርትራ ዘረጋገጸላ ክብርቲ መዓልቲ እያ፡፡ ሎሚ ባሕቲ መስከረም ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና ከነብዕል እንከሎና ብሓደ ሸነኽ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ስርዓታት ነጻን ልዑላዊትን ሃገረ ኤርትራ ብምርግጋጽና ክንሕጎስ እንከሎና፡ ብካልእ ሸነኽ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ተጋድሎ ህዝብታት ኣፍሪቃን ዓለምን ምእንቲ ሓርነቱ መስተንክር ዝኾነ ታሪኽ ሰሪሑ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ከብቅዕ ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ጸረ ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ፍጹም መላኺ ቶታሊታሪያን ስርዓት ህግደፍ ዘቤታዊ መግዛእቲ ምውዳቑ ብጣዕሚ ንሓዝን፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘካየዶ ነዊሕን ከቢድን ጽዕጹዕ ጅግንነታዊ ሓርበኛዊ ብረታዊ ተጋድሎኡ እዚ ሓደጋ’ዚ ክገጥመኒ እዩ ኢሉ ኣይተጸበዮን፡፡ ትጽቢታቱ ኣብ ሓንቲ መሬታን ህዝባን ሓራ ኣብ ዝኾነት ኤርትራ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ኣንጊሱ ብዘይ ሸለብ ገለብን ምሽቁራርን ተሓቢኑ ዝነብረላ፣ ብነጻ ዝመሰሎ ዝዛረበላን ዝጽሕፈላን ዝንቀሳቐሰላን፣ ኣብ ዝመሰሎ ተወዲቡ ዝቃለሰላን፣ ሃብቲ ሃገርን ስልጣንን ብምዕሩይ መንገዲ ዘማቃርሓላን፣ መጻኢ ዕድሉ ብነጻ ምርጫ ዝውስነላን፣ ብፍቶታውን ማዕርነታውን መንገዲ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ተኸባቢን ተሓቋቍፉን ብሰላምን ደሞክራስን ቁጠባዊ ምዕባሌን ንቅድሚት ዝምርሸላን፣ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታትን ዓለምን ኣብ ማዕርነትን ኣብ ናይ ሓባር ምክብባርን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ዘይምትእትታውን ኣብ ሓባራዊ ሰላማዊ ናብራ ዝምድናታት ሰሪዑ ተሓጋጊዙ ዝምዕብለላ ንምዃን ትጽቢታቱ ነይሩ፡፡

እዚ ኹሉ ንምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ዘበገሰ ቅዱስ ዕላማታት እዚ ግን ብሰንኪ ጸረ ህዝቢ ፍጹም መላኺ ስርዓት ህግደፍ ትጽቢታቱ ኣብ ወሽጢ እዚ 20 ዓመታት ከይተረጋገጹ መኺኖም ተሪፎም እዮም፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩሎም እቶም ኣብ ታሪኽ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝገጥሞ ሕሰመ-መከራ ብዝገደደ ብኩሎም መልክዓት ጭቆናታት ደርባዊ፣ ብሄራዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ጾታዊ ወዘተ ገጢሞም ሃገር ኣብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተቀይራ ካብ ገዛኢ ስርዓት ወጻኢ ተራ ማሕበራዊ  ህይወቱ እውን ክመርሕ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ወዲቑ ብዘስካሕክሕ ኣስገዳድ ዕስክርና ሓውሲ ጊላዊ ስርሓትን ዘይተኣደነ ግፍዕታትን ተሳቒዩ፡ ዋሕዚ ስደት ጥርዚ በጺሑ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ናብ ምብትታን ሓደጋ ኣንጸላልዩዎ ይርከብ ኣሎ፡፡

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ዕዱማት ኣጋይሽን

ሎሚ መበል 50 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ዘቤታዊ መግዛእቲ ሕሰም እናስተንተና ነብዕሎ እኳ እንተሃለና፡ ሕድሪ ሰማእታት ከየዕበርና ዕለማታት ባሕቲ መስከረም ህያው ክንገብር እቲ ናይ ሓርበኛነትን ዘይተንበርካኽነትን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብምድጋም ንሽርሕታት ስርዓት ህግደፍ ጽንኩርነት እዚ መዋእል እዚን ከይተበዳህና ብጽንዓት ንቃለስ ምህላውና ኣብ ታሪኽ ደሞክራሲያዊ ተጋድሎ ህዝብና ኣገዳሲ ምዕራፍ እዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ህሞት እዚ ካብ ዝበዝሐ ክፍልታት ሕ/ሰብ ኤርትራን ዓለምን ተነጺሉ ኣብ ስለያውን ወታሃደራውን ናይ ጭፍጨፋ መሓውራት ትካላቱ ተንጠልጢሉ ብውሽጢ ብብልሽውና ጠስጢሱ ንውድቀት ተሳጢሑ ዘሎ ስርዓት እዩ፡፡ በዚ መንጽር ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብመንጽር ዝሓለፈ ተመኩሮ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ ምርግጋጽ ሕቶ ሓድነትን ሕቶ ፖለቲካ ደሞክራስን ዝተወሰነ ስዳሮ ዝተጓዓዘ ይኹን ድኣ እምበር ገና መሊኡ ንምርግጋጾም ብዙሕ እዩ ዝተርፎ፡፡ ካብ ምንጽጻግን ዘይሃናጺ ውድድራትን መሊኡ ተናጊፉ ኩሉ ዓቕምታት ተጋድሎና ብቀዳምነት ንስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ከቕንዕ ዕቱብ ስርሓት ምስራሕ ይሓተና ኣሎ፡፡

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኩሉ መዳያዊ ስርሓት ኣብ ምስራሕ ዝቃለስ ዘሎ ይኹን ድኣ እምበር ሓደ ካብቲ ናይዚ እዋን ቀንዲ ዕማሙ ከምቲ ንምዕዋት ሃገራዊ ዋዕላ ምስ ኩሎም ውድባትን ምንቅስቓሳትን ሲቪላዊ ማሕበረሰባትን ወዘተ ኮይኑ ናቱ ግደ ዝተጻወተ ሕጂ እውን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ከይተሓለለ ተርኡ ይጻወት ኣሎ እዩ፡፡ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከኣ ካብቲ ሕሉፉ ተመኩሮ ናይ ዋዕላ ብምምሃር ኣወንታዊ ሸነኽ ብምዕቃብ ኣሉታዊ ሸነኽ ከኣ ብምውጋድ እዚ ጉባኤ እዚ ብዝሓሸን ብኹሉ ሸነኹ ብዓወት ክወጽእ ምስ ኤዲኪን፡ ምስ ውድባትን ምንቅስቓሳትን፡ ሲቪካዊ ማሕበረሰባትን ወዘተ ተዋሃሂዱን ተሓጋጊዙን ናብ ፍጻሜ ክብጽሕ መድረኽ ዝጠልቦ ምዃኑ ሓደን ክልተን ዘይበሃሎ ሓቂ እዩ፡፡

 ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ዑዱማት ኣጋይሽን

ሎሚ ንመበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ከነብዕል እንከሎና እቲ ብሰንኪ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ መዓልቲ-መዓልቲ ንስደት ዝውሕዝ ዘሎ ህዝብና ዝገጥሞ ዘሎ ሓሰረ-መከራን ግዝያዊ እፎይታ ክረክብን ማሕበራዊ ህይወቱ ክመርሕን ልዑል ቆላሕታ ዝጠልበና ብምዃኑ ፈታው ሰላምን ዲሞክራስን ሕ/ሰብ ዓለም ናይ ስደተኛ መሰሉ ክሕለወሉን ምድግጋፍ ክግበረሉን በዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ፡፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ተወጢኑ ዘሎ እገዳ እውን ተሪሩ ኣብ ተግባር ክውዕል ንጽውዕ፡፡

ኣብ መደምደምታ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንደንበ ተቓውሞ ንምሕያልን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ክገብሮ ዝጸነሐን ዘሎን ኩሉ ሸነኻዊ ምድግጋፍ እዚ ከየመስገናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን፡፡

ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ብዕቱብ ቃልሲ ህዝብና ኣብ መዕረፊኦም ክበጽሑ እዮም!!

ዓውት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ውድቀት ንጸረ ህዝቢ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!