ሽማግለ ንጉባኤ በይ-ኤርያን መስር&#462
δΤΡ γδ ήΘα omaal έν 06:27 ΥΘΗΝΗ - 09 10 1432 εά (07 09 2011 γ)

ENCD March 2011.jpg

ሽማግለ ንጉባኤ በይ-ኤርያን መስርሕ ምርጫን ተሞክሮኡን

 


ΚέΗΥνα ΗαΞΘΡ

ENCD March 2011.jpg

ሽማግለ ንጉባኤ በይ-ኤርያን መስርሕ ምርጫን ተሞክሮኡን

ሽማግለ ንጉባኤ በይ-ኤርያ ከምቲ ኣጃማምርኡ ብዓወት’ዩ ዛዚሙ። እዚ ሽመግለ’ዚ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ክሳብ ዕለት ምርጫኡ ልዕሊ 15 ኣኼባታት  ኣካይዱ። እዚ ኣኼባታት’ዚ ንጡፍ ተኻፋልነት ኣባላት ዝዓዘዞን ምሉእ ነጻነት ርእይቶን ክትዓትን ዝዓብለሎን ህዝባዊ ኣኼባታት ብምንባሩ ነቲ ኣባል ነንሕድሕዱ ንምፍላጥ ዓቢ ተራ’ዩ ተጻዊቱ። እቲ ዝፈጠሮ ሃዋሁው እውን ነቲ ካብ ዝተፈለለየ ተመኩሮታት ዝመጸ ኣባል ርእይቶኡን ሓሳባቱን ብዘይንሕሰያ ከፍስስን፡ ተጸዋዊሩን ተኸኣኢሉን ክጉዓዝን ሚሂርዎ። 

ብዓቢኡ ከኣ፡ ነቲ ዝተፋላለየ ሓሳባቱን ኣረኣእይኡን ወጊዱ፡ እዚ ሃገራዊ ጉባኤ’ዚ ክዕወት ኣለዎ  ዝብል ሓበራዊ ዕላምኡን ሓልዮቱን፡ ንሓይሉን ንሓሳባቱን ኣብ ሓደ ጠርኒፉ ከም ዝጉዓዝ ሓጊዝዎ። ኣድሚዑ ከኣ። ንኣብነት ኣብ በይኤርያ ዝርከቡ ኣባላት ውድባት ንዓመት ምሉእ ውድባዊ ስርሖም ገዲፎም፡ ምስ ህዝቦም ኮይኖም ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ምጽማዶም፡ ነቲ ዝጥለብ ስራሕ ይኹን ጉዕዞ ኣቃሊልዎ እዩ። ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ከኣ ሽማግለ ንጉባኤ በይ-ኤርያ፡ ኣብ ኣኼባታቱን ዘውጽኦ ውሳኔታትንን ጽልዋታት ናይተን ውድባት ዘይምንባሩ፡ ነቲ ካብ ውድባት ነጻ ዝኾነ ኣካል ዝያዳ ተሰማሚዑ ንኽሰርሕ ኣብቂዕዎ።

 ብተወሳኺ እቲ ሃገራዊ ጉባኤ ንብዝሒ ህዝባዊ ተኻፋልነት ኣብ ጉባኤ 60% ምሃቡ፡ ድምጺ ህዝቢ ዝስምዓሉ ኩነታት ሰለዝፈጠረ፡ ነቲ ካብ ውድባት ነጻ ዝኾነ ኣባል ሽማግለ ዓቲቡ ንኽቃለስ ዓቢ ሞራልን ተስፋን ኮይንዎ እዩ። እቲ ዘንቀሳቐሶ ሞቶር እውን እዚ ውሳኔ’ዚ እዩ ክብሃል ይከኣል። ነቲ ህዝቢ እዚ ዕድል’ዚ እንተዘይወሃቦ ነይሩ፡ እቲ ካብ ውድባት ነጻ ዝኾነ ዜጋ ንሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ኢሉ ከምዚ ገይሩ ኣብ ቃልሲ ኣይምነጠፈን ዝብል እምነት ኣቐሚጥና፡ ንሓዋሩ ከኣ እዚ ኣዎንታዊ ውሳኔ’ዚ ክዕቀብን ካብ ዘለዎ ንላዕሊ ክምዕብልን ኣለዎ ንብል። ምኽንያቱ እቲ ናይ መጨረሽታ ጉዕዞ ቃልስና ኣብ ምምስራት ህዝባዊ መንግስቲ ክዓልብ ስለእንደልዮ፡ ካብ ሕጂ ጀሚርና እግሪ እንተ ዘይኣትኪልናዮ ዝሓሰብናዮ ዕላማ ክቐንዓና ኣሸጋሪ ክኸውን እዩ።          

እዚ ሽማግለ’ዚ፡ ዝተኸተሎ ኣጋባብ ስራሕን ኣካያይድኡን እውን ኣይሓመቐን። ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ መደብን ስርዓትን ምሓዙ ከኣ ሓጊዙ እዩ። ንኣብነት ንምድላው ኣኼባ ዝምልከት ቀሊል ስራሕ ኣይነበረን። ንነፍሲ-ወከፍ ኣኼባ ቅድሚ ሰሙን ክልተ ሰሙን ዕለት ኣኼባ ምእታዉ፡ ብኣቦ መንበር፡ ኣኼበኛ ዝዛተየሎም ኣጀንዳታት ከምኡ’ውን ካብ ኮምሽን ዝመጸ ሓበሬታታት መምርሒታትን ከም ኣጀንዳ ሰፊሮም ንኣባላት ብኢ-መይል ከይተሓለለ ሰዲዱ። ተወሳኺ ኣጀንዳ ዘለዎ ኣባል ከኣ ክውስኽ ኣፍቂዱ።

በብግዜኡ እሞ ከኣ ከይወዓለ ከይሓደረ፡ ናይ ዝሓለፈ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ጸብጻብ ብዋና ጸሓፊ ብኢመይል ተሰዲዱ መአረምታ ዘለዎ ኣባል ብኢመይል ክሕብር  ወይ ከኣ  ቅድሚ ኣኼባ ምጅማሩ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ዝተፈልየ ርእይቶ ዘለዎ ከቐርብ ዕድል ተዋሂቡ። ስዒቡ እቲ ኣጀንዳታት ናይ ግዜ ዓቐን ተዋሂብዎ መስርዕ ሒዙ ብምቕራብ ኣኼበኛ ብኡ መሰርት ተመሪሑ ከም ዝዝቲ ተገይሩ። ሽማግለ ግቡኡ ንምምላእ ከኣ፡ ምስቲ ኮምሽን ዘለዎ ስርርዕ ኣኽቢሩ፡ እቲ ጸብጻብ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኣኼብኡ ንኮምሽን ኣመሓላሊፉ። ብኸምዚ ኣገባብ እቲ ሽመግለ ስርሑ ኣጽፊፉ ብኮምሽን’ውን ተማእኪሉ ኽሰርሕ ክኢሉ።  

 ከምዚ ኾይኑ ከብቅዕ ግና ኣብዚ ኹሉ ኣኼባታት ዘይምስምማዕ ኣይነበረን ክብሃል ኣይክኣልን። ሽማግለ በይ ኤርያ ኣብ ኣኼባና ዝርከብ ዘይምስምማዕ እንፈትሓልና ሓንቲ ጥበብ ኣላትና። እዛ ጥበብ እዚኣ፡ ኣብ ክትዕ ኮለል ክንብል ውዒልና ዘሎና ሓሳባት ምስ ነገፍና፡ ኣብ መወዳእታኡ ኣብታ መሰረታዊት መንቀሊና እትመልሰና ጥበብ እያ። ንሳ’ያ ፈውስና ክትብሃል’ውን ትከኣል። ንሳ ኸኣ፡ “እዛ ኣብዚ ኣራኺባትና ዘላ ቀንዲ ዕለማ ነዛ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት’ያ። ከመይ ኢልና ኣብኣ ኣቲና ሽግር ህዝብናን ሃገርናን ንፈትሕ እዩ። ካልእ ኩሉ ነምጽኦ ዘሎና ጓል ዘረባ ኮይኑ፡ ንዕኣ ኢዱ ይሃብ። ኣብዛ ግዜ’ዚኣ ንዕኣ ከገልግል ኣለዎ፡” ንብል። ኩሉ ኣብ ልቡ ተመሊሱ ከኣ ዝግ ኢሉ “እሞ ከመይ ንግበር?” እንዳበለ ይረዳዳእ። እቲ ዘገራጩ ዝነበረ ኣርእስቲ ይግደፍ፡ ይርሳዕ’ውን። እቲ ዝሓለፈ ክትዓት ድኻም’ኳ እንተኣስዓበ፡ ኣብ መጨረሽትኡ ደው ኢሉ፡ ኣብ ስራሕ ዘውፍር ውሳኔ ይብጻሕ። እቲ ዝደለ ውጽኢት ድማ ንሱ እዩ።  

ሓደ ካብቲ ክንምሃሮ ነዊሕ ግዜ ዝወድኣልና ነጥቢ፡ ንዝተሰማምናዓሉ ውሳኔ ኣብ ምትግባሩ ምስ በጻሕና ንምኽባሩ ዘሎና ተቐባልነት እዩ። ገለና ንምርዓሙ የሸግረና። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ውሳኔ ዝተበጽሓሉ ኣኼባ ዘይነበሩ  ኣባላት፡ ከም እንደገና በቲ ውሳኔ እዚ ድኣ “ስለምንታይ ከምዚ ጌርኩሞ? ከመይ ኢሉ ከምዚ ይኸውን?” ዝብል ክትዕ ይልዓል። እቶም በቲ ውሳኔ ስምምዕ  ወይ ድምጺ ተገይርሉ ክነሱ ኣንጻሩ ርእይቶ ዝነበሮም ሰባት ድማ መድሎ ረኺቦም ነቲ ክትዕ ከም እንደገና ይሕወስዎ። እዚ ኣሉታዊ ተሞክሮ’ዚ ንሓደ ክልተ ሰለስተ ግዜ ኮለል ምስ ኣበለና ከኣ ከሳርሓና ስለዘይከኣለ፡ ሓደ ግዜ ኣብ ኣኼባ ዝተሰማምዕላናሉ ውሳኔ ከነተግብሮ እምበር ከም እንደገና ኣብ ክትዕ ክነውርዶ ከምዘይንኽእል፡ ጌርና።

 ስለዚ ካብ ኣኼባ በዂሩ ዝወዓለ ይኹን ብዋና ጸሓፊ ዝተዋህበ ጸብጻብ ከይንበበ ዝመጸ ኣባል፡ ብውሳኔ ናይ ዝሓለፈ ኣኼባ ተቐይዱን ተማእኪሉን ከምዝኸይድ ብምግባርና ንስራሓና ዓቢ ኣሳልጦ ሂብዎ እዩ። እዚ ኩሉ ስነ-ስርዓትን ኣካይዳን ምትእርራምን ኣብ ኣኼባታትና ከኣ፡ ንዝተዋህበና መምርሕን ዘሎና እምነትን ጸኒዕና ንምትግባር ዝተኸተልናዮ ኣገባብ ብምዃኑ፡ ኣብቲ ዝገበርናዮ ኣኼባ ንምርጫ ኣዎንታዊ  ውጽኢቱ ጎሊሑ ተራእዩ።

 ተቓዉሞ ደምበ ንህዝቢ ጸዊዑ ንዓ ወከልትኻ ምረጽ ክብል ንመጀመርያ ግዜኡ ዓሚ’ዩ።  ስለዚ እቲ ተሞክሮ ናይ ምርጫ ነይሩ’ዩ። እቲ ኣገባብ እውን በቲ ኮምሽን ኣይተቐየረን። ዓሚ ኣባላት ውድባት ዘይተመርጽሉ፡ ንሃገራዊ ዋዕላ ዝካፈሉ ካብ ውድባት ነጻ ዝኾኑ ዜጋታት ዝመርጽ ህዝባዊ ምርጫ ተኻይዱ እዩ። ነቲ ዋዕላ ድማ፡ ኣንዳዕዲዕና ኣስማት ወከልትና እንዳረቛሕና፡ ህዝቢ ተኻፊልዎ እዩ ክንብል በቒዕና። ካብተን ናይ ውድባት ናይ ህዝቢ ድምጺ ይበዝሕ እንዳበልና ክንትኣመመን ጀሚርና። ነተን ውድባት ከምኡ ብምግባረን’ውን ኣመስጊንና። እዚ ተሞክሮ’ዚ ክድገምን ክምዕብልን ይድለ።

ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ሽማግለ ንጉባኤ በይ-ኤርያ በቲ ኮምሽን ዝተዋህበ መምርሒ ከነንብቦን ክንመያየጠሉን፡ ከምኡ እውን ንኣሳልጦ ስራሕ ከመይ ጌርና ኢና እቲ ምርጫ ከነካይዶ ዝብል ኣጀንዳ ኣቐሚጡ መዓልቲ ምርጫ ከይኣተወ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ተኣኪቡ እዩ። ውሳኔታቱን ኣገባብ ምርጭኡን ኣጽፊፉ ከኣ ጸብጻብ ንኣባላቱ ልኢኹ። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ እቶም መሰረታውያን ኣባላት ውድባት፡ ንሕና ከምቲ ናይ ዓሚ ዝገበርናዮ ምርጫ ብውድብና ስለዝተወከልና፡ ኣብዚ ህዝባዊ ምርጫ ኣይንቃጸጽን ኢና ብማለት ነቲ ብኮምሽን ዝተዋህበ መምርሕን ነቲ እምነት ናይቲ ነጻ ኾይኑ ዝቃለስ ዘሎ ዜጋን ኣስሚሮምሉን ኣደልዲሎሞን። በዚ ኸኣ ኣብቲ መዓልቲ ምርጫ፡ ኣብቲ መእተዊ ዝተገብረ መደረ ብወግዒ ዓቢ ምስጋና ቐሪብሎም።  

ሽማግለ ንጉብኤ በይ ኤርያ፡ እታ ንኹሉ እትፍውስ ግሉጽነት ክንለማመዳ ኣሎና ኢሉ እዩ ጀሚሩ። ብእኣ ክውድእ ከኣ ይመርጽ። ኣብ መዓልቲ ምርጫና፡ ከመይ ኢሎም እቶም ኣባላት ውድባት እዚ ኹሉ ኣገልጊሎምን ገንዘቦም ከፊሎምን ኣብዚ ህዝባዊ ኣኼባ ክምረጹ ዘይክእሉ ዝብል ክትዕ ተኣጒዱ እዩ። እዚ ክትዕ’ዚ በቲ ሽማግለ ኣብቲ ዝሓለፈ ኣኼባኡ ንሰለስት ሰዓታት ተዘሪብሉን ውሳኔ ተዋሂብዎን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ካብቲ ኣሰራርሕና’ውን ወጻኢ’ኳ እንተኾነ፡ ብዝኾነ ይኹን መልክዕ ሓሳባቱ ከቕርብ ዝደሊ ምስምዑ ምልክት ናይ ጹረት’ዩ ብማለት፡ መሊሹ እቲ ደጋፍን ተቓዋምን ከም ድልየቱ ርእይቶ ክህብ ተፈቒድሉ። ግዜ ድኣ በሊዑ እምበር፡ ኣይጎድአን ከኣ። ዘለዎ ርእይቶኡ ሂቡ ዘፍ ምስ በለ ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባ እታ ሽማግለ ዘጽደቐቶ ውሳኔን፡ ዘውጽኣቶን መምርሒ ክምለስ ተሰማሚዑ፡ ምርጭኡ ኣካይዱ። እቲ ናይ ዓሚ ተሞክሮ ህዝባዊ ምርጫ ከምዝነበሮ ምድጋሙ ዓወት’ዩ። ካብ ውድባት ነጻ ዝኾኑ ኣባላት ተመሪጾም። ብሓቂ ድማ ኣብዚ ምርጫ’ዚ ዝወዓለ ኩሉ፡ ብዝገበሮ ተሓጒሹን ሓበን ተሰሚዕዎን ተፈላልዩ።    
 
እዚ ዓመታዊ ጸብጻብን ተሞክሮን ምቕራብና፡ ናትና በሊጹ ወይ ሓሚቑ ንማለት ዘይኮነስ፡ እቲ ቃልስና ቀጻሊ ስለዝኾነ ኩላተን ሽማግለታት ነናተን ተሞክሮታት ብግልጺ እንተዘሕልፋ ጠቓሚ እዩ ካብ ዝብል ሓሳባት ዝተበገሰ እዩ። ምናልባት ካብዚ ናይ በይ ኤርያ ክንመሃሮን ከሳርሓናን ዝኽእል ነጥቢ ኣሎ እንተድኣ ክንብል ኮይና ከኣ፡ ብኣብዝሓ ድምጺ ዘጽደቕናዮምን ዝተሰማማዕናሎምን ውሳኔታት ይኹን ብዝተዋህቡና ስርዒታዊ መምርሒታት ክንቅየድን ክንምእዘዞምን ክንክእል ኣሎና። ኣብዛ ግዜ እዚኣ ዘላ ቀዳማዊት ጉዳይና፡ ኩሉ ገዲፍና ንሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት እዩ። ህዝባዊ መልክዑ ንምትሓዙ ከኣ ክንጽዕር ይግባእ። 
    

ሽማግለ ንጉባኤ በይ-ኤርያ 
22 ነሓሰ 2011

encdcbayarea@gmail.com

www.encdc.com